እስራኤል ናብ ዉሽጢ ቓዛ መጥቃዕታ ኣብ ተዕምቖሉ ዘላ፡ ጻዊዒት ኲናት ደው ንምባል ብምንጻግ "ካልእ ኣማራጺ የለን" ኢላ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ሓማስ ን7 ጥቅምቲ ኣብ ዝገበሮ መጥቃዕቲ ንዝማረኾም ልዕሊ 240 ጅሆ ሒዙዎም ዘሎ ኽሳዕ ዝመልስ ፡ "ተዅሲ ደው ኣይኪብልን እዩ" ኢሉ።

A man weeps as another consoles him.

ብመጥቃዕቲ ኣየር ኣብ ዝፈረሰ ሰብኣይ ሬሳ ሓቚፉ ይበኪ። Source: Getty / Mahmud Hams

ብሰንበት እስራኤል ነቲ ኣብ ጋዛ ተዅሲ ደው ንኽብል ዝቐርብ ዘሎ ጻውዒት ነጺጋቶ: ክኢላታት ወተሃደራዊ ስለያ ከኣ ሓይልታት ነቲ ኣንጻር ሓማስ ዘካይድዎ ስርሒታት ከሐይልዎ ተዳልዮም ኣለዉ: እዚ መዓስ ከም ዝኸውን እቲ ግዜ ኣይተገልጸን ።

ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ናታንያሁ ፡ ኵሎም እቶም ኣብ 7 ጥቅምቲ ብ ሓማስ እተታሕዙ ልዕሊ 240 ክምለሱ ሓቲቱ ኣሎ።

"ጅሆ ተታሒዞም ዘለዉ ኸይተመልሱ ፡ ተዂሲ ደው ምባል ኣይኪኸውንን እዩ ።" ናታንያሁ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ራሞን ባስ ፡ ክብል ተዛሪቡ ።

"ንፈተውትናን ንጸላእትናን እዚ ንብሎም ኣለና ። ክሳዕ እንስዕሮም ክንጸንሕ ኢና ። ካልእ ኣማራጺ የብልናን "በለ ።

    ሰራዊት እስራኤል ምስ ሓይሊ ኣየርን ሓይሊ ባሕርን ብሓባር ኰይኖም ንጋዛ ኺሃርምዋን ኣብቲ ጸቢብ ገማግም ባሕሪ ንምንቅስቓሳቶም ኬዕምቑን ከለዉ ፡ ንትሕተ ቅርጺ ሓማስ ንምድምሳስን ንላዕለዎት መራሕቲ ንምቕታልን ፡ ከምኡ እውን ንትእዛዛቱን ንስርዓታቱን ንምቍጽጻሩ ዕላማ ገይሮም እዮም ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ።

    እቶም ሓይልታት ፡ ናብ ውሽጢ ጋዛ ኣትዮም ፡ ንከተማታት ከቢቦም ምስ ተቓለስቲ ሓማስ ጥቡቕ ናይ ከተማ ኲናት የካይዱ ኣለዉ ።

    ምክትል ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት እስራኤል ዝነበረ ኢታማር ያኣር ፡ "ኣብ ኢዶም ብዘላ ሰዓት ሒዞም ኣይሰርሑን እዮም ዘለዉ ፣ ነቲ ስርሒት ብሞያኦም ክገብርዎን፣ እንተ ኰነ ዋላ ሓንቲ ብናጻ ዝርከብ የለን ፡ ዝዀነ ይኹን ጕድኣት ምእንቲ ኸየጋጥሞም በብደረጃኡ ክጽዕሩ ኣለዎም" በለ ።

    ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኣዘዝቲ ናይቲ ኣቐዲሙ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ምክልኻል እስራኤል ዝነበረ ጉጅለ ጸጥታ ሓላፊ ኰይኑ ዘገልግል ዘሎ ያኣር ፡ ኣብዚ እዋን እዚ ፡ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ከምቲ ኣብ ጋዛ ዝተኻየዱ ስርሒታት ዝገብርዎ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ጸቕጢ ከም ዘየጋጠሞ ገሊጹ ።

    Destroyed buildings in Gaza
    እቲ ኣብ ደቡባዊ እስራኤል ኣብ ጥቓ ዶብ ጋዛ ዘሎ ቦታ ፡ ኣብ ዝባን መሬት ጋዛ ፡ ህንጻታት ብደብዳብ ነፈርቲ እስራኤል ከም ዝዓነወ ዝሕብር እዩ ። Source: Getty / Jack Guez

    2 min read

    Published

    Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

    Source: Reuters




    Share this with family and friends


    Follow SBS Tigrinya

    Download our apps

    Watch on SBS

    SBS World News

    Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

    Watch now