SKIP TO MAIN CONTENT

7 ደቂ ኣንስትዮ ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ ክወሃበን'ከሎ ሓንቲ ተጣዒሳ ናብ ሃገራ ኣምሪሓ።

ብርክት ዝበላ ኣባላት ኢራናዊት ጋንታ ኩዑሶ እግሪ ደቂ ኣንስቶ ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ መሪጸን ኣለዋ ። እንተኾነ እታ ሃገር ንፈለማ ግዜ ኣይኮነትን ነዚ ዕድል ሂባ ።

An image of three girls wearing soccer jerseys and headscarves in the background, in the foreground is a woman in all red kicking a soccer ball.
Australia has a significant history of offering asylum to athletes who risk persecution in their home countries, as it has done with the Afghan soccer team, and now, the Iranian team. Source: AAP, Getty / SOPA Images/Victoria Adkins

3 min read

Published

Updated

By Arielle Richards

Source: SBS



Skip to article content

ኣባላት ኩዑሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ኢራን ኣብ ኣውስትራሊያ ናይ ዑቕባ መስርሕ ኣብ መዲያታት ደሚቑ ክረአ ቐንዩ ፡ ምስታ ጉጅለ ዝመጻ ሸውዓተ ደቂ ኣንስትዮ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኣውስትራሊያ ዑቕባ ክወሃባ ከለዋ ፡ መንግስቲ ድማ ኣብ ፓርላማ ናይ ኢሚግሬሽን ሕጊታት ቀይሩ ።

10 መዓልቲ ድሕሪ'ቲ ኣባላት ሃገራዊት ጋንታ ኢራን፡ ከም ምልክት ተቓዉሞ ዝተራእየ ኣብ ዋንጫ ሃገራት ኤስያ ናይ ሃገረን ሃገራዊ መዝሙር ምዝማር ምእባየን ፡ ሓሙሽተ ተጻወትቲ ናብ ኢራን እንተተመሊሰን ንደሕንነተን ብምስጋእ ፡ ኣብ ኣውስትራልያ ክጸንሓ ብምውሳን ናይ ሰብኣዊ ቪዛ ተቐቢን ።

ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፡ ረቡዕ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጕዳያት ሃገር ቶኒ ቡርክ ፡ ነቲ ኣውስትራልያ ዘቕረበቶ ሕቶ ዑቕባ ተወሰኽቲ ክልተ ተጻወትቲ ከም እተቐበልኦ ከረጋግጽ ከለዉ ፡ እቶም ዝተረፉ ኣባላት እታ ጋንታ ድማ ናብ ማሌዥያ ብነፋሪት ተሳፊሮም ከዱ ። ሚስተር በርክ ጸኒሑ ሓንቲ ካብተን ተጻወትቲ ሓሳባ ከም ዝቐየረት ገሊጹ ።

ብረቡዕ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን፡ ኣውስትራልያውያን እተን ተጻወትቲ ኣብ ኢራን ክእሰራ ወይ ክቕተላ ምዃነን "መሰረት ዘይብሉ ክሲ" ነተን ተጻወትቲ ከም ዝነገርዎም ገሊጹ ።

ሓላፊ ፈደረሽን ኩዕሶ እግሪ ኢራን ማህዲ ታጅ ፡ እታ ጋንታ ምስ ማቲልዳስ ድሕሪ ዘካየደቶ ግጥም ፡ "ፖሊስ ኣውስትራልያ ጣልቃ ብምእታው ንገለ ካብቶም ተጻወትቲ ካብቲ ሆቴል ወሲዶምዎም" ኢሉ ።

"እተን ተጻወትቲ እንተተመሊሰን ፡ ንኹለን ክኣስሩወንን ክቐትልዎንን እዮም ኢሎም ነጊሮመን ፡ እዚ መሰረት ዘይብሉ ጠለባት እዮም ኣቕሪበሙለን" ክብል ታጅ ኣብ ናይ ኢራናውያን ተለቪዥን እታ ሃገር ብ ፋርሲ ዝተዛረቦ፡ SBS ኒውስ ከም ዝተርጐሞ ገሊጹ ።

ሚስተር በርክ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ዑቕባ ንምሕታት ዕድል" ከም እተዋህቦምን 'ጸቕጢ ከም ዘይነበሮምን "ሓቢሩ ።

