SKIP TO MAIN CONTENT

እገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ንምንታይ ይለዓል ኣሎ፧

(ካብ ጽሑፍ ጋዜጠኛ ማርቲን ፕሎውት ኣብ መርበብ theconversation.com ዝተተርጎመ)

5 min read

Published


Skip to article content

ሓፈሻዊ ባይቶ ው. ሕ. ሃ. ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኣንቢርዎም ዝጸንሐ ናይ ኣጽዋርን ብፍሉይ ዝተዓለሙ እገዳታት ኣልዒልዎም ኣሎ። እቲ ኣብ 2009 ዝሓለፈ ብይን 1907 ሓፈሻዊ ባይቶ ው.ሕ.ሃ. መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቕ ጉጅለ ኣልሸባብን ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝቃለሱ ወይ ዝተፋነኑ ካልኦት ምንቅስቓሳትን ይሕግዝ ኣሎ ኢሉ ኣስሚርሉ ኔሩ። ኣብ’ቶም ዝቐጸሉ ዓመታት ብፍላይ ከኣ ኣብ 2011 መንግስቲ ኤርትራ ምስ ጂቡቲ ዝነበረ ምስሕሓብ ዶብ ክፈትሕ ብምእባዩ እቶም እገዳታት እናተጠናኸሩ ከይዶም። መንግስቲ ኤርትራ ብቐጻሊ ነዞም ጉጅለታት ኣየዕጠቕኩን ብምባል ነዞም ክስታት ክነጽጎም ጸኒሑ’ዩ። መጎተኡ ንምሕያል ከኣ ናብ’ቲ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዛ ዝኾነን ናይ ቀደም ተሓጋጋዚ ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበረን፡ ሄርማን ኮሄን ዝመስከሮ መግለጺ የመላኽት። ንሱ “ኩሎም እዞም እቲ መንግስቲ ኣብ ሶማልያ ንኣልሸባብ ይሕግዝ’ዩ ዝብሉ ክስታት ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ጭብጢ የብሎምን” ክብል ተዛሪቡ ኔሩ። እቲ ሓፈሻዊ ባይቶ ድሕሪኡ ብኽኢላታት ዝቖመ ጭብጥታት ኣብ ንጥፈታት መንግስቲ ኤርትራ ዝከታተል ጉጅለ ኣቚሙ። በብዓመቱ ዕሙቕ ዝበሉ ጸብጻባት ኣቕሪቡ፡ ኣብ ገሊኡ ክሳብ ኣማኢት ዝቑጸር ገጻት ዝሓዘ። እዚኦም ጸብጻባት ነቲ ቤት ምኽሪ ነቲ መንግስቲ ከገልል ብዙሓት ምኽንያታት ፈጢሮምሉ።

ሕጂ ደኣ እንታይ’ዩ ተቐይሩ፧ ሰለሰተ መሰረታውያን ለውጥታት ወይ ነውጽታት ኣጋጢሞም። ቀዳማይ እቲ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሻባብ ይሕግዝ ኣሎ ዝብል ጭብጢ ብቐጻሊ እናሃሰሰ መጺኡ። ካልኣይ ኤርትራ ከም’ቲ ቅድሚ ሕጂ ተገሊላቶ ዝነበረት ኣይኮነትን ዘላ። ናይ መወዳእታ ኸኣ ዳግማይ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ነቲ ዞባዊ ኩነት ቀይርዎ።

