ካብ ሊብያ ናብ አኣውሮጳ ብባሕሪ መዲተራኒያ ካብ ዝተበገሱ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ስደተኛታት ተጻዒኖማ ዝነበሩ ጃልባ ብምስባራ ኣብቲ ባሕሪ ጥሒሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኣልጀዚራ ጸብጺቡ።
“እታ ጃልባ ምጥሓል ኣብዝጀመረትሉ 250 ሰባት ጽዒና እያ 120 ኪሎመተር ምብራቕ ካብ ትሪቡሊ ትርከብ ካብ ከተማ ኮምስ ተበጊሳ።” ክብል ኣዩብ ቃሲም ዝተባህለ ወሃብ ቃል ሓይሊ ባሕሪ ሊብያ ገሊጹ። 134 ዉጻእ መዓት ካብቲ ባሕሪ ክድሕኑ ከምተኻእለ እቲ ወሃብ ቃል ወሲኹ ገሊጹ ኣሎ።
ትካል ኣሁራዊ ፍልሰት (IOM) ብትዊተር ዝጸሓፎ መልአኽቲ ግና ድሕርቲ ፍጻመ ልዕሊ 150 ሰባት ሞይቶም 145 ድማ ድሒኖም ናብ ሊብያ ተመሊሶም ክብል ገሊጹ ኣሎ።
ኣብዚ ዓመት ኣብ ባሕሪ መዲተራኒያ ካብተራእየ ተመሳሳሊ ዘሕዝን ፍጻመ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ናይ ዉሕሃ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታት ኮሚሽነር ፍሊፖ ግራንዲ ገሊጹ።

