እስራኤል ናይ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ረድኤት ዝጽበዩ ዝነበሩ ብውሕዱ 67 ፍልስጢኤማውያን ከምዝቐተለት ሰብ መዚ ጥዕና ኣፍሊጦም።

ሰበስልጣን ጥዕና ከምዝሕብርዎ ኣብ ጋዛ ጥምየት እናኸፍአ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ጥራይ 90 ፍልስጤማውያን ብጠያይትን ብደብዳብ ነፈርትን ተቐቲሎም ።

Group of young people stand near injured and deceased people lying on the ground. Some are crying.

The United Nations says civilians in Gaza are starving and need an urgent influx of aid. Source: Getty / Anadolu

ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ናይ ሕቡራት ሃገራት ናይ ረድኤት ማካይን ዝጽበዩ ዝነበሩ እንተወሓደ 67 ፍልስጤማውያን ብጥይት እስራኤል ተቐቲሎም ክብል ሚንስትሪ ጥዕና ጋዛ ሓቢሩ ፡ እስራኤል ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ሰባት ዘለውዎ ከባቢ ንኽግዕዙ ትእዛዝ ኣውጺኣ ኣላ ።

ብሰንበት ምሸት ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ፡ ሓያሎ ሰባት እውን ቈሲሎም እዮም ።

እዚ ሓደ ካብቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኮይኑ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብ ዝተገብረ ጸብጻብ ፡ እቶም ደለይቲ ረድኤት ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ሓዊስካ 36 ሰባት ብጠያይት ተቐቲሎም እዮም ።

ኣብ ደቡብ ኣብ ጥቓ እቲ ረድኤት ዝረኽበሉ ቦታ ድማ ሽዱሽተ ሰባት ከም እተቐትሉ ተሓበረ ።

ሰራዊት እስራኤል ፡ ሰራዊቱ ነቲ "ቅልጡፍ ስግኣት" ዩ "ዝበሎ ንምውጋድ ፡ ኣብ ሰሜናዊ ጋዛ ኣብ ልዕሊ ኣሽሓት ሰባት ናይ መጠንቀቕታ ነቝጣታት ከም እተኮሰ ገሊጹ ።

ናይ ው.ሕ.ሃ. ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP)ከም ዝገለጾ ድማ ኣብ ጋዛ ድሕሪ ምእታዉ ነዊሕ ኸይጸንሐ ናይ ው.ሕ.ሃ. ናይ መግቢ ረድኤት ዝጸዓና 25 ናይ ጽዕነት ማካይን ርእዮም ዝመጹ"ብዙሓት ዝጠመዩ ሰላማውያን ሰባት" ብጠያይት ተኲሲ እዮም ተቐቢሎሞም ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ኣብ መግለጺኡ "ሰብኣዊ ረድኤት ንዝደልዩ ሰላማውያን ሰባት ዝምልከት ዝዀነ ይኹን መጥቃዕቲ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ከም ዘይብሉ መሊስና ንሕብር" በለ።

ብድምር ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ጥራይ 90 ሰባት ብናይ እስራኤል ተዅስን ብናይ ነፈርቲ ውግእን ከምዝተቐትሉ ሰበስልጣን ጥዕና ገሊጾም ።

እስራኤል እቶም ካብ መረበቶም ክወጹ ዝኣዘዘቶም ከባቢታት ተስፍሕ፡

ሰራዊት እስራኤል ፡ ሰባት ካብቲ ኣብ ማእከላይ ጋዛ ዝርከብ ደዒር ኣል-ባላህ ዝርከብ ከባብታት ኺግዕዙ ዝእዝዝ ወረቓቕቲ ምስ ደርበየ ፡ ነፈርቲ እስራኤል ኣብቲ ከባቢ ሰለስተ ኣባይቲ ከም ዝወቕዓ ፡ ነበርቲ ገሊጾም ።

ሓያሎ ስድራ ቤታት ንብረቶም ሒዞም ካብ በቶም ክወጹ ጀሚሮም ኣለዉ ።

ብኣማእታት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ካብ መረበቶም እተመዛበሉ ጋዛውያን ኣብ ከባቢ ደር ኣል-ባላህ ተዓቚቦም ኣለዉ ።

ሰራዊት እስራኤል ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ናብቲ ከባቢ ናይ ምግዓዝ ትእዛዝ ከም ዘይኣተወን "ኣብቲ ከባቢ ንዘሎ ዓቕሚ ጸላእን ሽበራዊ ትሕተ ቅርጽን ንምድምሳስ ብዓብዪ ሓይሊ ይንቀሳቐስ ከም ዘሎን" ገሊጹ ኣሎ ።

እቲ ሰራዊት ክሳዕ ሕጂ ናብቲ ከባቢ ዘይ ኣተወሉ ምኽንያት ፡ ሓማስ ኣብቲ ከባቢ ጅሆ ዝሓዞም ኣብኡ ከይህልዉ ስለ ዝጥርጥሩ ምዃኑ ምንጭታት እስራኤል ገሊጾም ኣለዉ ።

A large group of people carry humanitarian aid packages near a distribution centre.
Israeli airstrikes continue across Gaza as residents struggle to find food and water. Source: AP / Abdel Kareem Hana

ካብቶም ኣብ ጋዛ ኣብ ምርኮ ወይ ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ 50 ሰባት ፡ እንተ ወሓደ 20 ብህይወት ከም ዘለዉ እዩ ዝእመነሉ ።

ጅሆ ዝተታሕዝዎም ስድራ ቤታት ፡ ካብቲ ሰራዊት መብርሂ ክወሃቦም ይሓቱ ኣለዉ ።


Share

2 min read

Published

Source: Reuters




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now