እስራኤል ናብ ዉሽጢ ቓዛ መጥቃዕታ ኣብ ተዕምቖሉ ዘላ፡ ጻዊዒት ኲናት ደው ንምባል ብምንጻግ "ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ሓማስ ን7 ጥቅምቲ ኣብ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ንዝማረኾም ልዕሊ 240 ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ኽሳዕ ዝመልስ ፡ "ተዅሲ ደው ኣይኪብልን እዩ" ኢሉ።

A man weeps as another consoles him.

ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዝፈረሰ ሰብኣይ ሬሳ ሓቚፉ ይበኪ። Source: Getty / Mahmud Hams

ብሰንበት እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ ተዅሲ ደው ንኽብል ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ነጺጋቶ: ክኢላታት ወተሃደራዊ ስለያ ከኣ ሓይልታት ነቲ ኣንጻር ሓማስ ዘካይድዎ ስርሒታት ከሐይልዎ ተዳልዮም ኣለዉ: እዚ መዓስ ከም ዝኸውን እቲ ግዜ ኣይተገልጸን ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሎም እቶም ኣብ 7 ጥቅምቲ ብ ሓማስ እተታሕዙ ልዕሊ 240 ክምለሱ ሓቲቱ ኣሎ።

"ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኸይተመልሱ ፡ ተዂሲ ደው ምባል ኣይኪኸውንን እዩ ።" ናታንያሁ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ራሞን ባስ ፡ ክብል ተዛሪቡ ።

"ንፈተውትናን ንጸላእትናን እዚ ንብሎም ኣለና ። ክሳዕ እንስዕሮም ክንጸንሕ ኢና ። ካልእ ኣማራጺ የብልናን "በለ ።
    ሰራዊት እስራኤል ምስ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ብሓባር ኰይኖም ንጋዛ ኺሃርምዋን ኣብቲ ጸቢብ ገማግም ባሕሪ ንምንቅስቓሳቶም ኬዕምቑን ከለዉ ፡ ንትሕተ ቅርጺ ሓማስ ንምድምሳስን ንላዕለዎት መራሕቲ ንምቕታልን ፡ ከምኡ እውን ንትእዛዛቱን ንስርዓታቱን ንምቍጽጻሩ ዕላማ ገይሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

    እቶም ሓይልታት ፡ ናብ ውሽጢ ጋዛ ኣትዮም ፡ ንከተማታት ከቢቦም ምስ ተቓለስቲ ሓማስ ጥቡቕ ናይ ከተማ ኲናት የካይዱ ኣለዉ ።
    ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ዝነበረ ኢታማር ያኣር ፡ "ኣብ ኢዶም ብዘላ ሰዓት ሒዞም ኣይሰርሑን እዮም ዘለዉ ፣ ነቲ ስርሒት ብሞያኦም ክገብርዎን፣ እንተ ኰነ ዋላ ሓንቲ ብናጻ ዝርከብ የለን ፡ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ምእንቲ ኸየጋጥሞም በብደረጃኡ ክጽዕሩ ኣለዎም" በለ ።
    ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ናይቲ ኣቐዲሙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እስራኤል ዝነበረ ጉጅለ ጸጥታ ሓላፊ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ያኣር ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምቲ ኣብ ጋዛ ዝተኻየዱ ስርሒታት ዝገብርዎ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ጸቕጢ ከም ዘየጋጠሞ ገሊጹ ።
    Destroyed buildings in Gaza
    እቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ጋዛ ዘሎ ቦታ ፡ ኣብ ዝባን መሬት ጋዛ ፡ ህንጻታት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝዓነወ ዝሕብር እዩ ። Source: Getty / Jack Guez

    Share

    Published

    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
    Source: Reuters

    Share this with family and friends


    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps
    SBS Audio
    SBS On Demand

    Listen to our podcasts
    Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
    Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
    Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

    Watch on SBS
    SBS World News

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
    እስራኤል ናብ ዉሽጢ ቓዛ መጥቃዕታ ኣብ ተዕምቖሉ ዘላ፡ ጻዊዒት ኲናት ደው ንምባል ብምንጻግ "ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢላ። | SBS Tigrinya