ድሕሪ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ሓማስ፡ እስራኤል ኲናት ኣዊጃ።

ናይ ኣይሁድ ሲምካት ቶራህ ኣብ ዝበዓለሉ እዋን ፡ ቀዳም ሃማስ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ልዕሊ 400 ሰባት ሞይቶም ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ድማ ኣብ እስራኤልን ጋዛን ቈሲሎም ።

Smoke rising from a building

ትማሊ 7 ጥቅምቲ 2023 ነፈርቲ ዉግእ እስራኤል ኣብ ሓደ ኣብ ጋዛ ዝርከብ ህንጻ ምስ ኣጥቅዓ ሃልሃልታን ትኪን ይርአ። Source: EPA / Mohammed Saber

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ህዝቡ ኣብ ውግእ ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ ከተማታት እስራኤል ካብ ፍልስጤማውያን ጕጅለ ሓማስ ሃንደበታዊ ምጥቃዕቲ ድሕሪ ምፍጻሙ ፡ ሓያሎ ሰላማውያን ሰባትን ወተሃደራትን እስራኤል ተቐቲሎምን ቆሲሎምን ፡ ብድሕር'ዚ እስራኤል ፡ ኣብ ጋዛ ኣጥቂዓ ብዙሓት ሰባት ተቀቲሎም ።

እዚ ናይ ሎሚ ድሕሪ ንዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝወረደ ዝኸፍአ መጥቃዕቲ ኮይኑ፡ ክልቲኦም ወገናት ዉግእ ከይከፍቱ እተመባጽዕዎ መብጽዓ ዘፍሽል ኮይኑ ኣሎ።

ኣብ ውሽጢ እስራኤል ኣብ ዝርከብ ልዕሊ 20 ቦታታት ፡ ብውሕዱ 200 እስራኤላውያን ከም እተቐትሉን 1100 ከም ዝቘሰሉን ተሓቢሩ ኣሎ ።

Israel Palestinians
An Israeli civilian killed by Palestinian militants lies covered in Sderot, Israel, on 7 October 2023. Source: AP / AP

ኣብ ጋዛ ፡ ልዕሊ 230 ሰባት ከም እተቐትሉን 1600 ከም ዝቘሰሉን ፡ ሰብ መዚ ጥዕና ሓቢሮም እዮም ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ "ኣብዛ ጸላም መዓልቲ እዚኣ ሓያል ሕነ ኽንፈዲ ኢና" በለ ።

"ኣብ ውግእ ኢና ዘለና ፡ ክንስዕሮ እውን ኢና" ድማ ክብል ተዛሪቡ ።

መራሒ ሓማስ እስማዒል ሓኒየህ ፡ እቲ ኣብ ጋዛ ጀሚሩ ዘሎ መጥቃዕቲ ናብ ዌስት ባንክን የሩሳሌምን ከም ዝዝርጋሕ ገሊጹ ኣሎ ።

APTOPIX Israel Palestinians
Israeli police officers evacuate a family from a site hit by a rocket fired from the Gaza Strip, in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP

ንሱ ኣብ ዘስመዖ መደረ ፡ "እዚኣ እታ ንጸላኢና ፡ ንወተሃደራቶምን ንሰፈርቶምን ዝዋረዱላን ዝሰዓሩላን ንግሆ እያ" በለ ።

"እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ነገር ፡ ምድላውና ክሳዕ ክንደይ ዓብዪ ምዃኑ ዘርኢ እዩ ። እቲ ሎሚ ዝዀነ ነገር ፡ ድኽመት ጸላኢ እዩ ዝገልጽ " ክብል መራሒ ሓማስ ተዛሪቡ ።

ኣብታ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ጥቓ ጋዛ እትርከብ ሲደሮት ፡ ሬሳታት እስራኤላውያን ሰላማውያን ሰባት ብስብርባር ጠራሙዝ ተኸቢቡ ኣብ ጐደና ፋሕ ኢሉ ይርአ ።

ኣብ ጋዛ ፡ እስራኤላውያን ሕነ ንምፍዳይ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ነዊሕ ግምቢ ፡ ጸሊምን ሕብራውን ትኪ ናብ ሰማይ ገጹ ክዕብሎኽ ተራእዩ ።

