"ቀዳማይ ገጽ" ዘተ ሰላም ቓዛ ኣብ ስምምዕ ከምዝተበጽሐን ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ከም ዝፍትሑን ፕረ/ ትራምፕ ኣፍሊጡ።

The US president said Israel and Hamas have both signed off on the first phase of his 20-point plan.

A composite of Palestinians walking down a road in Gaza and US President Donald Trump gesturing from behind a table

United States President Donald Trump has been pushing for a ceasefire in the region since his second term began in January. Source: AAP

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ፡ እስራኤልን ሓማስን ነቲ ኣብ ግዝኣት ፍልስጤም ንኽልተ ዓመት ዝቐጸለ ውግእ ደው ንምባል ብ ዘውጸኦ መደብ ፡ ኣባ ጋዛ ተዅሲ ደው ንምባልን ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ናጻ ንምውጻእን ድሕሪ ነዊሕ ጻዕሪ ኣብ ስምምዕ ከም እተበጽሐ ገሊጹ ።
ካብቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ካልኣይ ዓመት ምስ ሓለፈ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ ሓያል መጥቃዕቲ ፈንያ ኔራ ፣ እቲ ኣብ ግብጺ ብተዘዋዋሪ እተገብረ ዝርርብ ፡ ኣብቲ ትራምፕ ዘቕረቦ እማመ 20 ነጥብታት ናይ መጀመርታ መድረኽ ስምምዕ ተበጺሑ ኣሎ ።
እቲ ስምምዕ ኣብ ግብሪ እንተ ዝውዕል ፡ ነቲ ናብ ዞባዊ ግጭት ዝሰጋገረ ፡ ከም ኢራን ፡ የመንን ሊባኖስን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝሰሓበ ግጭት ፡ ከምኡ እውን ንዞባ ማእከላይ ምብራቕ ዳግም ዝቐየረ ኲናት ደው ንምባል ካብ እተገብረ ጻዕሪ ንላዕሊ ፡ ንኽልቲኦም ወገናት ዝያዳ ከም ዘቀራርቦም ዝገበረ ፍጻመ እዩ ኮይኑ ።
ትራምፕ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ፡ "እስራኤልን ሓማስን ንቀዳማይ ምዕራፍ መደብ ሰላም ከም ዝፈረሙ ብምግላጽ ፡ ሓበን ይስምዓኒ።" በለ ።
"እዚ ማለት ከኣ ፡ ኵሎም እቶም ብጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ድሕሪ ሓጺር እዋን ክፍትሑ እዮም ፣ እስራኤል ድማ ሰራዊታ ናብቲ ስምምዕ ዝተገብረሉ መስመር ክትስሕብ እያ። እዚ ናይ መጀመርታ ደረጃ ናብ ድልዱል ነባርን ሰላም ዝመርሕ እዩ ።" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ብዛዕባ እቲ ብሓማስ ተታሒዞም ዘለዉ ጅሆ ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ፡ "ብሓገዝ ኣምላኽ ፡ ንዅሎም ናብ ዓዶም ኽንመልሶም ኢና" በለ ። ነቲ ስምምዕ ምእንቲ ከጽድቖ ድማ ፡ ንኣባላት መንግስቱ ክእክቦም እዩ ።

ሓማስ ብወገኑ፡ እቲ ስምምዕ ተዂሲ ደው ንምባል፡ እስራኤልካብቲ ግዝ ኣት ክትወጽእን ነቶም ብ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ብእሱራት ፍልስጢኤማዊያን ከምዝቀያየሩን ኣብ ስምምዕ ከም ዝበጽሑ ኣረጋገጸ ። እንተዀነ ግን: እቲ ጉጅለ ንትራምፕ ን ኣውሓስቲ ኣካላትን : እስራኤል ነቲ ተዂሲ ምሉእ ብምሉእ ከም እተቋርጾ ክገብሩ ኣብቲ ዘውጽ ኦ መግለጺ ጸዊዑ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ገጽ እቲ መደብ እንታይ እዩ?

እቲ ውግእ ከም ዘብቅዕ ተስፋ እኳ እንተ ተገብረ ፡ ገና ወሳኒ ዝርዝር ነጥብታት ተወንዚፉ ኣሎ ፣ ገለ ካብኡ ፡ እቲ ግዜ ፡ ድሕሪ ውግእ ዝህሉ ምምሕዳር ጋዛን ዕጫ ናቶም ወተሃደራት ሓማስን ክጥቀስ ይከኣል ።
ሓደ ናይ ሓማስ ምንጪ ንማዕከናት ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ እቲ ብህይወት ዘለዉ ጅሆ ካብቲ መንግስቲ እስራኤል ነቲ ስምምዕ ዘጽደቐሉ ኣትሒዙ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክርከቡ ምዃኖም ሓቢሩ ።
ወሃቢ ቃል መንግስቲ እስራኤል እቲ ናይ ጅሆ ምርኽኻብ ቀዳም ክጅምር ትጽቢት ይግበር ኢሉ ።

ሓማስ ኣቐዲሙ ብረቡዕ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ ፡ ዝርዝር ናይቶም ሒዝዎ ዘሎ ጅሆን በቶም እስራኤል ሒዛቶም ንዝጸንሐት ፍልስጤማውያን ንኽልውጦም ዝደልዮም እሱራት ገሊጹ ነይሩ እዩ ።

ካብቶም ሓማስ ክፍትሑ ዝደልዮም ፍልስጤማውያን ፡ እስራኤል ኣሲራቶም ዝነበረት ፍሉጣት እሱራት ዘጠቓልል ክኸውን ትጽቢት ተገይርሉ ነይሩ ፣ እቶም እሱራት ቅድሚ ሕጂ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጹ ፈጺምካ ዘይሕሰብ ዝነበረ እዩ ።

ሓማስ ብዛዕባ እቲ እስራኤል እቲ ጉጅለ ኣጽዋር ከራግፍ ዝጠለበቶ ዛጊት ኣይተዛረበን ፣ እቲ ፍልስጤማዊ ምንጪ ድማ ፡ ሓማስ ሰራዊት እስራኤል ኣብ መሬት ፍልስጤም ክሳዕ ዝሃለዉ ነቲ ጠለብ ክነጽጎ ምዃኑ ገሊጹ ።





For the latest from SBS News, download our app and subscribe to our newsletter.

Share

Published

By Cameron Carr
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service