ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራሲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምማቱ ተረጋጊጹ ።

ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ቤል 2-1-2 ዝዓይነታ ሄልኮፕተር ብወግዒ ኣይተገልጸን ።

Helicopter Carrying Iran President Reportedly Crashes Near Azerbaijan

on the border with Azerbaijan on May 19, 2024 in Jabrayil, Azerbaijan. Credit: Office of the President of the Islamic Republic of Iran via Getty Images

ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራሲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምማቱ ተረጋጊጹ ።

ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ፕረዚደንት ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑሴን ኣሚራቦላህያን ፡ኩሎም ኣብታ ሄሊኮፕተሮም ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ ።

ተለቪዥን ኢራን ከም ዝጸብጸቦ ፡ እታ ሄሊኮፕተር ኣብቲ ኢራናዊት ኣውራጃ ምብራቕ ኣዘርባጃን ዝርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ቦታ እያ ወዲቓ ፣ ምሉእ ብምሉእ ድማ ተቓጺላ እያ ።

ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ቤል 2-1-2 ዝዓይነታ ሄልኮፕተር ብወግዒ ኣይተገልጸን ።

ወዲ 63 ዓመት ኢብራሂም ራሲ ካብ 2021 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ኢራን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ ።

ሞቱ ኣብ ኢራን ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ቊጠባውን ቅልውላው እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ መጺኡ ።

68 ዓመት ዝዕድሚኡ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ሞክህበር ሕጂ መሰጋገሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ኣሎ ።


1 min read

Published

Presented by Ibrahim Gima Ali

Source: SBS


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now