ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ኢጋድ ይካየድ ኣሎ።

News

IGAD leaders Source: IGAD

ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ሳፋሪ ፓርክ ሆቴል ናይ ኢጋድ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ይካየድ ኣሎ ።

መበል 39 ፍሉይ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ፡ ብፕረዚደንት ዓብደል ፋታሕ ኣል-ቡርሃን ፡ ኣቦ ወንበር ቤት ምኽሪ ኢጋድ ኰይኑ ብእተዋህቦ ስልጣን ፡ ናይ ቤት ምኽሪ መሰጋገሪ ልኡላውነት ሪፓብሊክ ሱዳን ተኸፊቱ ።

ኣብቲ ዋዕላ ዝተረኽበ ልኡኽ ኬንያ ፡ ብፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝምራሕ ኰይኑ ፡ ብሓያሎ ናይ ካቢነ ሚኒስተራት ተሰንዩ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ ።

ብዘይካ ናይ ኤርትራ ኩሎም መራሕቲ ኣባል ሃገራት'ውን ይሳተፉ ኣለዉ።

እቲ ኣኼባ ኣብ ሰላምን ጸጥታን እቲ ዞባ ዘተኮረ ኮይኑ ብፍላይ ኣብ ግጭት ፣ ግብረሽበራን ዓመጻ ዝመልኦ ጥሩፍነትን ፣ ምውናን ዘይሕጋዊ ኣጽዋር ፣ ዘይሕጋዊ ፍልሰትን ንግዲ ደቂ ሰባትን ዘተኮረ እዩ ።

• እቲ ዋዕላ ክልተ ናይ ዘተ እዋን ክህልዎ እዩ ፣ እቲ ንመራኸቢ ብዙሃንን መሻርኽትን ክፉት ኣኼባ ፡ ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ ኢጋድ መራሕቲ መንግስታትን ጥራይ ዝተሓጽረ ዕጹው ኣኼባ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብዪ ኣሕመድ ምስ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብዱል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ካብቶም ኣብቲ ኣኼባ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ተራኺቦም  ተዘራሪቦም።
 
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኣብ ዝዘርገሖ መልእኽቲ ”ምስ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝገበርኩዎ ዘተ ፡ ክልቲአን ሃገራት ብሰላማዊ መንገዲ ዝሰርሓሎም ብዙሓት ጉዳያት ምህላዎም ኣብ ስምምዕ በጺሕና ኢና” ኢሉ።
 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ኣብ ናይሮቢ ዋዕላ ሰላምን ጸጥታን ኢጋድ ይካየድ ኣሎ። | SBS Tigrinya