ኢራን ኣብ ርሑቕ ደሴት ህንዳዊ ውቅያኖስ ሚሳይል ድሕሪ ምትኳሳ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ኣብ ሻቕሎት ኣትዩ ኣሎ።

ኢራን ካብ ግዝኣታ 4000 ኪ.ሜ ርሒቓ ናብ እትርከብ ደሴት ፡ ክልተ ባለስቲክ ሚሳይላት ክትትኩስ ኪኢላ እያ ። ኣጽዋር ኢራን ክሳዕ ክንደይ እዩ ክበጽሕ ዝኽእል ?

Parts of the intercepted ballistic missile lie in a desert.

Parts of an intercepted ballistic missile fired by Iran towards Israel in April 2024. It lies near the Dead Sea in Israel. Source: AP / Ohad Zwigenberg/AP

ኢራን ፡ ብ20 መጋቢት ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ እትርከብ ዲያጎ ጋርሽያ እትብሃል ደሴት ፡ ክልተ ባለስቲክ ሚሳይላት ተኲሳ ፣ እዚ ሚሳይላት እዚ ፡ ኣብቲ ስትራተጂያዊ ኣገዳስነት ዘለዎ ወተሃደራዊ መደበር ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን እንግሊዝን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ሰብ መዚ ኣመሪካን እንግሊዝን እስራኤልን ሓቢሮም ። እቲ ሓደ ሚሳይል ኣብ እዋን በረራ ተበቲኑ ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብናይ ኣመሪካ መከላኸሊ ሚሳይል ዝዓነወ እዩ ዝመስል ።

ኢራን ነቲ ዝተወንጨፈ ሚሳይላት ሓላፍነት ኣይወሰደትን።

ዲያጎ ጋርሽያ ካብ ኢራን ኣስታት 4,000 ኪ.ሜ. ርሒቓ እትርከብ ኰይና ፡ ናይ ኢራን ባለስቲክ ሚሳይላታ ከም ዘለዋ ካብ እተገልጸ እዚ ብክልተ ዕጽፊ ርሕቀት ከተወንጭፍ ከምትኽእል ኣርእያ ኣላ ።

ገሊኡ ክፋላት ምዕራብ ኤውሮጳ ፡ ኤስያን ኣፍሪቃን ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ንኢራን ብሚሳይላ ዝበጽሃቶ 4,000 ኪሎ ሜተር ቦታታት እዩ ዝርከብ ፣ እዚ ከኣ ንኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ሃገራት ዘተሓሳስብ ኮይኑ ኣሎ ።

ይኹን እምበር ፡ ኢራን ሓድሽ ዓይነት ሚሳይል ከም ዘማዕበለት ወይ ከኣ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ዒላማኣ ክትሃርም ከም እትኽእል ዝሕብር መርትዖ የለን ። ኢራን ምናልባት ነቲ ሕጂ ዘሎ ዓይነት ሚሳይል ኣመሓይሻቶ ክትከውን ትኽእል እኳ እንተ ኰነት ፡ ርሕቀት ሚሳይል ምውሳኻ ግና ብዙሕ ብድሆታት ኣለዎ ።

ስለዚ፡ ባሊስቲክ ሚሳይል ኢራን ክሳብ ክንደይ ርሕቀት ይውንጸፍ ክንስከፈሉ ዝግባእ ድዩ?

መሰረታዊ ጉዳያት ባሊስቲክ ሚሳይል

ባለስቲክ ሚሳይል ኣብ ሮኬት እዩ ዝውንጨፍ ፡ ካብቲ ሮኬት ምስ ተፈልየ ድማ ፡ መብዛሕትኡ ብሓይሊ ስሕበት መሬት ናብቲ ዝደለዮ ቦታ ይወቅዕ ። እቲ ስሙ ዝሕብሮ ፡ መለለዪ ናይቲ ጥውዮ ተወንጫፊኡ ዒላማኡ ብስሕበት መሬት እዩ ዝጓዓዝ። ርሕቀት እቲ ሚሳይላት ፡ ብመጠን እቲ ሮኬት እዩ ዝውሰን ።

ናይ ሓጺር ርሕቀት ባለስቲክ ሚሳይላት ካብ 500 ኪ.ሜ. ክሳብ 1,000 ኪ.ሜ. ብነፋሪት ክበርር ይኽእል እዩ ፣ ካብ ተንቀሳቐስቲ ናይ ጽዕነት ማካይን ክንውንጨፍ ይኽእል ። ከም ራዳር ዝኣመሰለ ቀንዲ መከላኸሊ ትሕተ-ቅርጺ ንምዕናው ድማ የገልግል ።

