እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕቲ ኣየር ፈንያ። እዚ ን 11 መዓልታት ዝነበር ግጭት ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግም እቲ ግጭት ተወሊዑ ዘሎ'ዩ።

ሓንቲናይ እስራኤል ነፋሪት ፡ ኣብ ከባቢ ጋዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ታዕሊም ፍልስጤማውያን መጥቃዕቲ ከም ዘውረደት ሬድዮ ሓማስ ይገልጽ ፣ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዅሲ ደው ካብ ዝብል ንፈለማ እዋን ከም እተፈጸመ ዝሕበር ።

Explosions light-up the night sky above buildings in Gaza City early on Wednesday.

Explosions light-up the night sky above buildings in Gaza City early on Wednesday. Source: Getty Images

እስራኤል ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ን11 መዓልቲ ዝቐጸለ ግጭት፡ ደው ካብዝበለልይ እዋን ኣትሒዙ ፡ ብረቡዕ ኣብ ሜዳ ጋዛ ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺማ ።

እዚ እቲ ሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ንፈለማ እዋን ዝፈታተን ፍጻመ እዩ ፡ ብሰሉስ ሃገራዊያን ኣይሁድ ካብ ጋዛ ናይ ሓማስ ስግ ኣት ኣለና ብዝብል ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ እዩ ፣ ተፈጺሙ ።

ሰራዊት እስራኤል ፡ ነፈርቱ ኣብ ጋዛ ከተማን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ክሃን ያኒስን ንዝርከብ ዕጡቕ ቀጽሪ ሓማስ ከም ዘጥቅዓን "ንዅሉ ኵነታት ከም እተዳለዋን ገሊጹ። " ካብ ጋዛ ዝመጽእ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ብቐጻሊ'ውን ውግእ ኣብዝለዓለሉ ድልዋት ኣለና " ክብል ገሊጹ።

ወተሃደራዊ እዚ እስራኤል ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ነቲ ብሓማስ ዝተፈተነ ምውንጫፍ ከም ግብረመልሲ ኮይኑ ፡ እቲ ናይ ናይ ሓማስ ሓዊ ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰባት ፡ 20 መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ሓቢሩ ።

ኣፈኛ ሓማስ ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ብምርግጋጽ ፡ ፍልስጤማውያን "ብትብዓት ክቃወምዎን ንመሰሎምን ንቅዱስ ቦታታቶምን ክጣበቑሉን" ምዃኖም ገለጹ ።

ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ባንዴራ ዝሓዙ እስራኤላውያን ፡ ናብቲ ናይ ኣይሁድነት ቅዱስ ምዕራባዊ መንደቕ ቅድሚ ምኻዶም ፡ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ኣፍ ደገ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ተኣኪቦም ፡ ቍጥዓን ኩነኔን ፍልስጤማውያን ስሒቦም ነይሮም እዮም ።

እስራኤል ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝተኻየደ ሰልፊ ፡ ካብ ጋዛ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ሮኬት እስራኤል ቲ ናይ ሓጺን ዶም ሚሳይል ጸረ-ሚሳይል ድሉው ጌራ ጸኒሓ እያ ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ጋዛን ኣኽበርቲ ሕጊ እስራኤልን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ፡ ብውሕዱ 260 ፍልስጤማውያንን 13 ኣብ እስራኤልን ተቐቲሎም እዮም ።


2 min read

Published

Updated

Source: Reuters, SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now