እስራኤል ኣብ ቓዛ ገበን ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ኮሚሺን መርመራ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ።

ናይ ው.ሕ.ሃ. መርማሪ ኮምሽን ፡ ሰበ-ስልጣንን ሓይልታትን እስራኤል ካብ ጥቅምቲ 2023 ኣትሒዞም ፡ ካብቲ ኣብ 1948 ዝተዘርዘረ ስምምዕ ጽንተት ዓሌት ዝምልከት "ኣርባዕተ ካብ ሓሙሽተ ዓሌታዊ ጽንተት" ፡ ከም ዝፈጸሙ ደምደመ ።

Relatives of Palestinians, who died as a result of Israeli attacks on different parts of Gaza City, mourn for their deceased ones at al-Shifa hospital

More than 64,000 Palestinians have been killed in Israel's campaign against Hamas in Gaza since October 7 2023. Source: Getty / Anadolu

ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መርመርቲ ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ "ዓሌት ምጽናት" ከም ዝፈጸመት ብምኽሳስ ፡ ኣብቲ "ንፍልስጤማውያን" ንምጥፋእ ኣብ እተገብረ ጭፍጨፋ ፣ ስም ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤልን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ ስልጣንን እስራኤል ተጠቒሶም ኣለዉ ።
ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነጻ ኣህጉራዊ ኮምሽን ምጽራይ (COI) ፡ ኣብ ክንዲ ናይ ዓለም ኣካላት ዘይዛረብን ተሪር ናይ እስራኤል ነቐፌታ ዘስዕበሉን ፡ "ዓሌታዊ ጽንተት ኣብ ጋዛ ይፍጸምን ይቕጽል ከም ዘሎን" ዋና ኮሚሽን ናቪ ፒላይ ገሊጹ ።
ፒላይ ፡ "ሓላፍነት ናይዚ ገበን እዚ ፡ ሰበ-ስልጣን እስራኤል ብዝለዓለ ዝሕተቱ ኮይኖም ኣብቲ ንፍልስጤማውያን ኣብ ጋዛ ንምጥፋእ ፍሉይ ዕላማ ዘለዎ ንክልተ ዓመት ዝኣክል ጅምላዊ ቅትለት ዝፍጽሙሉ ዝለዓለ ኢድ ዘለዎም ሰባት እዮም " በለ ።
እቲ ኮሚሽን ፡ ነቲ ኣብ ክልታት ፍልስጤም ዘሎ ኵነታት መሰላት ናይ ምጽራይ ዕማም ዝሓዘ ኰይኑ ፡ እቲ ውግእ ኣብ ጋዛ ካብ ዝውላዕ ድሕሪ ክልተ ዓመት እዩ ፡ ሰሉስ ነቲ እዋናዊ ጸብጻብ ኣውጺእዎ ዘሎ ።

ካብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ስዒቡ 30 ቖልዑ ዝርከብዎም 1200 ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን 200 ጅሆ ምሓዞምን ፡ እስራኤል ንጋዛ ብነፈርቲ ንኽልተ ዓመት ደብዲባታ እያ ።
ብመሰረት ሰብ መዚ ጥዕና ፍልስጤም ፡ ኣብቲ እስራኤላውያን ንሓማስ ኣብ ጋዛ ንምድምሳስ ኣብ ዝገበርዎ ተኸታታሊ ወፈራ ፡ ልዕሊ 64,000 ፍልስጤማውያን ከም እተቐትሉን ንመብዛሕትኡ እቲ ብጻዕቂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ዝነብረሉ ከባቢ ከም ዘይነበረ ገይሮሞ እዮም ።
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ፡ ናብ ዝለዓለ ጥርዚ ኣደይብዎ እዩ ።
እስራኤል ነታ ምሉእ ብምሉእ ዓጸቦ ከምዝኣተዋ ዝኣወጀት ከተማ ጋዛ ንምቍጽጻር ጻዕርታት ኣብ እተካይደሉ ዘላ እዋን ፡ መብዛሕትኦም ጋዛውያን እንተ ወሓደ ሓንሳእ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም እዮም ።


Share

Published

Source: AFP

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እስራኤል ኣብ ቓዛ ገበን ምጽናት ዓሌት ምፍጻማ ኮሚሺን መርመራ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣረጋጊጹ። | SBS Tigrinya