ተሓላቒ ኣይሁድ ዝኾነ እስራኤላዊ ዉድብ፣ ጂውስ ኤጀንሲ፡ እስራኤል ክትሰጎም ካብ ትደልዮም ዘላ ልዕሊ 500 ኣፍሪቃዊያን ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክትህቦም ከምዝጸወዐ ቦርድ ጂውስ ኤጀንሲ ኣፍሊጡ።
እቲ ቦርድ ኣብ ሰሜናዊ እስራኤል ኣብ ዚክሮን ያቖቭ ኣብዝገበሮ ኣኼባ፡ ነቶም ቅድሚ ብዙሕ ዓመታት ብዘይ መሰነይታ ናብ እስራኤል ዝኣተዉ'ሞ በቲ ናይ ጂውሽ ኤጀንሲ ኣቢሎም ብሚኒስትሪ ትምህርቲ ምስ ሕብረተሰብ እስራኤል ዝተጸምበሩ ልዕሊ 500 ኣፍሪቃዊያን መንእሰያት፡ ሕጋዊ መንበሪ ፍቓድ ክወሃቦም ንሚኒስተር ዉሽጢ ሃገር ኣርየ ደሪ ጸዊዖም።
“እዞም መንእሰያት እዚኣቶም ኣብ ናይ እስራኤላዊ ሃውሁው ትምህርቲ ዝዓበዩ፡ ቋንቋ ሂብሩ ዝመልኩ፡ ባህሊ እስራኤል ዝተቐበሉን ንመንግስቲ እስራኤል እሙናት ዝኾኑ እዮም፣ ስለዚ ነዚኣቶም ሕጋዊ መንበሪ ክወሃቦም ቅኑዕ እዩ” ብምባል እቲ ቦርድ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።
እቲ ቦርድ ብተወሳኺ “ነፍሲ ወከፍ ስደተኛ ናይ ዑቕባ ሕቶ ከመልክት መሰል ክወሃቦን፡ እቲ መስርሕ ግምገማ ዝቐረበ ምልክታ ሕቶ ዑቕባ ድማ ግሉጽ ክኸውን” ንመንግስቲ እስራኤል ሓቲቱ ኣሎ፡፣
ከምዝፍለጥ፡ ካቢነ እስራኤል ንኣሻሓት ኤርትራዊያንን ስይዳናዊያንን ስደተኛታት ንምስጓግ ባጀት ከምዝሰለዐን መደብ ከምዘውጽኤን ዝሓለፈ ወርሒ ኣፍሊጡ እዩ፡፣
በዓል መዚ ህዝቢን ኢሚግሬሽንን ከምዘፍለጦ፡ ካብ ወርሒ ጥሪ ኣትሒዙ፣ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ናብ ሃገሮም ወይ ናብ ዘይተፈልጠ ሳልሳይ ሃገር ክኸዱ ወይ ክሳብ ዝጥረዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክጸንሑ ወሲኑ እዩ። እቶም ኣብ 31 መጋቢት ካብታ ሃገር ብወለንታ ክወጹ ዝፈቐዱ $3,500 ከምኡውን ነጻ ናይ ኣየር ትኬትን ክወሃቦም ምዃኑ ተገሊጹ እዩ።
ንግዜኡ ንደቂ ኣንስትዮ፡ ቆልዑ፣ ስድራቤታት፣ ከምኡ’ውን ግዳያት ምስግጋር ሰባት ዝኾኑን እቶም ኣብ 2017 ሕቶ ዑቕባ ዘቕረቡ’ሞ መልሲ ዘይተዋህቦምን ክጸንሑ ከምዝኽእሉ ጋዜጣ ሃረትዝ ጸብጺቡ ኣሎ።
ኣብ እስራኤል 40,000 ዝኾኑ ኤርትራዊያንን ሱዳናዊያንን ዝነብሩ ኮይኖም ካብኣቶም እቶም 5,000 ቆልዑ ምዃኖም እዩ ዝግለጽ፡፡

