እስራኤላውያን ብረቡዕ ኣብቲ ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ዝርከብ ናባትያ ዝበሃል ናይ ኣውራጃ ርእሰ ከተማ ዝርከብ ህንጻ ቤት ማዘጋጃ ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ: ን ከንቲባ ኣሕመድ ካሊልን ካልኦት ብውሕዱ 15 ሰባትን ከም ዝተቕትሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሊባኖስ ሓቢሩ ።
ናይ ሊባኖስ ቀዳማይ ሚኒስተር ናጂብ ሚካቲ ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒንዎ ኣሎ: - "እዚ ሓድሽ መጥቃዕቲ እዚ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ተውረዶ ዘላ ኵሉ ገበናት ተደሚሩ: ደይ መደይ ኢላ ትገብሮ ዘላን፡ ዓለም ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ገበናት ስቕ ኢላ ምርኣያን ፣ እዚ ኣበሳን ገበንን ጸኒዓ ንኽትቅጽል ዘተባብዕ እዩ ።"
ልኡኽ እስራኤል ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ሰራዊት እስራኤል ንህዝቦላህ ዒላማ ይገብር ከም ዘሎ ድሕሪ ምግላጹ ፡ ኣብ ከባቢ ናባጥያ ሓያሎ ዒላማታት ሕዝቦላህ ወቒዑ ፡ ትሕተ-ቅርጺ ምድሪ ከም እተዳኸመ ገሊጹ ።

እስራኤል ነቲ ኣብ ሊባኖስ ብኢራን ዝድገፍ ሕዝቦላህ ከምኡውን ንፍልስጤማውያን ወተሃደራት ሓማስ ኣብ ጋዛ ኣብ እተካይዶ ውግእ ፡ ቍጽሪ ሞትን ኣብቲ ዞባ ምሉእ ውግእን ኸይውስኽ ስግኣት እኳ እንተ ኣሎ ፡ እቲ ውግእ ግን ይቕጽል ኣሎ ።
እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል ምስ ሰራዊት ምድሪ እስራኤል ብምትሕብባር ኣብ ደቡባዊ ሊባኖስ ሓያሎ ዒላማታት ሕዝቦላህ ወቒዖም ኣለዉ ክብል ሰራዊት እስራኤል ብረቡዕ ሓቢሩ ።
ሒደት ሰዓታት ኣቐዲሙ ፡ ኣብ ደቡባዊ ክፋል በይሩት ፡ ሓደ እስራኤላዊ እንተ ወሓደ በቲ መጥቃዕቲ ከም እተቐትለ ፡ ሮይተርስ ዝጸብጸበ ኮይኑ ፡እዚ መጥቃዕቲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ርእሲ ከተማ ሊባኖስ ዝግበር ዘሎ መጥቃዕቲ እስራኤል ከም እትቃወሞ ድሕሪ ምግላጻ እዩ ።

