ሓድሽ ፕረዚደንት ዛምብያ- ኮይኑ እተመርጸ ሂቺለማ ፡ "ድምጺ ብዝሃቡ እሕበን እየ። "
ሃከይንደ ሂቺለማ ፕረዚደንት ኰይኑ ከምእተመርጸን ፡ ኣብ ልዕሊ ሕጹይ ፕረዚደንት ዝነበረ ኤድጋር ሉንጉ ፡ ዓብላሊ ድምጺ ከምዝረኸበን ኣፍሊጡ። ሂቺለማ ልዕሊ 2.8 ሚልዮን ድምጺ ብምርካብ ነቲ ዐወት ከምዝረኸበን፡ እቲ 1.8 ሚልዮን ድምጺ ረኺቡ እተሳዕረ ሉንጉ፡ ንስዕረቱ ከምእተቐበለን 'ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን' ክግበር ጸዊዑ።