ኣብ ምድብ 5 ዝምደብ ህቦቡላ "ሃሪኬን መሊሳ" ንጀማይካ ይገላብጣን ንኩባን ባሃማስን'ውን የረኻኽበለን፡

ዘይንቡርን ሓያልን ህቦብላዊ ዝናብ ፡ ናብ ጃማይካ ገጹ የምርሕ ኣሎ ፣ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ኣብ ደሴት ካሪብያን ዝሃረመ ዝኸፍአ ህቦብላ ንፋስ ምዃኑ ድማ ይንበ ። ህቦብላዊ ዝናብ መሊሳ ኣብ ሰዓት ክሳብ 280 ኪሎሜተር እናተሓንበበን ክሳብ ሓደ ሜትሮ ብዝወቕዐ ዝናባዊ ንፋሳት ፡ ንህይወታውያን ዘስግእ ምዕልቕላቕ ማይ ከምጽእ ተነብዩ ኣሎ ። ሰበ-ስልጣን ጃማይካ ፡ እታ ደሴት ብምልእታ በቲ ህቦብላ ኣብ ስግኣት ከም ዘላ ፡ ድሕሪ እዚ ሰሙን እዚ እውን ንገለ ክፋል ኩባን ባሃማስያን ከም ዝወቅዕ ይዛረቡ ። ሃገራዊ ማእከል ሀሪኬን ኣመሪካ እዚ ልክዕ ከምቲ ናይ 2005 ህቦቡላ ካተሪና ምዃኑ ይዛረቡ።

A photo of a hurricane shot from space.

The last major hurricane to impact Jamaica was Beryl in July 2024 — an abnormally strong storm for the time of year. Source: Getty / NOAA

ህቦብላ መሊሳ ኣብ ሰዓት ክሳብ 282 ኪ.ሜ. ዝውንጨፍ ብርቱዕ ህቦቡላ ኣኸቲሉ እዩ ዝጓዓዝ ዘሎ ፣ እዚ ዝኸይድ ዘሎ ማዕበል ምድብ 5 ናብ ጃማይካ ገጹ ቀስ እናበለ ይግስግስ ኣሎ ፣ ኣብታ ደሴት ካሪበያ እቲ ዝሓየለ ክኸውን ዝኽእል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ ።
መሊሳ ካብ ሰዓት 2 ድ.ቐ. ኣትሒዙ ፡ "ጥፍኣት" እተሰምየ ህቦብላ እዩ ኮይኑ ፣ እዚ ብመሰረት ሃገራዊ ማእከል ህቦብላ ኣመሪካ (NHC) ኣብ ደረጃ ሳፊር-ሲምፕሰን እቲ ዝሓየለ እዩ ።
ኪኢላታት NHC መሊሳ ኣብ ኣጋ ምሸት ሰሉስ ወይ ከኣ ኣብ ወጋሕታ ሰዓታት ናይ ረቡዕ ፡ ናብ ምብራቓዊ ኩባ ክሰግር ፡ ሓሙስ ድማ ብባሓማስን ብቱርኪን ብካኦስን ክሓልፍ ትጽቢት ይገብር ።
ዕምሪ ንፋስ መሊሳ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ንውሓት ጃማይካ ይዛይድ ፣ ቀንዲ መዓርፎ ነፈርቲኣ ድማ ኣብ ጥቓ ጽፍሒ ባሕሪ እዩ ዝርከብ ።

ነታ ታሪኻዊት ከተማ ፖርት ሮያል ዝዀነት ጃማይካ ሓዊስካ ፡ ካብ ደቡባዊ ጃማይካ ብግዴታ ክወጹ ትእዛዝ ምስ ተዋህበ ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንድሪው ሆል ፡ ናይ ወጻኢ ደገፍ ክግበር ጻዊዒት ኣቕሪቡ። ኣብ መሬት ሕርሻን ኣባይትን ኣብ ከም ድልድላትን ጽርግያታትን ወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ዝኣመሰለ ትሕተ ቅርጽን ጕድኣት ከም ዝወርድ'ውን ኣጠንቂቑ ኣሎ።
ገለ ካብቶም ነበርቲ መጠንቀቕታ እኳ እንተ ተዋህቦም: ከይስረቑ ብምስጋእ ካብ ኣባይቶም ክወጹ ከም ዘይደልዩ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ተዛሪቦም ። ሰበ-ስልጣን ድማ ኣውቶቡሳት ነቶም ካብቲ ቦታ ክወጹ ትእዛዝ ዝዋህቦም ኣስታት 28,000 ሰባት ከግዕዝዎም ይጽበዩ ከም ዘለዉ ገሊጾም ።
"ኣብዚ ዞባ ንሓደ ምድብ 5 ህቦቡላ ክጻወር ዝኽእል ትሕተ ቅርጺ የለን" ድማ በለ ።
ሆል ፡ መንግስቱ ብእተኻእሎ መጠን ከም እተዳለወ ሓቢሩ ኣሎ።

Share

Published

Source: Reuters

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service