ፕረዚደንት ኢራን ኢብራሂም ራሲ ብሓደጋ ሄሊኮፕተር ምማቱ ተረጋጊጹ ።
ሓደ ላዕለዋይ ኢራናዊ በዓል ስልጣን ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ፕረዚደንት ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሑሴን ኣሚራቦላህያን ፡ኩሎም ኣብታ ሄሊኮፕተሮም ዝነበሩ ሸውዓተ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ ።
ተለቪዥን ኢራን ከም ዝጸብጸቦ ፡ እታ ሄሊኮፕተር ኣብቲ ኢራናዊት ኣውራጃ ምብራቕ ኣዘርባጃን ዝርከብ ኣኽራን ዝበዝሖ ቦታ እያ ወዲቓ ፣ ምሉእ ብምሉእ ድማ ተቓጺላ እያ ።
ጠንቂ ምውዳቕ ናይታ ብኣመሪካ ዝተሰርሐት ቤል 2-1-2 ዝዓይነታ ሄልኮፕተር ብወግዒ ኣይተገልጸን ።
ወዲ 63 ዓመት ኢብራሂም ራሲ ካብ 2021 ኣትሒዙ ፕረዚደንት ኢራን ኮይኑ እዩ ጸኒሑ ።
ሞቱ ኣብ ኢራን ማሕበራዊ: ፖለቲካውን ቊጠባውን ቅልውላው እናበዝሐ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን እዩ መጺኡ ።
68 ዓመት ዝዕድሚኡ ምክትል ፕረዚደንት እታ ሃገር መሓመድ ሞክህበር ሕጂ መሰጋገሪ ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ኣሎ ።