ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ቃል እንተአተወኳ ህዝቢ ተቓዉሞኡ ቀጺሉ።

ቀ.ሚ. ዓደል ዓብደል ማሕዲ ካብ ስልጣኑ ከምዝለቅቕ ኣፍሊጡ ኣሎ። አዚ ዝኾነ ልዕሊ 400 ሰላማዊ ሰልፈኛታት ድሕሪ ምቕታሎም ላዕለዋይ መራሒ ሃይማኖት ሽዓ ኣብ ልዕልቲ መንግስቲ ከቢድ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቡ እዩ።

An Iraqi man gestures backdropped by a burning barricade during a violent anti-government protest.

An Iraqi man gestures backdropped by a burning barricade during a violent anti-government protest. Source: picture alliance

ስር ዓት ዒራቕ ብልሽውን ባይ ወሳኢ ሓይሊታት ዝዝወርን እዩ ብምባል ዒራቓዊያን ተቓዉሞኦም ኣሐይሎም ቀጺሎሞ ኣለዉ፡፤ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ካብ ስልጣኑ ክ እለ ምዃኑ እንተአፍለጠኳ እቲ ተቓዉሞ ሓይሉ ቀጺሉ ኣሎ።

እዚ ተቓዉሞ ናይ ህዝቢ ካብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝጀመረ ኮይኑ ዓራቕ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ካብዝረኣየቶ ዝሓየለ ምዃኑን፡ ስ እነት ስራሕ፤ ሕማቕ ህዝባዊ ኣገልግሎትን ብልሽውና መራሕቲን ዘበገሶ ተቓዉሞ ምዃኑ ድማ ይፍለጥ።ሓይሊታት ጸጥታን ዕጡቓት ጉጂለታትን ነቲ ተቓዉሞ ብሓይሊ ክጭፍልቕዎ ስጉምቲ ብምውሳዶም ል ዕሊ 420 ሰባት ክቕተሉ ከለው ል ዕሊ 15'000 ሰባት ከምዝቖሰሉ AFP ኻብ፡ ትካላት ሕክምናን ካብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰላት ዒራቕ ዝተረኽበ ምዃኑ አፍሊጡ፡
gettyimages-1185491788.jpg?itok=DDjUsd6i
አብ ባቕዳድ ዓሰረታት ሰባት ምስተቐትሉ፡ ኣብቲ ናይ ሽዓዊያን ከተማ ዝኾነት ናጃፍውን ብቐዳም ሰብ ምስተቐትለ፡ እቲ ተቓዉሞ ኣብዚ ሰሙን አዚዩ በርቲዑ ቀጺሉ አሎ። 

አብ ጽርጊያታት ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ምስበርት ዐን ናይታ ሃገር ላዕለዋይ መራሒ ሽዓ ኣያቶላህ ዓሊ ሲስታን ምስኮነኖን ቀዳማይ ሚኒስተር ዓደል ዓብደል ማሕዲ ብ ዓርቢ ካብ ስልጣን ከምዝወርድ ንፓርላማ እታ ሃገር ንሰንበት ከምዘፍልጥ ገሊጹ አሎ።
gettyimages-1185572833.jpg?itok=4QGsehpw
እንተኾነ ህዝቢ ካብ ተቓዉሞኡ ኣይቦኸረን፡ ኣብ ባቕዳድን ኣብ ኩሉ ብዝሒ ሽዓዊያን ዝነብርሉ ደቡብ እታ ሃገር እቲ ስርዓት ምሉእ ብምሉእ ካብ ስልጣን ክእለ ዝጽወዕ ተቓዉሞ ንሰሙን መመላእታ ቀጺሎም ኣለዉ።

"ነዚ ምንቅስቓስ ክንቅጽሎ ኢና" ክብል ሓደ ካብቲ ብቐዳም ኣሻሓት ህዝቢ ንተቓዉሞ ዝወሹሉ ደቡባዊ ከተማ ሺንዲያ ገሊጹ።

"ዓብደል ማህዲ ካብ ስልጣኑ ምልቃቕ ሓደ ስጉምቲ ጥራይ እዩ። ሕጂ ኩሎም እቶም ብልሽዋት መራሕቲ ክወርዱን ክፍረዱን ኣለዎም"
gettyimages-1185522103.jpg?itok=VwwFr54_
እቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ምዉታት ሰልፈኛታት ካብ ምሉ እ ዓለም ወቐሳ ዝወርዶ ዘሎ ኮይኑ ዉሕሃ ነዚ ነገር ክጻወሮ፡ኸምዠይኽእል፡ገሊጹ አሎ። "ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ዝውሰድ ዘሎ ዘይተመጣጣኒ ስጉምቲ ንኹንን" ኢሉ።


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ምዃኑ ቃል እንተአተወኳ ህዝቢ ተቓዉሞኡ ቀጺሉ። | SBS Tigrinya