ብዙሓት ሓዘንተኛታት ንሬሳታት እቶም ዝሞቱ ወተሃደራት ኣብ ጐደናታት ተሰኪሞም: ብባንዴራታት ሓማስ ጠቕሊሎም ይሓልፉ ነበሩ ።

ምዉታትን ቍሱላትን ጋዛ ፡ ከቢድ ሕጽረት ሕክምናዊ ረድኤትን ናውትን ኣብ ዝነበሮ ሆስፒታል ከቢድን ሰፊሕን ሓዘን ወሪዱ ይርአ ።

Israel Palestinians
Palestinian medics inspect a damaged an ambulance hit by an Israeli air strike inside Nasser Hospital in Khan Younis, southern Gaza Strip, 7 October, 2023. Source: AP / AP

እስራኤል ሓይሊ ኤለክትሪክ ስለዝቖረጸቶ እታ ከተማ ናብ ጸልማት ኣትያ ።

ሓማስ ፡ ሕነ ናይቲ ልዕሊ 100 ኣፓርታማታት ዝሓዘ በሪኽ ህንጻ ንምፍዳይ ፡ ብቐዳም ምሸት ናብ ተልኣቪቭ ገጹ ዝቐንዐ 150 ሮኬታት ከም ዝተኮሰ ገሊጹ ።

ምክትል ሓላፊ ሓማስ ሳልሕ ኣል-ዓሪ ንኣል-ጀዚራ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ፡ እቲ ጉጅለ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ዝርከብዎም ሓያሎ ምሩኻት እስራኤል ሒዙ ከም ዘሎ ገሊጹ ።

ሓማስ ፡ ንእስራኤል ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘለዉ ኵሎም ፍልስጤማውያን ናጻ ንምግባር እኹላት ምሩኻት እራኤል ከም ዘለውዎ ገሊጹ ።

እስራኤላውያን ኣብ ጋዛ ተማሪኾም ከም ዘለዉ ሰራዊት እስራኤል ኣረጋጊጹ እዩ ።

Israel Palestinians
Israeli firefighters extinguish fire after a rocket fired from the Gaza Strip hit a parking lot in Ashkelon, southern Israel, 7 October, 2023. Source: AP / AP

ሓደ ኣፈኛ ሰራዊት ፡ እስራኤል ክሳብ ኣማእታት ኣሽሓት ዝግመት ዕቑር ሰራዊት ከተኽትት ከም እትኽእልን ኣብ ሰሜናዊ ግንባራ ኣንጻር ናይ ሊባኖስ ጉጅለ ሕዝቦላህ ንውግእ ከም እተዳለወትን ገለጸ ።

ሓማስ ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደ በቲ እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ባንክ ፡ የሩሳሌምን ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ኣብ ኣብያተ-ማእሰርቲ እስራኤል እተካይዶ ዘላ ኣሰካፊ መጥቃዕትታት ዝተደረኸ ምዃኑ ገሊጹ ።

መሓማድ ደፍ ዝበሃል ሓለቓ ሽሕ ሰራዊት ሓማስ ፡ "እዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዝተገብረ ናይ መወዳእታ ምጉባጥ መሬት ንምዝዛም እተገብረ ዝዓበየ ቃልሲ እትጅምረላ መዓልቲ እያ" በለ ፣ እቲ ዕዮ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ሓማስ ኣብ እተመሓላለፈ ፈነወ ብዛዕባ ምጅማሩን ኣብ ኵሉ ቦታ ንዚርከቡ ፍልስጤማውያን ኽዋግኡ ከም ዝጽውዑን ድማ ገለጸ ።

ኣብታ፡ 2.3 ሚልዮን ፍልስጤማውያን ን16 ዓመት ኣብ ትሕቲ መዕገቲ እስራኤል ዝነብሩላ ጸባብ ቦታ ጋዛ፡ ነበርቲ ዝቕጽል ውግእ ከምዘሎ ብምጽባይ ዘድልዮም ነገራት ንምዕዳግ ክጓየዩ ተራእዮም ።

ገሊኦም ካብ በቶም ሃዲሞም ናብ መዕቈቢ ኣምርሑ ።

ኣውስትራሊያን ካልኦት ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ናይ ሓማስ መጥቃዕቲ ኮኒነናኦ ኣለዋ


Share

3 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now