ኣብ ማእከላይ ርሕቀት ዝጐዓዝ ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ካብ 1000 ኪ.ሜ. ክሳዕ 3,000 ኪ.ሜ. ዝበጽሕ ርሕቀት ኣለዎ ። ኣብ ከም ኣዘዝትን መቆጻጸሪ ማእከላትን ዝኣመሰሉ ወተሃደራዊ ስርሒታት ዘወሃህዱ መራሕቲ ዘለውዎም ተወሰኽቲ ስትራተጂያውያን ዒላማታት ንምጥቃዕ ይጠቅም ። ኣብ መንጎ ርሕቀት ዝጐዓዝ ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ካብ 3,000 ኪ.ሜ. ክሳዕ 5,500 ኪ.ሜ. እዩ ዝዓዪ ፣ እዚ ከኣ ነቲ ኣብ ጂኦግራፊካዊ ቦታታት ዘሎ ዝሰፍሐ ቦታታት ኣብ ሓደጋ ዘእትዎ እዩ ።

A ballistic missiles falls from the night sky over high-rise city buildings.
A projectile from an Iranian ballistic cluster munition falls from the sky over Tel Aviv. Iran has repeatedly struck Israel's most populous city in recent weeks. Source: Getty / Alexi Rosenfeld

ኣህጉራዊ ባሊስቲክ ሚሳይል ( ICBMs) ፡ ካብ 5,000 ኪ.ሜ. ክሳዕ 10,000 ኪ.ሜ. ዝበጽሕ ርሕቀት ዝሽፍን ፡ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰፊሕ ቦታ መጥቃዕቲ ንምፍናው ዘኽእል እዩ ። እዚ ኣዝዩ ነዊሕ ርሕቀት ዘለዎ ኣጽዋር ፡ ብዙሕ ናይ ሮኬት ደረጃታት ዘድልዮ እዩ ። ናብ ምድሪ ገጾም ቅድሚ ምምላሶም ፡ ናብ ጠፈር ገጾም ብልዑል ናህሪ ይበርሩ ።

ዝሑል ኲናት ኣብ ዝለዓለ ጠርዙ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፡ ኅብረት ሶቭየትን ኣመሪካን ንሓድሕደን ዝዓለመ ኣሽሓት ናይ ICBMs ኣጽዋር ዓጢቐን ነበራ ። ነፍሲ ወከፍ ኣጽዋር ንሓንቲ ከተማ ብምልእታ ኸጥፍኣ ይኽእል እዩ ፣ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ዝዓጠቐ ICBMs. ከኣ ክልቲኡ ወገናት ነቲ ሚሳይላት ካብ ምጥቃም ዝዓግት ናይ ሓባር ጥፍኣት መሰረት ኰይኑ እዩ ።

መኽዘን ኣጽዋር ኢራን

ኢራን ሰፊሕ ፕሮግራም ባለስቲክ ሚሳይል ኣለዋ ። እታ ሃገር ንሓያሎ ዓመታት ፡ ኣብ ሓጺር ርሕቀት ዝጐዓዝ ባለስቲክ ሚሳይላት ከተማዕብል ጸኒሓ ኣላ ። ገለ ካብቲ ናታ ኣጽዋር፡ ፋትሕ ፣ ሻሃብ-2ን ናይ ዞልፋጋርን ዘጠቓለለ እዩ ።

እዚ ሚሳይላት እዚ ክሳዕ 800 ኪ.ሜ. ዝበጽሕ ኰይኑ ፡ ኢራን ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት 900 ኪ.ሜ. ዝኣክል ርሕቀት ስለ ዘለዎ ፡ ብቐጥታ ኣንጻር እስራኤል ክትጥቀመሉ ኣይትኽእልን እያ ። ይኹን "ምበር ፡ ብኢራናውያን ዝድገፉ ሚሊሻታት ነዚ ኣጽዋር ኣብ ከም ሊባኖስን ሶርያን ዝኣመሰላ ጎረባብቲ ሃገራት ብምውፋር ኣንጻር እስራኤል ኣብ ዘካይድዎ መጥቃዕትታት ካብኡ ከምዝወንጨፉዎ ይፍለጥ ።

