ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ስጳኛዊት ጋንታ ሪያል ሶሰይዳድ ናብ እንግሊዛዊት ጋንታ ኒውካስትል ዩናይትድ ብኣስታት 70 ሚልዮን ዩሮ (ከባቢ 60 ሚልዮን ፓውንድ) ተሰጋጊሩ ክብሉ ብዙሓት ምንጭታት ዜና ኩዕሶ እግሪ ኤውሮጳ ገሊጾም።
እዚ ክፍሊት ኣብ ታሪኽ ጋንታ ኒውካስትል ዩናይትድ ዝለዓለ ብምዃን ክብረወሰን ኮይኑ ሰፊሩ'ሎ። እታ ጋንታ ዝለዓለ መጠን ዝነበረ ከባቢ 33 ሚልዮን ፓውንድ ብምኽፋል ምስኣ ዝጸንበረቶ ብራዚላዊ ብሩኖ ጒመረሽ'ዩ ኔሩ።
ንውልቃዊ ዝርዝራት ኣብ ዝምልከት ኣብ መንጎ'ታ ጋንታን ኣሌክሳንደርን ድሮ ስምምዕ ተበጺሖም ከም ዘለዉ እቶም ጸብጻባት ድሕሪ ምሕባሮም ዝተረፉ ኩሎም ዝርዝራት ምስ ተዛዘሙ እቲ ዝውውር ኣብ ዝመጹ ሒደት መዓልታት ዕላዊ ክኸውን ትጽቢት ይገብሩ።
ጋንታ ሪያል ሶሰይዳድ ነዚ ዓቢይ መሸጣ ኣሌክሳንደር ክትሰማማዓሉን ከተጽድቖን ካብ ነዊሕ ኣትሒዛ ክትሓስበሉ ጸኒሓ'ያ፣ ሕጂ ኣብ መወዳእትኡ ኸኣ እቲ ምዝውዋር ክፍጸም ተሰማሚዓ'ላ።
ኣሌክሳንደር ብምኻዱ ዝፍጠር ሃጓፍ ንዝፈጥሮ ዝኾነ ማህሰይቲ ንምንካይ ብምባል እታ ጋንታ ንመጻኢ ካብ ዝካየዱ ዝውውራት ወይ መሸጣታት ኣሌክሳንደር ካብ'ቲ ዋጋ መሸጣ ዓሰርተ ካብ ሚእቲ ብጽሒት ክወሃባ ኣብ'ቲ ውዕል ከምዘእተወቶ መርበብ ሓበሬታ ጎል.ኮም ኣስፊሩ።
ኣሌክሳንደር ካብ ጀርመናዊት ጋንትኡ ቦሩስያ ዶርትመንድ ናብ ሪያል ሶሰይዳድ ካብ ዝሰጋገር ንደሓር ክሳብ ሕጂ ናብ ጋንታ ኣርሴናል ክኸይድ ይኽእል'ዩ ተባሂሉ ክዝረበሉ ጸኒሑ'ዩ።
ሓደ ካብ ዝለዓሉ ተንተንቲ ኩዕሶ እግሪ ላ ሊጋ ዝኾነ ጊለም ባላገ 'ኣሌክሳንደር ቅልጡፍ ስለዝኾነ፣ ኩዕሶ ኮብኪቡ ናይ ምኻድ ክእለት ስለዘለዎን ብዘይ ኩዕሶ ጽቡቕ ስለዝንቀሳቐስን ኣብ ቅዲ ኣጸዋውታን ኣሰላልፋን ኣሰልጣኒ ኒውካስትል ኤዲ ሃው ጽቡእ ክገጥም'ዩ፣ ኩዕሶ ኣብ ሰኪዐት ኣብ ምጽንባራ ግን ኣብ ኣፈጻጽምኡ ክመሓየሽ ከድልዮ'ዩ።' ክብል ገሊጹ።
መደበር ዜና ስፖርት ኢኤስፒኤን ከምዘስፈረቶ ኸኣ ኒውካስትል ንኣጥቃዓያ እንግሊዛዊ ካለም ዊልሰን ዝሕግዞ ኣጥቃዒ ክትደሊ ከምዝጸንሐትን ኣሌክሳንደር ከኣ እቲ ዝሰማማዕ ኮይኑ ከምዝረኸበቶን ሓቢሩ።
ሪያል ሶሰይዳድ ውዕል ኣሌክሳንደር ከተሐድሶ እንከላ ናብ ካልእ ጋንታ ክዘዋወር እንተኾይኑ ብውሑዱ 90 ሚልዮን ዩሮ ክኽፈል ኣለዎ ዝብል ዓንቀጽ የእትያትሉ ኔራ።
እንተኾነ ግን ኣሌክሳንደር ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 32 ዝተሰለፈለን ግጥማት 6 ሽቶታት ጥራይ ብምምዝጋቡ ነቲ ዋጋ ንታሕቲ ከተውርዶ ከምዝተሰማመዐት መርበብ ሓበሬታ ፐንላይቭ.ኮም ኣስፊሩ።
ኒውካስትል ዩናይትድ ግን እዚ ቅልጡፍን ዓብላልን ዝኾነ ኣጥቃዒ ካብ ነዊሕ ክትከታተሎን ስለዝጸንሐት እቲ ዝሓለፈ ወቕቲ ዘመዝገቦ ውሑድ ቁጽሪ ሽቶታት ኣይዓጠጣን። ኣብ ርእሲ'ዚ ኣሌክሳንደር 132 ግዜ ንሪያል ሶሰይዳድ ኣብ ዝተሰለፈሉ 44 ሽቶታት ምምዝጋቡ ጽቡቕ ጌራ ትፈልጥ'ያ ይብል እቲ ጸብጻብ።
ኣሌክሳንደር ኣብ'ዚ ክረምቲ (ሳመር) ዓበይቲ ተጻወትቲ ኣብ ምሽማት ቀንዲ ዕላምኣ ጌራ ሒዛቶ ዘላ ጋንታ ኒውካስትል ናብኣ ዝተጸንበረ ራብዓይ ተጻዋታይ ኮይኑ'ሎ።
ብዙሓት እቲ ዋጋ ይግብኦ ድዩ ኣይኮነን ኣብ ዝብል ኣብ ዝካትዕሉ ዘለው እዋን ብዙሓት ደገፍቲ ኒውካስትል ዩናይትድ ግን ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊ መድረኻት ሓጎሶም ኣብ ምግላጽ ከምዝርከቡ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ኣመልኪቶም።