ንልዕሊ 150 ዓመታት ካብ ኢትዮጵያ ተወሲዱ ዝጸንሐ ጸጉሪ ቁኖ ሃጸይ ቴድሮስ ክመልሶ መደብ ከምዘለዎ ናይ የብሪጣንያ ሃገራዊ ሙዚየም ኲናት ኣፍሊጡ።
ሚኒስተር ባህልን ቱሪዝምን ካልኦት ዝምልከቶም ኢትዮጵያዊያን እቲ ጸጉሪ ናብ ኢትዮጵያ ክምለስ ንብዙሕ ዓመታት ክጽዕሩ ከምዝጸንሑ ይፍለጥ፡፣
ኣብ 1968 ብሪጣንያ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረትሉ እዋን፡ ሃጸይ ቴድሮስ ካልኣይ ካብ ኢደይ ዝህብ ምማት ይሕሸኒ ብምባል’ዩ ነፍሱ ቀቲሉ። ብድሕር’ዚ ወዱ ንሃጸይ ቴድሮስ ዝኾነ ልኡል ኣለማየሁን ካልኦት ቅርሲታትን ብዓባይ ብሪጣንያ ተዘሪፉ ተወሲዱ፡፣
ከም ጸብጻብ ቢቢሲ፡ ቅድሚ 151 ዓመት ብሪጣንያ ብሃጸይ ቴድሮስ ዝተኣስሩ ጸዓዱ ንምልቃቕ ኣብዝገበረቶ ወፍሪ ኣብ 200 ኣፍራስን 15 ሓራምዝን ብዝተወጥሑ ወተሃደራታ ኣቢላ እያ ቅርሲታት ኢትዮጵያን ወዱ ንሃጸይ ቴድሮስ ወሲዳ ። ልኡል ኣለማየሁ ብንግስቲ ቪክቶሪያ ፍቱው ዝነበረን ኣብ መበል 18 ዓመቱን ዝሞተን እዩ።
እቲ ናይ ለንደን ሙዚየም ንቢቢሲ ከምዝገለጸሉ፡ ተኣፋፊ ጉዳይ ስለዝኾነ፡ ስእሊ ጸጉሪ ናይ ሃጸይ ቴድሮስ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዘይከውንን ኣዚዩ ንእሽቶ ከምዝኾነን ገሊጹ ኣሎ፡፣
ኢትዮጵያ ነቲ ሚሊዮናት ዶላራት ዝውድእ ቅርሳ ክምለሰላ ንትካላት ብሪጣንያ ኣብ 2008 እያ ጥር ዓን ኣቕሪባ።
እዚ መግለጺኢ ዝመጽእ ዘሎ ኲናት መቕደላ መበል 150 ዓመት ዝኽሪ ኣብዝውዕለሉ ዘሎ እዋን እዩ፡፣
እቲ ብናፒየር ዝጽዋዕ ተልእኾ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ወረራ ንግስነት ብሪጣንያ ኮይኑ፡ ንሃጸይ ቴድሮስ ካልኣይ ንምስዓር ኣሻሓት ወተሃደራት እንግሊዝ ዝተዋፈርሉ ስርሒት እዩ፡፣
ገዛእቲ ኣውሮጳ ዝወሰድዎ ቅርሲታት ክምለሰለን ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ ጥርዓናት ዘቕረባ ኮይነን፡ ቤኒን ወግዓዊ ጻዊዒት ዘቕረበት ናይ ፈለማ ኣፍሪቃዊት ሃገር። ብመሰረት ጥርዓና ድማ ፈረንሳ ኣብ እዋን ግዝኣት ዝወሰደቶ 26 ኣኽሊላትን ሓወልቲታትን መሊሳ። ኣብ እዋን መግዛእቲ ጥልያን ካብ ኣኽሱም ተወሲዱ ዝነበረ ሓወልቲ’ውን ናብ ኢትዮጵያ ከምተመልሰ ይዝከር።

