ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ምሁራት ጃምላዊ ቅትለት ፡ እስራኤል ኣብ ጋዛ ገበን ዘሪኢ ምጽናት ከም እተፈጸመ ዘረጋግጽ ሕጋዊ መለክዒታት ተማሊኡ ኣሎ ዝብል ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ ።.
ሰማንያን ሽዱሽተን ሚኢታዊ ካብቶም 500 ኣባላት ዝሓቖፈ ዓለምለኻዊ ማሕበር ምሁራን ዘሪኢ ምጽናት (International Association of Genocide Scholars (IAGS)) እስራኤል "ኣብ ቓዛ እትኽተሎ ዘላ ፖሊሲታትን ተግባራትን" ነቲ ኣብ ዓንቀፅ ካልኣይ ናይቲ ብ1948 ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጃምላዊ ቅትለት ዘተኰረ ጉባኤ ዝወጸ መለክዒ ከምዘማልአ ተሰማሚዖም።
ሚኒስተር ወጻኢ እስራኤል : ነቲ መግለጺ ዘፈንፍንን "ኣብቲ ሓማስ ዝገበሮ ወፈራ ሓሶት" እተመስረተ ብይን እዩ ኢሉ ።
ኣብ ዝሓለፈ እዋን ፡ እስራኤል እቲ ኣብ ቓዛ እትገብሮ ተግባራት ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝዀነ ዝግለጽ ኣገላልጻ ብምንጻግ ፡ ንገዛእ ርእሳ ኽትከላኸለል ትገብሮ ከምዘላ እያ ትገልጽ።
ኣብ ዘ ሄግ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ዝቐረበ ጕዳይ ፡ ጃምላዊ ቅትለት ከም እተፈጸመ ዝቐረበ ክሲ ፡ እስራኤል ነቲ ኣብ መንጎ ፍልስጤማውያን ሰላማውያን ሰባት ኮይኑ ዝንቅሳቐስ ዘሎ ሓማስ ከተዕንዎ ትፍትን ከም ዘላ ብምምጓት ንዝኾነ ክሲ ነጺጋቶ እያ ።
ብመሰረት መንግስቲ እስራኤል ፡ ኣብቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ ኣብ 2023 ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ 30 ቖልዑ ዝርከብዎም 1,200 ሰባት ተቐቲሎምልዕሊ 200 ብጅሆ ተወሲዶም።
ብመሰረት ሰብ-መዚ ጥዕና ፍልስጤም ፡ ኣብቲ እስራኤላውያን ንሓማስ ኣብ ጋዛ ንምድምሳስ ኣብ ዝገበረቶ ተኸታታሊ ወፈራ ፡ ልዕሊ 63,000 ፍልስጤማውያን ተቐቲሎም እዮም ፣ እቲ መብዛሕትኡ እቲ ህዝቢ ዝነብረሉ ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ህዝቢ ድማ ብጻዕቂ ዝነብረሉ ከባቢ ኣዕንያቶ እያ ።
እቲ ብ7 ጥቅምቲ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ እስራኤልን ሓማስን ንነዊኅ እዋን ዝጸንሐ ግጭት ፡ ክጋደድ ገይሩ እዩ ።
ው.ሕ.ሃ. ኣብ መላእ ህዝቢ ቓዛ ዓጸቦ ከም ዘጋጥም ገሊጹ ፣ ገሊኡ ክፋል እቲ ክሊ ፡ ሰብ ብዘስዓቦ ጥምየት ይጉዳእ ከምዘሎ ገሊጹ። እስራኤል ነዚ 'ውን እያ ትነጽጎ ።
እቲ ሰለስተ ገጽ ዘለዎ ውሳነ ፡ "እስራኤል ነቲ ኣብ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ፍልስጤማውያን ዝፍጸም ጃምላዊ ቅትለት ፡ ገበናት ውግእን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነትን ፡ ከምኡ ድማ ነቲ ንቘልዑ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደይ መደይ ኢልካ ዝግበር መጥቃዕትን ቅትለትን ፡ ጥሜት ፡ ምኽላእ ሰብኣዊ ረዲኤት ፡ ማይ ፡ ነዳዲ ፡ ከምኡውን ካልእ ንድሕነት ህዝቢ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ምሕዳግ ፡ ጾታዊ ዓመጽን ምርባሕ ጐነጽን ፡ ከምኡውን ግዱድ ምፍንቓል ህዝቢ ደው ከተብሎ" ዝሓትት እዩ ።