እቲ ጭብጢ እንታይ’ዩ ኔሩ፧

ናይ 2011 ጸብጻብ እታ ተቖጻጻሪት ጉጅለ ኣብ ምቕራብ ክሲ ምትእትታው መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሶማልያን ደገፉ ንኣልሸባብን ብፍሉይ ኣገዳሲ ኔሩ። እቶም ክኢላታት ብኣገላልጻ ናይ’ቶም ተቖጻጸርቲ “ተሪር ጭብጢ ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ጉጅለታት ኣብ መላእ’ቲ ዞባ፡ ንጂቡቲ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ሱዳንን ወሲኽካ ረኺብና። ደገፍ ነዞም ጉጅለታት ብተወሳኺ ንዲፕሎማሰኛታት፡ ስለያ ኤርትራን ምስ ህግደፍ ዝምድና ዘለዎም መርበባት ኣብ ኬንያ፡ ኡጋንዳ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ካልእን የካትትን።” እቶም ተቖጻጸርቲ ብምውሳኽ “መንግስቲ ኤርትራ ምስ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማልያ ዝምድና ከምዘለዎ ኣሚኑ፡ እዚ ኸኣ ንኣልሸባብ’ውን ይውስኽ፡ ነዚኦም ዝምድናታት ግን ፖለቲካዊ (ኣብ ሓንቲ ፍልይቲ ጉዳይ ከኣ ሰብኣዊ) ክብል ይምድቦም፡ ዝኾነ ወተሃደራዊ፡ ንብረት ወይ ፋይናንሳዊ ደገፍ ከምዝገብር ግን ይኽሕድ። በቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ዝተኣከቡ መርትዖታትን ቃለምስክርነትን፡ ፋይናንሳዊ ክፍሊታት ወሲኽካ፡ ቃለመሕትታት ምስ ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ንምንቅስቓሳት ባሕርን ኣየርን ዝምልከቱ ኣሃዛት/ዳታ፡ ኩሎም ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ሶማል ኣብ ፖለቲካዊ ወይ ሰብኣዊ መዳያት ዝተሓጽረ ከምዘይነበረ የመልክቱ።”

ናይ’ቲ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ስእላዊ መግለጺ ናይ መሰልጠኒ መሳለጥያታት ብብዝሒ ዝተመስረተ ምስ ልዕሊ 100 ኣባላት ሽዱሽተ ዕጡቓት ተቓወምቲ ጉጅለታት ዝነበሩ’ዩ፡ ንሶም ከኣ ኣልሸባብ፡ ሒዝቡ’ል ኢስላም/እስላማዊ ግንባር ሶማልያ፡ ሒዝቡል ኢስላም/ኤኣርኤስ ኣስመራ፡ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ግንባር ምምላስ ደሞክራሲ’ዮም። ኣብ’ቲ ኣብ መወዳእታ ምስ’ቲ ጸብጻብ ዘተሓሓዞ ጥብቆ እቶም ክኢላታት ነቲ ዝበጽሕዎ መደምደምታ ዘነጽር ዝርዝራት ኣቕሪቡ። እዚኦም ከኣ እቶም ጉጅለታት ወተሃደራዊ ስልጠና እናወሰዱ ዘርእዩ ደረቕ ስእልታትን ዝርዝር ናይ ሓደ ንዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ 2011 ንምጥቃዕ ዝተወጠነ መጥቃዕቲ የካትቱ።

እገዳታት እንታይ ጌሮም፧

እቶም እገዳታት ኣብ’ቲ መጠኖም ኩሉ ግዜ ድሩታት’ዮም ኔሮም። ምዝውዋር ናውቲ ኲናት ደው ንምባልን መደባት ጉዕዞን ቁጠባዊ ረብሓታት ናይ’ቶም ኣገደስቲ ዝበሃሉ ሰበስልጣን መንግስቲ ንምዕንቃጽን ዝዓለሙ ኔሮም። መንግስቲ ኤርትራ እቶም እገዳታት ኣብ ልዕሊ’ቶም ቁጠባዊ ረብሓታቱ ጭቡጥ ማህሰይቲ ኣውሪዶም ክብል ይኸስስ። ብሓቂ ግን እንተተራእዩ እቲ ጽልዋ ኣዝዩ ድኹም’ዩ ኔሩ። ንዝበዝሑ’ቶም ጽልዋታት ናይ’ቲ እገዳ ብመንገዲ መርበብ’ቶም ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ደገ ዝነብሩ ወይ ዳያስፖራ ኣቢላ ከተምልጠሎም ክኢላ’ያ። በዚ ድዩ በቲ ግን እሾኽ ኮይኖም፡ እቲ መንግስቲ ግሉል ከምዝኾነ ዘመላኽቱ ኔሮም። እዚ ብሓባር ምስ ናይ’ቲ መንግስቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት ተደሚሩ ነቲ ተሪር ወቐሳ ዝሓዘ መደምደምታ/ጸብጻብ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ው.ሕ.ሃ. ኣኸቲሉ።

