ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ እስራኤል ኲናት ኣዊጃ።

ናይ ኣይሁድ ሲምካት ቶራህ ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ፡ ቀዳም ሃማስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ እስራኤልን ጋዛን ቈሲሎም ።

Smoke rising from a building

ትማሊ 7 ጥቅምቲ 2023 ነፈርቲ ዉግእ እስራኤል ኣብ ሓደ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ህንጻ ምስ ኣጥቅዓ ሃልሃልታን ትኪን ይርአ። Source: EPA / Mohammed Saber

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ህዝቡ ኣብ ውግእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ ከተማታት እስራኤል ካብ ፍልስጤማውያን ጕጅለ ሓማስ ሃንደበታዊ ምጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን እስራኤል ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ፡ ብድሕር'ዚ እስራኤል ፡ ኣብ ጋዛ ኣጥቂዓ ብዙሓት ሰባት ተቀቲሎም ።

እዚ ናይ ሎሚ ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ዉግእ ከይከፍቱ እተመባጽዕዎ መብጽዓ ዘፍሽል ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 20 ቦታታት ፡ ብውሕዱ 200 እስራኤላውያን ከም እተቐትሉን 1100 ከም ዝቘሰሉን ተሓቢሩ ኣሎ ።
Israel Palestinians
An Israeli civilian killed by Palestinian militants lies covered in Sderot, Israel, on 7 October 2023. Source: AP / AP
ኣብ ጋዛ ፡ ልዕሊ 230 ሰባት ከም እተቐትሉን 1600 ከም ዝቘሰሉን ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም እዮም ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ "ኣብዛ ጸላም መዓልቲ እዚኣ ሓያል ሕነ ኽንፈዲ ኢና" በለ ።
"ኣብ ውግእ ኢና ዘለና ፡ ክንስዕሮ እውን ኢና" ድማ ክብል ተዛሪቡ ።
መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ጀሚሩ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ኣሎ ።
APTOPIX Israel Palestinians
Israeli police officers evacuate a family from a site hit by a rocket fired from the Gaza Strip, in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP
ንሱ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ "እዚኣ እታ ንጸላኢና ፡ ንወተሃደራቶምን ንሰፈርቶምን ዝዋረዱላን ዝሰዓሩላን ንግሆ እያ" በለ ።

"እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ነገር ፡ ምድላውና ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ። እቲ ሎሚ ዝዀነ ነገር ፡ ድኽመት ጸላኢ እዩ ዝገልጽ " ክብል መራሒ ሓማስ ተዛሪቡ ።
ኣብታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ጥቓ ጋዛ እትርከብ ሲደሮት ፡ ሬሳታት እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ብስብርባር ጠራሙዝ ተኸቢቡ ኣብ ጐደና ፋሕ ኢሉ ይርአ ።
ኣብ ጋዛ ፡ እስራኤላውያን ሕነ ንምፍዳይ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ነዊሕ ግምቢ ፡ ጸሊምን ሕብራውን ትኪ ናብ ሰማይ ገጹ ክዕብሎኽ ተራእዩ ።
ብዙሓት ሓዘንተኛታት ንሬሳታት እቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ኣብ ጐደናታት ተሰኪሞም: ብባንዴራታት ሓማስ ጠቕሊሎም ይሓልፉ ነበሩ ።
ምዉታትን ቍሱላትን ጋዛ ፡ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ረድኤትን ናውትን ኣብ ዝነበሮ ሆስፒታል ከቢድን ሰፊሕን ሓዘን ወሪዱ ይርአ ።

Israel Palestinians
Palestinian medics inspect a damaged an ambulance hit by an Israeli air strike inside Nasser Hospital in Khan Younis, southern Gaza Strip, 7 October, 2023. Source: AP / AP
እስራኤል ሓይሊ ኤለክትሪክ ስለዝቖረጸቶ እታ ከተማ ናብ ጸልማት ኣትያ ።
ሓማስ ፡ ሕነ ናይቲ ልዕሊ 100 ኣፓርታማታት ዝሓዘ በሪኽ ህንጻ ንምፍዳይ ፡ ብቐዳም ምሸት ናብ ተልኣቪቭ ገጹ ዝቐንዐ 150 ሮኬታት ከም ዝተኮሰ ገሊጹ ።
ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ዓሪ ንኣል-ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝርከብዎም ሓያሎ ምሩኻት እስራኤል ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ ።
ሓማስ ፡ ንእስራኤል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ኵሎም ፍልስጤማውያን ናጻ ንምግባር እኹላት ምሩኻት እራኤል ከም ዘለውዎ ገሊጹ ።
እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ተማሪኾም ከም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል ኣረጋጊጹ እዩ ።
Israel Palestinians
Israeli firefighters extinguish fire after a rocket fired from the Gaza Strip hit a parking lot in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP
ሓደ ኣፈኛ ሰራዊት ፡ እስራኤል ክሳብ ኣማእታት ኣሽሓት ዝግመት ዕቑር ሰራዊት ከተኽትት ከም እትኽእልን ኣብ ሰሜናዊ ግንባራ ኣንጻር ናይ ሊባኖስ ጉጅለ ሕዝቦላህ ንውግእ ከም እተዳለወትን ገለጸ ።

ሓማስ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ በቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ባንክ ፡ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኣሰካፊ መጥቃዕትታት ዝተደረኸ ምዃኑ ገሊጹ ።

መሓማድ ደፍ ዝበሃል ሓለቓ ሽሕ ሰራዊት ሓማስ ፡ "እዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ምጉባጥ መሬት ንምዝዛም እተገብረ ዝዓበየ ቃልሲ እትጅምረላ መዓልቲ እያ" በለ ፣ እቲ ዕዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሓማስ ኣብ እተመሓላለፈ ፈነወ ብዛዕባ ምጅማሩን ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ፍልስጤማውያን ኽዋግኡ ከም ዝጽውዑን ድማ ገለጸ ።

ኣብታ፡ 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ን16 ዓመት ኣብ ትሕቲ መዕገቲ እስራኤል ዝነብሩላ ጸባብ ቦታ ጋዛ፡ ነበርቲ ዝቕጽል ውግእ ከምዘሎ ብምጽባይ ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ክጓየዩ ተራእዮም ።

ገሊኦም ካብ በቶም ሃዲሞም ናብ መዕቈቢ ኣምርሑ ።

ኣውስትራሊያን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ናይ ሓማስ መጥቃዕቲ ኮኒነናኦ ኣለዋ



Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: AAP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service