ሓደ ካብ 20 ሓደሽቲ ተመርዓውቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ኮይኖም።

ኣብ 2018 ካብ ዝትመርዓዉ 119,188 እቶም 6538 ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ተጻመድቲ ምዃኖም ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ዘውጽ ኦ ጸብጻብ ኣረጋጊጹ ኣሎ።

Investigadores australianos identifican mejor rendimiento escolar entre niños de parejas del mismo sexo

Investigadores australianos identifican mejor rendimiento escolar entre niños de parejas del mismo sexo Source: Getty Images

ኣብ 2018 ል ዕሊ 6500 ተመሳሳሊ ጾታ ተጻመድቲ ቃል ኪዳን ብምእሳር  5.5 ሚእታዊ ካብ መርዓታት ኣብ ኣውስትራሊያ ከምዝበጽሐ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ኣፍሊጡ።

 61.6 ሚእታዊ ኣውስትራሊያዊያን እወ ይኹን ኢሎም ድምጾም ድሕሪ ምሃቦም፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2017 ፓርላማ ኣውስትራሊያ መርዓ ተመሳሰልቲ ሰባት (Gay marriage) ሕጋዊ ምዃኑ ኣዊጁ።  legislation cleared federal parliament in December 2017.

ብረቡዕ ዝወጸ ናይ ቤት ጽሕፈት ስታትስቲክስ ኣውስትራሊያ ከምዝሕብሮ ካብቶም ኣብ 2018 ቃል ኪዳን ዝ ኣሰሩ 111,188 እቶም 6538 ተጻመድቲ ተመሳሳሊ ጾታ ምንባሮም ይገልጽ።

ክፍለ ግዝኣት NSW 2290 ተጻመድቲ ተመሳሰልቲ ጾታ ቃል ኪዳን ብምእሳር ኣብ ቐዳማይ ተርታ ዝተሰርዐት ክፍለ ግዝ ኣት እያ።  ክፍለግዝ ኣት  ACT  8.3 ሚእታዊ ካብ ተመራዓውቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ተጻመድቲ ኔሮም።

ናይ Liberal ከተማ ሲድኒ ካውንስለር Christine Forster - ምስ መጻምድታ Virginia Flitcroft ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2018 - ቃል ኪዳን ዝ ኣሰረት ኮይና ናይ ተመሳሳሊ ጾታ መር ዓ ሕጋዊ ክኸውን ካብዝቃለሱ ዝነበረት ሰብ እያ።

"ንብዙሕ ዓመታት ብሕጋዊ መገዲ ክንምርዖ ክንጽበ ኢና ጸኒሕና።" ክትብል Ms Forster ን AAP ብረቡዕ ገሊጻ።

"ርግጸኛ ኮይነ ክዛረቦ ዝደሊ እዚ ብዝሒ ዝመጸ ንነዊሕ እዋን እቲ ጉዳይ ሕጋዊ ክኸውን ክጽበዩ ዝጸንሑ እሞ ምስኮነ ብቕልጡፍ ክምር ዓዉ ብምጉያዮም እዩ።"
Virginia Flitcroft and Christine Forster arrive for a tribute dinner for former prime minister Tony Abbott at the Miramare Gardens in Sydney.
Virginia Flitcroft and Christine Forster arrive for a tribute dinner for former prime minister Tony Abbott at the Miramare Gardens in Sydney. Source: AAP
ኣብዝመጽ እ ዉሑድ ዓመታት እቲ ቁጽሪ ክጎድል ይኽእል እዩ። እንተኾነ ምጽማድ ኣካል ናይ ደቂ ሰባት ባህርይ እዩ።

Ms Forster ከምትገልጾ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ሰባት ክምርዓዉ ምፍቃድ ን ኣውስትራሊያን ንገዛእ ርእሳን ናብዝሓሸ ኩነታት ከምዘሳገረ ትገልጽ።

ብ ኣውስትራሊያ ደረጃ 57.8 ሚእታዊ ኣብ 2018 ቃልኪዳን ዝ ኣሰሩ ተጻመድቲ ደቂ ኣንስትዮ ተመሳሳሊ ጾታ ኮይነን እቶም ዝተረፉ 42.2 ሚእታዊ ድማ ደቂ ተባዕትዮ ተመሳሳሊ ጾታ ምዃኖም ጸብጻብ ABS ይገልጽ።

 98.9 ሚእታዊ ካብ ተመራዓውቲ ብ ኣእሰርቲ ቃል ኪዳን ዝተፈጸመ ናይ መርዓ ቃል ኪዳን ምእሳር ስነስርዓት ኮይኑ  1.1 ሚእታዊ ጥራይ እዮም ብመራሕቲ ሃይማኖት ቃል ኪዳን ኣሲሮም።

 


Share

Published


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሓደ ካብ 20 ሓደሽቲ ተመርዓውቲ ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ኮይኖም። | SBS Tigrinya