ብዘይካዚ ፡ ኢራን ከም ሻሃብ-3 ፡ ሰጂልን ኮራምሻህርን ዝኣመሰለ ሚሳይላት ኣብ መንጎ ርሕቀት ዝጐዓዝ ባለስቲክ ሚሳይላት ኣማዕቢላ እያ ። እዚ ሚሳይላት እዚ ክሳዕ 2,000 ኪ.ሜ. ዝበጽሕ ኰይኑ ፡ ካብ ኢራን ብቐጥታ ናብ እስራኤል ክበጽሕ ይኽእል እዩ ።

ክንዮኡ ምኻድ ከቢድ ዝኾነሉ፡

ካብ ሓጺር ርሕቀት ናብ ማእከላይ ደረጃ ምኻድ፡ ዝዓበየ ሮኬታት እዩ ዝሓትት ፣ እዚ ከኣ ፡ ብዙሕ ኣጸጋሚ ዝዀነ ቴክኒካዊ ብድሆታት ኣለዎ ። ዓበይቲ ሮኬታት ፡ እቲ መዋቕር ሚሳይልን ኵሉ እቲ ተዋጽኦታቱን ከይተነጻጸለ ሓቢሩ ክጓዓዝ ክእለት የድልዮ ። እዚ ድማ ምዕቡል ናይ ማኑፋክቸሪንግን ምፍታንን ትሕተ ቅርጺ ይሓትት ።

መጠን እቲ ሮኬት እውን ነቲ ሚሳይል ክንደይ ዝኣክል ከም ዝልጎም ይውስኖ እዩ ። እዚ ብድሆ እዚ ፡ በቲ ጠፈርተኛታት ናብ ወርሒ ዝውንጨፍ ሮኬት ሳተርን ቪ (Saturn V ) ኣጸቢቑ ተራእዩ እዩ ። ካብ ጠቕላላ እቲ ዝተወንጨፈ ጽዕነት: ትሕቲ 2 ሚእቲ ኣቢሉ ዝኸውን እዩ ናብ ጽፍሒ ወርሒ በጺሑ: ዳርጋ ንዅሉ እቲ ዝተረፈ ጃምላ ሓፍ ከብሎ ከኣለ ።

ICBMs ውሑድ ተለጓሚ መጠን ኣለዎ: እዚ ድማ ወተሃደራት ካብቲ ልሙድ ቀመማዊ ነተጕቲ ንላዕሊ ኣብ ኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዝጸዓኑሉ ምኽንያት ብኸፊል ይገልጽ ። ኪሎ ብኪሎ ፡ ኣብ ኑክልየሳዊ ውግእ ዝዋጋእ ኣጽዋር ፡ ዝዓበየ ሳዕቤን እዩ ዘምጽእ ። ናይ ICBMs. ኣሽሓት ኪሎሜተራት ንሓደ ህንጻ ጥራይ ከትቅዕ ኢልካ ምስዳድ ብዙሕ ዋጋ የብሉን ።

ኣብ መወዳእታ: ርሕቀቱ እናዛየደ ብዝኸደ ነቲ ሚሳይል ምቍጽጻርን ንሓደ ዕላማ ብዚግባእ ምውቃዕን እና ኣጽገመ ይኸይድ ።

ኢራን ንኸይትበጽሖ ዝግድባ

ይኹን እምበር ፡ ሳተላይታት ብኽልተ መድረኽ ሮኬታት ተጠቒማ ናብ ጠፈር ብዓወት ስለ ዝወንጨፈት ፡ ኢራን ንነዊኅ እዋን ኣብ ልዕሊ ሚሳይላት ክትሃንጾ ምኽኣላ ዘገርም ኣይኰነን ። ሓደ ሚሳይል ርሑቕ ንኽጓዓዝ ንምቕያሩ ፡ እቲ ጽዕነቱ ከም ዝንኪ ብምግባር ቀሊል ዝዀነ ምቕያር እዩ ።

ኢራን ኮርራምሻህር ተጠቒማ ኣስታት 3,000 ኪ.ሜ. ዝሽፍን ናይ ውግእ ሚሳይል ምትቃማ ተሓቢሩ ኣሎ ። ገለ ተዓዘብቲ እቲ ኢራን ኣብ ዲያጎ ጋርሽያ ዝተኮሰትሉ ሚሳይላት ፡ ዝያዳ እተመሓየሸ ኮርራምሻህር ክኸውን ከም ዝኽእል ርእይቶ ይህቡ ።