ምኽንያታት ምልዓል እገዳ

ነቲ እገዳ ከብቅዕ ዝገበሩ ሰለስተ ምኽንያታት ኣለዉ። ቀዳማይ ቅድሚ ገለ ዓመታት ው.ሕ.ሃ ድሕሪ ደጊም ደገፍ መንግስቲ ኤርትራ ንኣልሸባብ ዘመላኽት መርትዖ ከምዘየሎ ተቐቢልዎ’ዩ። ካልኣይ ኤርትራ ካብ’ቲ ዝነበረቶ ዓለምለኻዊ ምግላል ወጺኣ’ያ። ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን ኣብ ኲናት የመን መጻምዲ ስዑዲ ዓረብያን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኮይና’ያ። ክልቲኤን ሃገራት ስርሒቶም ዘካይድሉ ወተሃደራዊ መደበራት ተቕርበሎም። ኤውሮጳ’ውን ንመንግስቲ ኤርትራ ሓቒፋቶ’ያ። እዚ ኸኣ ማእከላይ ባሕሪ ሰጊሮም ናብ ኢጣልያ ዝመጹ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ምግታእ ፈተነ ንምክያድ’ዩ። እቲ ሳልሳይን ኣገዳስን ምኽንያት ዕርቂ ኣብ መንጎ’ተን ቀደም ተጻባእቲ ዝነበራ ባእታታት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ዩ። እቲ ነዚ ዝቐየረ ስጉምቲ ዝመጸ ተጻብኦታት ኣብ መንጎ ክልቲኤን ሃገራት ንምብቃዕ ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተወስደ ተበግሶ’ዩ። ኣብ ወርሒ ሰነ ናብ ዋና ከተማ ኤርትራ፡ ኣስመራ፡ ኣብ ዝበጽሓሉ ብዙሕ ሰብ ተቐቢልዎ። ምብጻህ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪኡ ተኸቲሉ፡ ኣብ መወዳእታ ኸኣ እቲ ኣብ ቀረባ ግዜ ዝተኻየደ ስሉስ ሃገራዊ ርክብ ኣብ መንጎ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን። ኣብ ዝሓለፈ እዋን ሶማልያን ኢትዮጵያን ምስ ጂቡቲ ኮይነን’የን እተን ቀንዲ ተማጎትቲ ንእገዳ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ኔረን። ሕጂ ግን ስለ ዝተዓረቓ ዓለምለኻዊ ደገን ነቲ እገዳ ው. ሕ. ሃ. ሃፊፉ።

ዝስዕብ እንታይ’ዩ፧

መንግስቲ ኤርትራ ምልዓል ናይ’ቲ እገዳ ከም ዓቢይ ፍጻመ ወይ ዓወት ወሲዱ ከብዕሎ ተኽእሎ’ሎ። እንተኾነ ግን እቲ ጸገማት በዚ ዝውዳእ ኣይኮነን። ዘይከም ጎረቤት ሃገር ኢትዮጵያ፡ መንግስቲ ኤርትራ መደብ ደሞክራሲያዊ ለውጥታት ኣይተኣታተወን፡ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ከኣ ኣየመሓየሸን። ምኽፋት ዶባት ምስ ኢትዮጵያ ምፍላስ ኣሽሓት ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ኣኸቲሉ። ክሳብ 500 ዝኾኑ ኣብ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ይሰግሩ’ለው። ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዝግበር ጸቕጥታት’ውን ዝውዳእ ኣይኮነን። መንግስቲ ኣሜሪካ ንኤርትራ ኣብ መንጎ’ተን ዝኸፍአ ግህሰት ሃይማኖታዊ መሰላት ዘለወን ሃገራት ትሰርዓ። ከም ሳዕቤኑ ዋሺንግተን ንዝተፈላለዩ ላዕለዎት ሰብ መዚ መንግስቲ ኤርትራ ቪዛ ምኽልካል ክትቅጽሎ’ያ። ከም በዓል ነዘርላንድስ ዝኣመሰላ ካልኦት ሃገራት ከኣ ዝተፈላለዩ ስጉምታት ምውሳደን ክቕጽልኦ’የን። ኣብ ዝተናወሐ ግዜ ግን ግብረመልሲ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ህሞት ንፕረዚደንትን መንግስትን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ኣገዳስን ዓቢይን ከምዝኾነ ክውስን’ዩ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now