ብፖሊስ እስራኤል ዝተቐትለ ዘይዕጡቕ ስንኩል ፍልስጢኤማዊ፡ "ዘሕዝን" ክብል ቀ/ሚ ናታንያሁ ገሊጹ።

ፖሊስ እስራኤል ንሓደ ዘይዕጡቕ ሕማም ኦቲዝም ዝነበሮ ፍልስጢኤማዊ ተኲሶም ምስቀተልዎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ "ዘሕዝን ፍጻመ" ክብል ገሊጽዎ።

Protesters rally against Israel plans to annex parts of the West Bank, in Tel Aviv, Israel. On the right of the sign is a portrait of Eyad Hallaq.

Protesters rally against Israel plans to annex parts of the West Bank, in Tel Aviv, Israel. On the right of the sign is a portrait of Eyad Hallaq. Source: AP

ፖሊስ እስራኤል ንሓደ ዘይዕጡቕ ሕማም ኦቲዝም ዝነበሮ ፍልስጢኤማዊ ተኲሶም ምስቀተልዎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ናታንያሁ፡ "ዘሕዝን ፍጻመ" ክብል እንተገለጸኳ፡ ይቕረታ ግና ክሓትት ኣየደለየን።

ሚስተር ናታንያሁ ነዚ ዝበለ ኣብ የሩሳሌም ሓደ ኢያድ ሓላቕ ዝሓለፈ ሰሙን ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ እዩ።

እቲ ወዲ 32-ዓመት ከቢድ ሕማም ኦቲስም ዝነበሮ ፍልስጢኤማዊ፡ ብናይ ዶብ ፖሊስ እስራኤል ክሳብ ዉሽጢ ናይ ቀደም ከተማ የሩሳሌም ኣጓይዮም ብዳርባ ጠያይት ተኲሶም ቀቲሎሞ።

እቲ ፍጻመ ምስ ሞት ናይ ኣመሪካ ጆርጅ ፍሎይድ ብምትሕሓዝ ኣብ ፍልስጢኤማዊያን ዝወርድ ቅትለት ብምቅዋም ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ። ገለ ሰብ መዚ እስራኤል ናብቶም ኣብ ሓዘን ዝርከቡ ስድራቤት ሓላቕ በጺሖም ሓዘኖም ገሊጾም ኣለዉ።

Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu chairs the weekly cabinet meeting in Jerusalem, 07 June 2020.
Israeli Prime Minister Benjamin Netanyahu chairs the weekly cabinet meeting in Jerusalem, 07 June 2020. Source: EPA

ሓደ መዓልቲ ድሕሪቲ ቅትለት ዝተገብረ ናይ ካቢኔ ኣኼባ፡ ሚኒስተር ምክልኻልን በቲ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን ናይ እስራኤል መማረጺ ቀ/ሚ በኒ ጋንዝ በቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ይቕረታ ሓቲቱ። ኣብ ጎኑ ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ሚስተር ናታንያሁ ግና ኣብቲ እዋን ብዛዕባቲ ፍጻመ ብሒም ኣይበለን ኔሩ።

ሚስተር ናታንያሁ ከምዝገለጾ፡ ክሳብ ሎሚ ብዛዕባዚ ዘይምዝራቡ ውጽኢት መርመራ ይጽበ ብምንባሩ እዩ። ዘይከም ሚስተር ጋንትዝ ግን ይቕረታ ኣይሓተተን። ናይ እስራኤል ሚኒስተር ፍትሒ ክልተ ኣባላት ፖሊስ ኣብ ናይ ገዛ ማእሰርቲ ከምዝኣተዉ ብምሕባር ዝርዝር መግለጺ ኣይሃበን።

ኣብ ምዕራብ ባንክን ኣብቲ ኣሰሓሓቢ ምብራቕ የሩሳሌም ዝርከቡ ፍልስጢኤማዊያንን ኣዕራብ እስራኤላዊያን ግና እዚ ጉዳይ ነቲ ሓይሊታት እስራኤል ንጥርጡራት ኣዕራብ ክርእዩ ጥይት ተኲሶም ከምዝቐትሉ እዩ ይብሉ።

ቅትለ ሚዝተር ሓልቕ ኣብ መላእ እስራኤል ቁጠዐ ኣልዒሉ ኣብ ተል ኣቪቭ ትማሊ ለይቲ ስእሊ ናይ መዋቲ ብዝሓዙ ሰላማዊ ሰልፊ ተጌሩ።

በቲ ኣብ ኣመሪካ ዝግበር ዘሎ ተቓዉሞ ብምምስሳል "ህይወት ፍልስጢኤማዊያን የገድስ"  "Palestinian Lives Matter" ስእሊ ናይ ሓልቕን ጆርጅ ፍሎይድ ጎኒ ንጎኒ ሒዞም ሰልፈኛታት ተቓዉሞኦም ኣስሚዖም።


Share

2 min read

Published




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now