ኣንጻር እቲ ስርዓት ኣብዝተገብረ ሰልፊ ተቓዉሞ 'ብዙሓት ኣሸሓት' ተቐቲሎም ኣለዉ ክብል መራሒ ኢራን ገሊጹ።

ካብ ሰልፈኛታት ልዕሊ 3,000 ሰባት ከምዝተቐትሉን ልዕሊ 20,000 ድማ ከምዝተኣስሩን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መሰላት ይገልጹ ።

Ayatollah Ali Khamenei sitting on a chair, in front of the Iranian flag.

Iran's Supreme Leader Ayatollah Ali Khamenei has blamed the United States and its president Donald Trump for the protests. Source: Getty / Anadolu


ላዕለዋይ መራሒ ኢራን ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒ ፡ ኣብታ ሃገር ተቓውሞታት ኣብ እተላዕለሉ እዋን ፡ ኣሽሓት ሰባት ከም እተቐትሉ ክገልጽ ከሎ ፡ "ገሊኦም ብልዑል ኢሰብኣውነት" ከም እተቐትሉ ገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ብ28 ታሕሳስ እተላዕለ ተቓውሞታት ፡ ብሰንኪ ቝጠባዊ ጸገማት ከም እተላዕለ ፡ ኣብታ እስላማዊት ሪፓብሊክ ዘሎ ሃይማኖታዊ ግዝኣት ኽውገድ ዝጽውዕ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፍታት ከም እተኻየደ ይፍለጥ ።
እንተዀነ ግን: ድሕሪ እቲ ተጣበቕቲ መሰላት ልዕሊ 3,000 ሰባት ከም ዝሞቱ ዝገልጽዎ ግፍዒታት ኣንጻር ተቓወምቲ: እቲ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ብምቁራጽ ኢንተርነት ዝተደገፈ ዓፈና: ሰልፍታትክዝሕል ተገዲዱ ኣሎ ።
ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝመደበሩ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ወኪል ዜና ከም ዝሓበሮ ኣብ እዋን ተቓዉሞ 3,090 ሰባት ከም ዝሞቱ: 2,885 ተቓወምቲ ከም ዝርከቡ: ልዕሊ 22,000 ድማ ከም እተኣስሩ ኣረጋጊጹ ኣሎ ።
ኣብ ነርወይ ዝመደበሩ ጉጅለ ተጣባቒ ሰብኣዊ መሰላት ኢራን 3,428 ተቓወምቲ ብሓይልታት ጸጥታ ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ "ዩ ፡ እንተኾነ እቲ ናይ ብሓቂ መጠነ ሞት ክዛይድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ።
ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ናይ ኢራን ኣኽባር ሕጊ ፡ እቶም እሱራት ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዘጋጥሞም ገሊጹ ነይሩ ። እቶም እሱራት ፡ "ኣብ ልዕሊ ሓይልታት ጸጥታን ንብረት ህዝብን መጥቃዕቲ ዘውርዱ" ከምኡውን "ኣጽዋር ኣልዒሎም ኣብ ዜጋታት ፍርሒ ዘውርዱ ተለኣኣኽቲቲ" ዝርከብዎም እዮም ነይሮም ክብል ገሊጹ እዩ ።
ሞሓመድ ሞቫሂዲ ኣዛድ ዝበሃል በዓል መዚ ጠቒሱ መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ፡ እቲ መርመራ "ብዘይ ምሕረት ፡ ብዘይ ሸለልመለል ፡ ወይ ብዘይ ተጻዋርነት" ከም ዝካየድ ገሊጹ ኣሎ ።
ኻሜኔ ቀዳም ብቴለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ መደረ ንደገፍቱ ፡ "ብጸጋ ኣላህ፡ ዝባን መናዓብቲ ክስበሩ ኣለዎ" ክብል ተዛሪቡ ኔሩ ።

ኣያቶላህ ንትራምፕ ተሓታቲ ይገብር

ካመኒ ንፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ነቲ ተቓውሞታት ከም ዘለዓዓሎ ድሕሪ ምኽሳሱ ፡ "ንፕረዚደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራናውያን ዘውረዶ ኣደራዕ ፡ ክሳራን ሕንፍሽፍሽን ከም ገበነኛ ኢና እንቘጽሮ" ብምባል ነቲ ዝተገብረ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ ዘጋጠመ ሞት ወቒስዎ እዩ ።
ኢራን ንተቓወምቲ እንተ ቀቲላቶም ብምባል፡ "ኣዝዩ ሓያል ስጕምቲ" ከም እትወስድ ድሕሪ ምዝራብ ፡ ትራምፕ ብተደጋጋሚ ጣልቃ ከም ዝኣቱ ኣፈራሪሑ እዩ ። ዓርቢ ግን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ንመራሕቲ ቴህራን ነቲ ንሰባት ብምሕነቕቲ ትወስዶ ስጉምቲ ደው ምባላ ንመራሕቲ እታ ሃገር ኣመስጊንዎም እዩ ።
ካመኒ ንትራምፕ ምላሽ ንምሃብ ኣብ እተራእየሉ እዋን ፡ "ንሃገርና ናብ ኲናት ኣይነእትዋን ኢና ፣ ግናኸ ፡ ዘቤታዊ ኰነ ኣህጉራዊ ገበነኛ ኸይተቐጽዐ ኣይተርፍን እዩ" ከም ዝበለ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ።
ኢራናውያን ሰበ-ስልጣን ፡ ነቲ እተላዕለ ሓድሽ ናይ ሰላማዊ ሰልፍታት ናዕቢ ዘበገሳ ኣመሪካን እስራኤልን እየን ብምባል ከሲሶም ኣለዉ። "ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ" ከም ዝኾነን ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቁጠባ "ታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ሰላማዊ ተቓውሞ ከም ዝተጨውየን ገሊጾም ኣለዉ ።
መርበብ ሓበሬታ ዝከታተል Netblocks ብ ቀዳም "ናይ ኢንተርነት መራኸቢታት ኣብ ኢራን ኣብ ሓጺር ግዜ ጥራይ ዝጸንሕ እኳ እንተሃለወ ፡ ሎሚ ግን ሓድሽ ጸብጻብ ግፍዕታት ኣብ ዝወጻሉ እዋን ፡ እቲ መስመር ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ይቕጽል ኣሎ" ኢሉ ።
ኣብ ኢራን ዝነበሩ ሰባት እንደገና ካብ ውሽጢ ሃገርን ካብ ደገን መልእኽቲ ኽልእኩ ከም ዝኸኣሉ እኳ እንተተሓበረ ፡ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ጽሑፋት ግን ገና ክረኽቡ ኣይከኣሉን ።
ተጣበቕቲ መሰላት ከምዝሕብርዎ ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ብዛዕባ እተላዕለ ተቓውሞ ዝገልጽ ዝተረጋገጸ ጸብጻብ የለን ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ቪድዮታት እውን ኣብ ገሊኡ ከባቢታት ሓያል ጸጥታ ከም ዘሎ ኣርእዩ እዩ ።


For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

3 min read

Published

Source: Reuters, AFP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service