ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞታት ኣብ እተላዕለሉ እዋን ፡ ኣሽሓት ሰባት ከም እተቐትሉ ክገልጽ ከሎ ፡ "ገሊኦም ብልዑል ኢሰብኣውነት" ከም እተቐትሉ ገሊጹ ኣሎ ።
እቲ ብ28 ታሕሳስ እተላዕለ ተቓውሞታት ፡ ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት ከም እተላዕለ ፡ ኣብታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግዝኣት ኽውገድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም እተኻየደ ይፍለጥ ።
እንተዀነ ግን: ድሕሪ እቲ ተጣበቕቲ መሰላት ልዕሊ 3,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገልጽዎ ግፍዒታት ኣንጻር ተቓወምቲ: እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብምቁራጽ ኢንተርነት ዝተደገፈ ዓፈና: ሰልፍታትክዝሕል ተገዲዱ ኣሎ ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ወኪል ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ እዋን ተቓዉሞ 3,090 ሰባት ከም ዝሞቱ: 2,885 ተቓወምቲ ከም ዝርከቡ: ልዕሊ 22,000 ድማ ከም እተኣስሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ ።
ኣብ ነርወይ ዝመደበሩ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን 3,428 ተቓወምቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ "ዩ ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ብሓቂ መጠነ ሞት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ናይ ኢራን ኣኽባር ሕጊ ፡ እቶም እሱራት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም ገሊጹ ነይሩ ። እቶም እሱራት ፡ "ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ንብረት ህዝብን መጥቃዕቲ ዘውርዱ" ከምኡውን "ኣጽዋር ኣልዒሎም ኣብ ዜጋታት ፍርሒ ዘውርዱ ተለኣኣኽቲቲ" ዝርከብዎም እዮም ነይሮም ክብል ገሊጹ እዩ ።
ሞሓመድ ሞቫሂዲ ኣዛድ ዝበሃል በዓል መዚ ጠቒሱ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ፡ እቲ መርመራ "ብዘይ ምሕረት ፡ ብዘይ ሸለልመለል ፡ ወይ ብዘይ ተጻዋርነት" ከም ዝካየድ ገሊጹ ኣሎ ።
ኻሜኔ ቀዳም ብቴለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረ ንደገፍቱ ፡ "ብጸጋ ኣላህ፡ ዝባን መናዓብቲ ክስበሩ ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ ኔሩ ።
ኣያቶላህ ንትራምፕ ተሓታቲ ይገብር
ካመኒ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ተቓውሞታት ከም ዘለዓዓሎ ድሕሪ ምኽሳሱ ፡ "ንፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ዘውረዶ ኣደራዕ ፡ ክሳራን ሕንፍሽፍሽን ከም ገበነኛ ኢና እንቘጽሮ" ብምባል ነቲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ ዘጋጠመ ሞት ወቒስዎ እዩ ።
ኢራን ንተቓወምቲ እንተ ቀቲላቶም ብምባል፡ "ኣዝዩ ሓያል ስጕምቲ" ከም እትወስድ ድሕሪ ምዝራብ ፡ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ጣልቃ ከም ዝኣቱ ኣፈራሪሑ እዩ ። ዓርቢ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንመራሕቲ ቴህራን ነቲ ንሰባት ብምሕነቕቲ ትወስዶ ስጉምቲ ደው ምባላ ንመራሕቲ እታ ሃገር ኣመስጊንዎም እዩ ።
ካመኒ ንትራምፕ ምላሽ ንምሃብ ኣብ እተራእየሉ እዋን ፡ "ንሃገርና ናብ ኲናት ኣይነእትዋን ኢና ፣ ግናኸ ፡ ዘቤታዊ ኰነ ኣህጉራዊ ገበነኛ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ" ከም ዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ።
ኢራናውያን ሰበ-ስልጣን ፡ ነቲ እተላዕለ ሓድሽ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታት ናዕቢ ዘበገሳ ኣመሪካን እስራኤልን እየን ብምባል ከሲሶም ኣለዉ። "ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ" ከም ዝኾነን ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ "ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ተቓውሞ ከም ዝተጨውየን ገሊጾም ኣለዉ ።
መርበብ ሓበሬታ ዝከታተል Netblocks ብ ቀዳም "ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት ኣብ ኢራን ኣብ ሓጺር ግዜ ጥራይ ዝጸንሕ እኳ እንተሃለወ ፡ ሎሚ ግን ሓድሽ ጸብጻብ ግፍዕታት ኣብ ዝወጻሉ እዋን ፡ እቲ መስመር ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ ።
ኣብ ኢራን ዝነበሩ ሰባት እንደገና ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ደገን መልእኽቲ ኽልእኩ ከም ዝኸኣሉ እኳ እንተተሓበረ ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ጽሑፋት ግን ገና ክረኽቡ ኣይከኣሉን ።
ተጣበቕቲ መሰላት ከምዝሕብርዎ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ እተላዕለ ተቓውሞ ዝገልጽ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ቪድዮታት እውን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ሓያል ጸጥታ ከም ዘሎ ኣርእዩ እዩ ።
Share


