እስራኤል ኣብ ቓዛ ገበን ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ኮሚሺን መርመራ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ናይ ው.ሕ.ሃ. መርማሪ ኮምሽን ፡ ሰበ-ስልጣንን ሓይልታትን እስራኤል ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ፡ ካብቲ ኣብ 1948 ዝተዘርዘረ ስምምዕ ጽንተት ዓሌት ዝምልከት "ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ዓሌታዊ ጽንተት" ፡ ከም ዝፈጸሙ ደምደመ ።

Relatives of Palestinians, who died as a result of Israeli attacks on different parts of Gaza City, mourn for their deceased ones at al-Shifa hospital

More than 64,000 Palestinians have been killed in Israel's campaign against Hamas in Gaza since October 7 2023. Source: Getty / Anadolu

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ "ዓሌት ምጽናት" ከም ዝፈጸመት ብምኽሳስ ፡ ኣብቲ "ንፍልስጤማውያን" ንምጥፋእ ኣብ እተገብረ ጭፍጨፋ ፣ ስም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን እስራኤል ተጠቒሶም ኣለዉ ።

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጻ ኣህጉራዊ ኮምሽን ምጽራይ (COI) ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ዓለም ኣካላት ዘይዛረብን ተሪር ናይ እስራኤል ነቐፌታ ዘስዕበሉን ፡ "ዓሌታዊ ጽንተት ኣብ ጋዛ ይፍጸምን ይቕጽል ከም ዘሎን" ዋና ኮሚሽን ናቪ ፒላይ ገሊጹ ።

ፒላይ ፡ "ሓላፍነት ናይዚ ገበን እዚ ፡ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ብዝለዓለ ዝሕተቱ ኮይኖም ኣብቲ ንፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ንምጥፋእ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ጅምላዊ ቅትለት ዝፍጽሙሉ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ሰባት እዮም " በለ ።

እቲ ኮሚሽን ፡ ነቲ ኣብ ክልታት ፍልስጤም ዘሎ ኵነታት መሰላት ናይ ምጽራይ ዕማም ዝሓዘ ኰይኑ ፡ እቲ ውግእ ኣብ ጋዛ ካብ ዝውላዕ ድሕሪ ክልተ ዓመት እዩ ፡ ሰሉስ ነቲ እዋናዊ ጸብጻብ ኣውጺእዎ ዘሎ ።

ካብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ 30 ቖልዑ ዝርከብዎም 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን 200 ጅሆ ምሓዞምን ፡ እስራኤል ንጋዛ ብነፈርቲ ንኽልተ ዓመት ደብዲባታ እያ ።

ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ፍልስጤም ፡ ኣብቲ እስራኤላውያን ንሓማስ ኣብ ጋዛ ንምድምሳስ ኣብ ዝገበርዎ ተኸታታሊ ወፈራ ፡ ልዕሊ 64,000 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን ንመብዛሕትኡ እቲ ብጻዕቂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ከም ዘይነበረ ገይሮሞ እዮም ።

እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣደይብዎ እዩ ።

እስራኤል ነታ ምሉእ ብምሉእ ዓጸቦ ከምዝኣተዋ ዝኣወጀት ከተማ ጋዛ ንምቍጽጻር ጻዕርታት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን ፡ መብዛሕትኦም ጋዛውያን እንተ ወሓደ ሓንሳእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም ።


Share

2 min read

Published

Source: AFP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now