ጸለምቲን ደቀባት ህዝቢን ኣብ ካናዳ ኣብ ቅድሚ ፖሊስ ድሕነት ኣይስምዖምን ዘሎ ክብል ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ትሩዶ ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝበለ ጶፖሊስ ንሓደ ካናዳዊ ኣቦሪጂን መራሒ ብዓመጽ ክእሰርከሎ ዘርኢ ቪድዮ ምስተዘርግሐ እዩ።
ድሕሪ ጸሊም ኣመሪካዊ ጆርጅ ፍሎይድ ብሓደ ጻዕዳ ፖሊስ ኣብ ክሳዱ ተረጊጹ ምማቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ጸረ ዓሌታውነት እናዓመረ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዚ ኩነታት ብምምጽኡ እዚ ናይ ካናዳ ፍጻመ ናይ ብዙሓት ኣድህቦ ስሒቡ ኣሎ።
እቲ 12 ደቓይቕ ዘለዎ ቪድዮ፡ ፖሊስ ንናይ ኣታባስካ ቺፕዋያን ቀዳሞት ህዝቢ መራሒ ዝሕኮነ ኣላን ኣዳም ንኽኣስሮ ኣብ መሬት ከንገርግሮ ዘርእይ እዩ።
ብተወሳኺ እቲ ፖሊስ ኣብ ርእሱ እናቐጥቀጦ ይረኣይ።
ሚስተር ትሩዶ ነቲ ቪድዮ "ኣዚዩ ዘሰቅቕ" ክብል ገሊጽዎ።
"ብዛዕባቲ ዝኾነ ዕቱብ ዝኾነ ሕቶ ኣለኒ" ክብል ሚስተር ትሩዶ ተዛሪቡ።
"እቲ ናይ ነጻ መርመራ ግሉጽ ክኸውን ኣለዎ፡ ብተወሳኺ ክሳብ መልሲ ንረክብ ክቕጽል ኣለዎ። ኣብተመሳሳሊ ኩነታት እዚ ፍሉይ ነገር ከምዘይኮነ ንፈልጥ ኢና። ብዙሓት ጸለምቲ ካናዳዊያንን ህዝቢ ደቀባትን ብፖሊስ ድሕነት ኣይስምዖምን ዘሎ። እዚ ቅቡል ኣይኮነን። ከም መንግስቲ ነዚ ክንቅይሮ ኣለና"
ስእሊ ከምዘመልክቶ ሚስተር ኣዳም ገጹ ብደም ተሓጺቡ ሓቢጡ የርእይ።
ን ኣልበርታ ፖሊስ ዝከታተል ነቲ ኩነታት ይምርምሮ ኣሎ።

Chief Allan Adam of the Athabasca Chipewyan First Nation in May 2014. Source: The Canadian Press
ፖሊስ ን ሚስተር ኣዳም ንኽተሓዝ ብምቅዋሙን ንፖሊስ ብምጽራፉን ይኸሶ።
ኣንጻር ሚስተር ኣዳም ተጌሩ ዘሎ ናይ ገበን ክሲ ንኽልዓልናይ እቲ ናይ ሮያል ካናዳዊ ፖሊስ ቪድዮ ንህዝቢ ቅሉዕ ኮይኑ ኣሎ ክብል ናይ ኣታባስካ ቺፐውያን ቀዳሞት ህዝቢ ገሊጹ።
እቲ ኣቐዲሙ ዝተራእየ ቪድዮ ዝተፈልየ ኮይኑ ኣብ 10 መጋቢት ካልእ ኣባል ፖሊስ ናብቲ ኣብ ኣፍደገ ሓደ ኣብ ኣልበርታ ዝርከብ ካሲኖ ደው ኢላ ዝነበረት ናይ ሚስተር ኣዳም መኪና እናቐረበን ዘርኢ እዩ።
ፖሊስ ከምዝብሎ ናይ ሚስተር ኣዳም መኪና መዓልቱ ዝወደቐ ታርጋ እዩ ኔርዋ።
ኣብቲ ቪድዮ ሚስተር ኣዳም ካብ መኪናኡ እናወጸን እናኣተወን እቶም ፖሊስ ከም ናይ ካራተ ዓይነት እናሃረሙ ብጅቡኡ ጓቲቶም ከውጽእዎን ንሱ ድማ ነቲ ዝፍጸሞ ዝነበረ እናተቓወመን ዘመልክትዩ።
ሰበይቱ ኣብ መንጉኡን እቲ ፖሊስን ክ ኣትዋ ይረኣያ።
ጠበቓ ሚስተር ኣዳም፡ ብሪያን በረሽ ብቅዋማዊ መሰላት ኣብ ልዕሊ ሚስተር ኣዳም ዝወረደ ግፍዒ መሰረት ክሱ ክእለ ፋይል ኣእትዩ ኣሎ።
"እዚ ኹሉ ወሪዱ ዘሎ ካብ መዓልቱ ዘሕልፈ ታርጋ ዝብገስ እዩ፡ እቲ ቪድዮ ባዕሉ ይዛረብ እዩ," ክብል ሚስተር በሪሽ ኣብዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።