Breaking

እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕቲ ኣየር ፈንያ። እዚ ን 11 መዓልታት ዝነበር ግጭት ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግም እቲ ግጭት ተወሊዑ ዘሎ'ዩ።

ሓንቲናይ እስራኤል ነፋሪት ፡ ኣብ ከባቢ ጋዛ ኣብ ዝርከብ መዓስከር ታዕሊም ፍልስጤማውያን መጥቃዕቲ ከም ዘውረደት ሬድዮ ሓማስ ይገልጽ ፣ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ተዅሲ ደው ካብ ዝብል ንፈለማ እዋን ከም እተፈጸመ ዝሕበር ።

Explosions light-up the night sky above buildings in Gaza City early on Wednesday.

Explosions light-up the night sky above buildings in Gaza City early on Wednesday. Source: Getty Images

እስራኤል ካብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ን11 መዓልቲ ዝቐጸለ ግጭት፡ ደው ካብዝበለልይ እዋን ኣትሒዙ ፡ ብረቡዕ ኣብ ሜዳ ጋዛ ደብዳብ ነፈርቲ ፈጺማ ።

እዚ እቲ ሓድሽ መንግስቲ እስራኤል ንፈለማ እዋን ዝፈታተን ፍጻመ እዩ ፡ ብሰሉስ ሃገራዊያን ኣይሁድ ካብ ጋዛ ናይ ሓማስ ስግ ኣት ኣለና ብዝብል ኣብ ምብራቕ የሩሳሌም ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ እዩ ፣ ተፈጺሙ ።

ሰራዊት እስራኤል ፡ ነፈርቱ ኣብ ጋዛ ከተማን ኣብ ደቡባዊት ከተማ ክሃን ያኒስን ንዝርከብ ዕጡቕ ቀጽሪ ሓማስ ከም ዘጥቅዓን "ንዅሉ ኵነታት ከም እተዳለዋን ገሊጹ። " ካብ ጋዛ ዝመጽእ ግብረ-ሽበራዊ ተግባራት ብቐጻሊ'ውን ውግእ ኣብዝለዓለሉ ድልዋት ኣለና " ክብል ገሊጹ።

ወተሃደራዊ እዚ እስራኤል ከምዝሓበሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ፡ ነቲ ብሓማስ ዝተፈተነ ምውንጫፍ ከም ግብረመልሲ ኮይኑ ፡ እቲ ናይ ናይ ሓማስ ሓዊ ፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ማሕበረሰባት ፡ 20 መጥቃዕቲ ከም ዝፈነወ ሓቢሩ ።
ኣፈኛ ሓማስ ፡ ንመጥቃዕቲ እስራኤል ብምርግጋጽ ፡ ፍልስጤማውያን "ብትብዓት ክቃወምዎን ንመሰሎምን ንቅዱስ ቦታታቶምን ክጣበቑሉን" ምዃኖም ገለጹ ።

ቅድሚ ሒደት ሰዓታት ፡ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ባንዴራ ዝሓዙ እስራኤላውያን ፡ ናብቲ ናይ ኣይሁድነት ቅዱስ ምዕራባዊ መንደቕ ቅድሚ ምኻዶም ፡ ኣብ ከባቢ ደማስቆ ኣብ ዝርከብ ኣፍ ደገ ጥንታዊት ከተማ የሩሳሌም ተኣኪቦም ፡ ቍጥዓን ኩነኔን ፍልስጤማውያን ስሒቦም ነይሮም እዮም ።
እስራኤል ቅድሚ እቲ ሰሉስ ዝተኻየደ ሰልፊ ፡ ካብ ጋዛ ክመጽእ ዝኽእል መጥቃዕቲ ሮኬት እስራኤል ቲ ናይ ሓጺን ዶም ሚሳይል ጸረ-ሚሳይል ድሉው ጌራ ጸኒሓ እያ ።

ብመሰረት ሰበስልጣን ጋዛን ኣኽበርቲ ሕጊ እስራኤልን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ፡ ብውሕዱ 260 ፍልስጤማውያንን 13 ኣብ እስራኤልን ተቐቲሎም እዮም ።


Share

Published

Updated

Source: Reuters, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
እስራኤል ኣብ ልዕሊ ጋዛ መጥቃዕቲ ኣየር ፈንያ። እዚ ን 11 መዓልታት ዝነበር ግጭት ደው ኢሉ ድሕሪ ምጽናሕ ዳግም እቲ ግጭት ተወሊዑ ዘሎ'ዩ። | SBS Tigrinya