ቀ/ሚ ዒራቕ ፡ ብመጥቃዕቲ ድሮን ካብ ፈተነ ቅትለት ድሒኑ።

ኣብ ከባቢ ኣፍደገ ግሪን ዞን ኣንጻር ውጽኢት ናይቲብ10 ጥቕምቲ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ፡ ሓያሎ ሚእቲ ዝዀኑ ደገፍቲ ምስ ን ኢራናን ዝድግፉ ሰላፊ ኣብዝገብርሉ ዝነበር እዩ።

Iraqi Prime Minister Mustafa al-Kadhimi

Iraqi Prime Minister Mustafa al-Kadhimi Source: AP

ቀዳማይ ሚኒስተር ዒራቕ ሙስጣፋ ኣል-ቃድሂም ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ወግዓዊ መንበሪኡ ከቢድ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ "ኣብ ልዕሊኡ ዝተገብረ ፈተነ ቅትለት" ከም ዘይተጐድአ ፡ ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ ።

ብሰንበት ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ፡ ሓንቲ ድሮን ንመንበሪኡ ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ እንተፈጸመትኳ ኣብ ልዕሊኡ ጕድኣት ከምዘይወረደ ሓቢሩ ።

ድሕርዚ ነዊሕ ኸይጸንሐ: ኣል-ቃድሂ "ደሓን" ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ: "ህድኣትን ሓለዋን" ክግበር ጸዊዑ።

ኣብ ትዊተር ፡ "ጽቡቕ ኣለኹ ፡ ንኣምላኽ ውዳሰ ይኹኖ ፡ ምእንቲ ጥቕሚ ዒራቕ ክበሃል ፡ ኵሉ ሰብ ክሃድእን ኽሕሉን እጽውዕ ኣለኹ" ኢሉ ጸሓፈ ።

ክልተ ሰበ ስልጣን ዒራቕ ን ኣሶሸትድ ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሸውዓተ ካብቶም ሓለውቱ ከም ዝቘሰሉ ገሊጾም ኣለዉ ።
ነበርቲ ባቕዳድ ፡ ድምጺ ነታጒ ፣ ካብ ኣንፈት ግሪን ዞን ኮይኑ፣ ኣብኡ ከኣ ኤምባሲታትን ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ይርከብ ።
እቲ መጥቃዕቲ ብመን ከም እተፈጸመ ብኡንብኡ ኣይተነጸረን: ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል እውን ኣይተረኽበን ።

ነቲ ብ10 ጥቕምቲ እተገብረ ሓፈሻዊ ምርጫ ውጽኢት ፡ ሓያሎ ሚእቲ ዝዀኑ ደገፍቲ ምስ ኢራናውያን ዝደናገጹ ጕጅለታት ኣብ ከባቢ ኣፍደገ ግሪን ዞን ተቓውሞኦም ከስምዑ ተራእዮም እዮም ።

ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ካልኦትን ነቲ መብዛሕትኡ ካብ ዓመጽ ናጻ ዝዀነን ብዘይ ዓበይቲ ቴክኒካውያን ጸገማት ዝነበረ ድምጺ ንኢዶምዎ እዮም ።

ድሕሪ እቲ ድምጺ ፡ ደገፍቲ ሚሊሽያ ኣብ ጥቓ ግሪን ዞን ድንኳን ተኸሉ ፣ እቶም ኣባላት ሚሊሽያ ድማ ፡ ድምጺ እቲ ምርጫ ዳግም እንተዘይተቖጺሩ፡ ነቲ ውጽኢት ምርጫ ከምዝነጽግዎን፡ መጥቃዕቲ ከምዝፍጽሙን ኣፈራሪሖም ኔሮም ።

እቲ ምርጫ ነቲ ኣብ መወዳእታ 2019 ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኣብ ባቕዳድ ዝርከቡን ብብዝሒ ኣመንቲ ሺዓ ዝኾኑ ደቡባዊ ኣውራጃታት ዝተገብረ ኣንጻር እቲ ኣብ እናዓበየ ዝርከብ ብልሽውናን ፡ ድኹም ኣገልግሎትን ሽቕለት ኣልቦነትን ዝቐንዐ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ፡ መደብ ቅድሚ ምግባሩዩ እቲ ምርጫ ተጌሩ ።

With AAP.


Share

Published

Source: AFP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service