A man looks out at the destruction after an Iranian ballistic missile strike destroys multiple residential buildings.
An Iranian ballistic missile strike destroyed multiple residential buildings in Arad, Israel on the weekend. Source: Getty / Alexi Rosenfeld

ይኹን እምበር ፡ ኣብቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዲያጎ ጋርሽያ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ፡ ሓንቲ ካብተን ሚሳይላት ኣብ በረራ ከሎ ዘይተዓወት ፡ ኮይኑ እቲ ካልአይ ድማ ብናይ ኣመሪካ መከላኸሊ ተሓምሺሹ ። እዚ ሚሳይል እዚ ፡ ኢራን ነዚ ስርዓት እዚ ኣብ ዘይኽእላሉ ርሑቕ ቦታታት ክትጥቀመሉ ትፍትን ከም ዘላ ዝሕብር ክኸውን ይኽእል እዩ ።

ኣመሪካ ነቲ ካልኣይ ሚሳይል ንምክልኻል ዘለዋ ንጹር ክእለት ፡ እቲ ኢራናውያን ኣብ መንጎ ርሕቀት ዝውንጨፍ ባለስቲክ ሚሳይላት ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ዒላማ ኣገዳሲ ስግኣት ከም ዘይፈጥሩ እዩ ዝሕብር ። እዚ መደምደምታ እዚ ፡ ነቲ ኢራን ኣብ ታሕሳስ 2025 ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሓያል መጥቃዕቲ ብምፍናው ፡ ብኣማእታት ዝቝጸር ሚሳይላትን ድሮናትን ድሕሪ ምውንቻፋ ኣቐዲሙ ዝነበረ ልዑል መጠን ገምጋም ዝድግፍ እዩ ። ዳርጋ ኵሎም ድማ ብናይ እስራኤልን ኣመሪካን ናይ ሓባር ምክልኻል ፈሺሎም እዮም ።

ዘደንጹ ግና ኣዚዩ ስግኣት ዘይኮነ

ኣብ መወዳእታ ፡ እቲ ኢራን ኣብ ልዕሊ ዲያጎ ጋርሽያ ዝወሰደቶ ናይ ነዊሕ ርሕቀት መጥቃዕቲ ንዓለም ክትስምብድ እኳ እንተ ገበራ ፡ ካብቲ ወተሃደራዊ ሓደጋ ንላዕሊ ፡ ስነ-ኣእምሮኣውን ፖለቲካውን ጽልዋኣ እዩ ቀንዲ ዓወት ኢራን ።

ነቲ ማከላይ ርሕቀት ዝጐዓዝ ባለስቲክ ሚሳይላት ኣብ ምጥቃዕ ዘጋጥም ተወሳኺ ብድሆ እቲ ወጻኢታቱ እዩ። እዚ ብመጠን እቲ ሮኬት ዘለዎ ዓቐን ሚዛን እዩ ዝልካዕ። 4000 ኪ.ሜ. ክትበርር እትኽእል ናይ ክልተ መድረኽ ሮኬት ምውንጫፍ፡ ሓደ ካብቲ ኢራን እትውንኖ ክቡር ኣጽዋር ክኸውን ይኽእል እዩ ። ስለዚ ፡ ከምዚ ዓይነት ብብዝሒ ክህልዉኻ ኣይክእሉን እዮም ።

ይኹን እምበር ፡ እቲ መጥቃዕቲ ኣቓልቦ ዓለም ስሒቡ ኣሎ ፣ ነቲ ምስ ኢራን ዘሎ ግጭት ብቕልጡፍ ደው ንምባል ከኣ ፡ ዲፕሎማስያዊ ጸቕጢ ክበዝሕ ክድርኽ ይኽእል እዩ ።

(ኢየን ቦይድ ዳይረክተር ማእከል ሃገራዊ ድሕነት ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኮሎራዶ ቦልደር ከኣ ፕሮፌሰር ስነ ፍልጠት ኤየርባስ ፡ ከምኡ እውን ካብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ክፍሊ ምክልኻል ከምኡውን ሎክሂድ ማርቲን ኮርፖረሽን ምወላ ዝረኸበ እዩ ።)

For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


6 min read

Published

By Iain Boyd

Source: The Conversation




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now