ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ቃል እንተአተወኳ ህዝቢ ተቓዉሞኡ ቀጺሉ።

ቀ.ሚ. ዓደል ዓብደል ማሕዲ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቅቕ ኣፍሊጡ ኣሎ። አዚ ዝኾነ ልዕሊ 400 ሰላማዊ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ሽዓ ኣብ ልዕልቲ መንግስቲ ከቢድ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ እዩ።

An Iraqi man gestures backdropped by a burning barricade during a violent anti-government protest.

An Iraqi man gestures backdropped by a burning barricade during a violent anti-government protest. Source: picture alliance

ስር ዓት ዒራቕ ብልሽውን ባይ ወሳኢ ሓይሊታት ዝዝወርን እዩ ብምባል ዒራቓዊያን ተቓዉሞኦም ኣሐይሎም ቀጺሎሞ ኣለዉ፡፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክ እለ ምዃኑ እንተአፍለጠኳ እቲ ተቓዉሞ ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ።

እዚ ተቓዉሞ ናይ ህዝቢ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ ዓራቕ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብዝረኣየቶ ዝሓየለ ምዃኑን፡ ስ እነት ስራሕ፤ ሕማቕ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ብልሽውና መራሕቲን ዘበገሶ ተቓዉሞ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።ሓይሊታት ጸጥታን ዕጡቓት ጉጂለታትን ነቲ ተቓዉሞ ብሓይሊ ክጭፍልቕዎ ስጉምቲ ብምውሳዶም ል ዕሊ 420 ሰባት ክቕተሉ ከለው ል ዕሊ 15'000 ሰባት ከምዝቖሰሉ AFP ኻብ፡ ትካላት ሕክምናን ካብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዒራቕ ዝተረኽበ ምዃኑ አፍሊጡ፡

gettyimages-1185491788.jpg?itok=DDjUsd6i

አብ ባቕዳድ ዓሰረታት ሰባት ምስተቐትሉ፡ ኣብቲ ናይ ሽዓዊያን ከተማ ዝኾነት ናጃፍውን ብቐዳም ሰብ ምስተቐትለ፡ እቲ ተቓዉሞ ኣብዚ ሰሙን አዚዩ በርቲዑ ቀጺሉ አሎ። 

አብ ጽርጊያታት ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ምስበርት ዐን ናይታ ሃገር ላዕለዋይ መራሒ ሽዓ ኣያቶላህ ዓሊ ሲስታን ምስኮነኖን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማሕዲ ብ ዓርቢ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ንፓርላማ እታ ሃገር ንሰንበት ከምዘፍልጥ ገሊጹ አሎ።

gettyimages-1185572833.jpg?itok=4QGsehpw

እንተኾነ ህዝቢ ካብ ተቓዉሞኡ ኣይቦኸረን፡ ኣብ ባቕዳድን ኣብ ኩሉ ብዝሒ ሽዓዊያን ዝነብርሉ ደቡብ እታ ሃገር እቲ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽወዕ ተቓዉሞ ንሰሙን መመላእታ ቀጺሎም ኣለዉ።

"ነዚ ምንቅስቓስ ክንቅጽሎ ኢና" ክብል ሓደ ካብቲ ብቐዳም ኣሻሓት ህዝቢ ንተቓዉሞ ዝወሹሉ ደቡባዊ ከተማ ሺንዲያ ገሊጹ።

"ዓብደል ማህዲ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሓደ ስጉምቲ ጥራይ እዩ። ሕጂ ኩሎም እቶም ብልሽዋት መራሕቲ ክወርዱን ክፍረዱን ኣለዎም"

gettyimages-1185522103.jpg?itok=VwwFr54_

እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታት ሰልፈኛታት ካብ ምሉ እ ዓለም ወቐሳ ዝወርዶ ዘሎ ኮይኑ ዉሕሃ ነዚ ነገር ክጻወሮ፡ኸምዠይኽእል፡ገሊጹ አሎ። "ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ዘይተመጣጣኒ ስጉምቲ ንኹንን" ኢሉ።


2 min read

Published

Source: AFP, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now