SKIP TO MAIN CONTENT

ኣየርላንዳዊት ደራፊትን ደራሲት ደርፊን ሺናይድ ኣብ 56 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ ።

 Sinead O’Connor

1 min read

Published

Source: SBS


Skip to article content

ኣየርላንዳዊት ደራፊትን ደራሲት ደርፊን ሺናይድ ኣብ 56 ዓመት ዕድሚኣ ዓሪፋ ።

እታ ዓው ኢላ ዝስምዓ ትዛረብ ጸጉራ ብምልጻይ ኣብ ስራሕ ሙዚቃ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ዘሎ ኣረኣእያ ዝለወጠት ኣብ መጀመርታ 1990ታት ከም "Nothing Compares 2 U" ዝብል ደርፊ ትፍለጥ ነይራ ።

ኣብ 2018 እምነታ ናብ ምስልምና ዝቀየረት ፡ ዋላ 'ኳ ሲናድ ኦኮኖር ብዝብል ስም ሙዚቃዊ ስርሓ ትሰርሕ እንተነበረት ስማ ናብ ሹሃዳ ሳዳቃት ዝቀየረት እያ ።

እቲ ደራፊት ንብርክት ዝበሉ ዓመታት ምስ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ጸገማት ትቃለስ ዝነበረት እያ ።

ዝሓለፈ ዓመት ፡ ወዳ ሻን 17 ዓመት ምስ ብርእሰ ቅትለት ህይወቱ ሓኣሊፉ እዩ ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣየርላንድ ሊዮ ቫራድካር ፡ "ሙዚቃኣ ኣብ መላእ ዓለም ፍቑር እዩ ነይሩ ፣ መወዳድርቲ ዘይብሉ ክእለት ነይርዋ።" ብምባል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ ፣ ነቶም "ሙዚቃኣ ዝፈትዉ ኵሎም" ድማ ጽንዓት ተመንይሎም ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now