SKIP TO MAIN CONTENT

ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ኢጋድ ይካየድ ኣሎ።

News
IGAD leaders Source: IGAD

2 min read

Published


Skip to article content

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሳፋሪ ፓርክ ሆቴል ናይ ኢጋድ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ይካየድ ኣሎ ።

መበል 39 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ፡ ብፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ፡ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ኢጋድ ኰይኑ ብእተዋህቦ ስልጣን ፡ ናይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ልኡላውነት ሪፓብሊክ ሱዳን ተኸፊቱ ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ልኡኽ ኬንያ ፡ ብፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ኰይኑ ፡ ብሓያሎ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ተሰንዩ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ ።

ብዘይካ ናይ ኤርትራ ኩሎም መራሕቲ ኣባል ሃገራት'ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ ዘተኮረ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ግጭት ፣ ግብረሽበራን ዓመጻ ዝመልኦ ጥሩፍነትን ፣ ምውናን ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ፣ ዘይሕጋዊ ፍልሰትን ንግዲ ደቂ ሰባትን ዘተኮረ እዩ ።

• እቲ ዋዕላ ክልተ ናይ ዘተ እዋን ክህልዎ እዩ ፣ እቲ ንመራኸቢ ብዙሃንን መሻርኽትን ክፉት ኣኼባ ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ ኢጋድ መራሕቲ መንግስታትን ጥራይ ዝተሓጽረ ዕጹው ኣኼባ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ተራኺቦም  ተዘራሪቦም።

 

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ ”ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝገበርኩዎ ዘተ ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰርሓሎም ብዙሓት ጉዳያት ምህላዎም ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና” ኢሉ።

 


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now