"እቲ ዘዘራረብናዮ ነገር ፡ ዚህወኽ ከም ዘየልቦ ፡ ጸቕጢ ከም ዘየጋጠመ እዩ ። ኵሎም እቶም ውልቀ-ሰባት ምርጫ ክገብሩ ክብሪ ከም ዘለዎም ምርግጋፅ ጥራይ እዩ ነይሩ "በለ ።

ኣተሓሕዛ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ትሕቲ ዝተሓደሰ ምጽራይ ጉዳያት

ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ንኢራናውያን ተጻወቲ ዕቑባ ስለዝተዋህባ ብሃጎስ ዝተቐበሎ ኮይኑ ፡ እንተኾነ እዚ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ምዃኑ ኣተንቢሁ ።

"እዚ ስጉምቲ 'ዚ ፡ ብዙሓት ኢራናውያን ናብ ኢራን ክምለሱ እንተተገዲዶም ከጋጥሞም ንዝኽእል ከቢድ ሓደጋ ዘቃልል ርህሩህን ግብራውን ስጉምቲ እዩ" ይብል ሓላፊ Asylum Seekers Centre ፡ ኤልያስ ቡሎ ኦሃም ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ።

"እዛ ህሞት እዚኣ ግና መጀመርታ እምበር ፡ መወዳእታ ኣይኰነትን ። እዚ ነቶም ኣብ ሰንፈላል ኮይኖም ኣብ ማሕበረሰብና ዑቕባ ዝሓቱ ዘለዉ ብዙሓት ኢራናውያን ፡ ርጉጽነትን ውሕስነትን ይጽበዩ ከም ዘለዉ ዘጉልሕ ክኸውን ኣለዎ "ይብል ።

ቡኦል ፡ ኵሎም እቶም ዑቕባ ዝሓተቱ ሰባት ፡ እቲ ሓደጋ ከም ዝስምዕዕም ምግንዛብ ግቡእ ከም ዝዀነ ገለጸ ።

ኣብዚ ሰሙን እዚ ፡ መንግስቲ ፈደራል ፡ ብምኽንያት እቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ፡ ካብ ገሊአን ሃገራት ንዝመጹ ሰባት ግዝያዊ ቪዛ ኸይረኽቡ ዝዓግት ሕጊ ኣተኣታትዩ ኣሎ ።

ንኡሳንን ናይ ዉልቂን ሰልፍታት ነቲ ስጉምቲ ዝተቓወምዎ ኮይኖም፡ ፣ ወሃቢ ቃል ኢሚግሬሽን ሰልፊ ግሪንስ ዴቪድ ሾብሪጅ ፡ እቲ ለውጢ "ግብዝነት" ኢሉ ብምጽዋዕ ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ውግእ ዕቝባ ንምርካብ ንኢራናውያን ክዓግቶም ከም ዝኽእል ገሊጹ ።

ኣብ ካንቤራ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ሰልፊ ለበር ንብ ኣጻብዕ ዝቑጸራ ተባዓት ኢራናውያን ተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ደቂ ኣንስትዮ ዕድል ኣብ ዝሃበትላ መዓልቲ ፡ ቪዛ ተዋሂብዎም ንዝነበሩ 7,200 ኢራናውያን ፡ ናይ ጸጥታ ንጹርነት ዘለዎም ሰባት ማዕጾ ዓጽይሎም ኣሎ" ኢሉ ።

እቲ መንግስቲ ነቲ ሕጊ ኣብ ፍሉያት ሃገራት ኣየተኵርን 'ዩ ፡ ዝበለ ሚስተር በርክ እንተኾነ ኩነታት ኢራን ከምዝተቐየረ ገሊጻ ።

ብረቡዕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ "ብዝሒ በጻሒ ቪዛ ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነሉ እዋን ፍልይ ዝበለ እዩ" በለ ።

ማእከል ሓተትቲ ዕቑባ ኢራናውያን ናይ ድሕነት ፡ ርትዓዊ መስርሕን ንጹር መንገዲ ናብ ቀዋሚ ውሕስነት ክኽፈተሎም ጸዊዑ ።

ቡሎ ፡ "ዕቝባ ኣብ መድረኽ ኩነታት ኽምርኮስ የብሉን" ኢሉ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now