ታሪኽ መዓልቲ ኣንዛክ (Anzac Day)
ሎሚ ሓሙስ መበል 109 ዓመት ዝኽሪ ናይቲ ብ25 ሚያዝያ 1915 ኣብ ጋሊፖሊ ፡ ቱርኪየ ፡ ወተሃደራት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ምስ ወተሃደራት ብሪጣንያ ፡ ፈረንሳን ህንድን ዝዓረፍሉ እዋን እዩ ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሪቻርድ ማርለስ ኣብቲ ኣብ ጋሊፖሊ ዝግበር ጽምብላት ይካፈል ኣሎ ።
ማርለስ ፡ "ብዛዕባ እቲ ኣብ ጋሊፖሊ እተገብረ ስርሒት ክንሓስብ ከለና ፡ ብጻይነትን መስዋእቲን ኢና ንሓስብ ፣ ነቲ ወተሃደራት ኣንዛክ ዝገበርዎ ዘደንቕ ተግባራት ከኣ ነድንቕ"
"ነቶም ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ ስርሒታት ተዋፊሮም ዘለዉ 1500 ኣባላት ምክልኻል ኣውስትራሊያ ኣፍልጦ ንህበሎም ኢና ፤ ነቶም ልዕሊ 103,000 ኣውስትራሊያዊያን ን ሃገርና ህይወቶም ዝሃቡ ክብሪ ኣለና።"
እቲ መዓልቲ ፡ ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ፡ ወተሃደራት ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ንፈለማ እዋን ኣብ ውግእ ዓለም ከቢድ ውግእ ዝገበርሉ እዩ ነይሩ ።
ኣብ ዋና ከተማ ናይ ወጋሕታ ስነ ስርዓት ዝኽርን ምረሻን
ኣብ ካንበራ ፡ ኣብቲ ኣስታት 32,000 ሰባት ተኣኪቦምሉ ዝነበሩ ስነ ስርዓት ዝኽሪ መጠን ሙቐት ናብ 2 ዲግሪ ሰንቲግሬድ እዩ ዝሒሉ ነይሩ።

ኣብ ቀዳማይ ውግእ ዓለም ካብ ኣባላት ኣንዛክስ እተላእከ ደብዳበታት ተነብበ: ዝርዝር ስም እቶም ዝወደቑ ወተሃደራት ከኣ ኣብቲ ኣብ ካንቤራ ዝርከብ ህንጻ በሪሁ ፣ እቲ ስነ ስርዓት ካብ ሰዓት 5.30 ቅ.ቀ. ጀሚሩ ፡ ብናይ ሓደ ደቒቕ ስቕታ ተዛዘመ ።
ዂንስላንድ


ኒው ሳውዝ ወልስ (NSW)


ቪክቶሪያ