ብዘይካዚ ፡ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዝፈጸሞ መጥቃዕቲ ፡ ዓለምለኻዊ ገበናት ከም ዝዀነ ይገልጽ ።
ፕሮፌሰር ኣህጉራዊ ሕጊ ኣውስትራልያዊ ሜላኒ ኦብራየን ፡ ከምኡ እውን ሓላፊ IAGS ፡ "እዚ መግለጺ እዚ ፡ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ጃምላዊ ቅትለት ብኽ ኢላታት እቲ ዓውዲ ዝወጸ መግለጺ ምዃኑ ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ኣብ ቓዛ ዝፍጸም ዘሎ ጽንተት ዓሌት ምርኩስ ዝገበረ ንጹር መግለጺ እዩ" በለ ።
"ንርእሰ ምክልኻል ኢልካ ብዝግበር ኲናት ፡ ገበናት ኲናት ፡ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፡ ወይ ጃምላዊ ቅትለት ምግባር ምኹኑይ ክኸውን ኣይክእልን እዩ።" በለ።
ድሕሪ ፍጻመ ሆሎኮስት ዝተበጽሐ ስምምዕ
እቲ ብ1948 ናዚ ጀርመን ንኣይሁድ ብጃምላ ድሕሪ ምቕታሎም እተኻየደ ናይ ምጽናት ዓሌት ዉሳነ ው.ሕ.ሃ. : ጃምላዊ ቅትለት "ምሉእ ብምሉእ ወይ ብኸፊል: ብደረጃ ሃገር: ብስነ-ምግባር: ብዓሌታዊ: ወይ ብሃይማኖታዊ ጕጅለ ንምጥፋእ ዝዓለመ" ዝፍጸም ገበን ምጽናት ዓሌት ምዃኑ ይገልጽ ። ኵለን ሃገራት ጃምላዊ ቅትለት ንምዕጋትን ደው ንምባልን ስጕምቲ ክወስዳ ድማ የገድደን ።
እዚ ምሕበር ናይ ምሁራት ጃምላዊ ቅትለት ብ1994 ካብ ዝምስረት ፡ ንታሪኻዊ ወይ ንቐጻሊ ተጓንፎታት ከም ጅምላዊ ቅትለት ኣፍልጦ ንምሃብ ትሽዓተ ውሳነ ኣሕሊፉ እዩ ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሓማስ-ጋዛ እስማዒል ኣል-ታዋብታ ነቲ ናይ ውሳነ ሓሳብ "ብሉጽ ምሁራዊ መትከል" ክብል ብሓጎስ ተቐቢሉዎ: ብተወሳኺ: - "ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ገበን ደው ንምባል: ሰላማውያን ሰባት ንምክልኻል: ከምኡውን ንመራሕቲ እቲ ስራሕ ተሓተትቲ ንምግባሮም ህጹጽን ሞራላውን ግዴታ ኣለዎ ።" ኢሉ።
ኣብ ኔዘርላንድስ ኣብ ዝርከብ ኦፐን ዩኒቨርሲቲ ናይ ኣህጉራዊ ሕጊ ፕሮፌሰር ኰይኑ ዝዓዪ ሰርገይ ቫሲልየቭ ፡ ኣባል እቲ ማሕበር ዘይኰነ ን ሮይተርስ ብዛዕባ እቲ ውሳነ ክገልጽ ከሎ ፡ "እዚ ሕጋዊ ገምጋም እዚ ፡ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ጃምላዊ ቅትለት ቀንዲ ተዋሳኢ ኰይኑ ኣሎ" በለ ።
ሓያሎ ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላትን ገለ እስራኤላውያን ዘይመንግስታውያን ትካላትን ፡ እስራኤል ኣብ ልዕሊኣ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመት ከሲሰን ኣለዋ ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፡ ኣብ ቤት ጽሕፈት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ቮልከር ቱርክ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ ውግእ ጋዛ ዘይተኣደነ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝዀነ ብንጹር ክገልጾ ሓቲቱ ነይሩ እዩ።