ብፍሉይ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እንተዘይተረኺቡ፡ ኣብ ዝቕጽል ዉሑድ ኣዋርሕ ንመግዝኢ ነዳዲን መድሃኒት እንተዘይኮይኑ ቁጠባ ኢትዮጵያ ዝጠልቦ እኹል ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዘይህሉ ኣማሓዳሪ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ኣፍልጡ።
ዶ/ር ይናገር ደሴ ናይዚ ዓመት በጀት ናይ ሾመንት ኣዋርሕ ጸብጻብ ስራሕ ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣብዘቕረቦ ጸብጻብ እዩ ኢትዮጵያ ከቢድ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ሕጽረት ኣጋጢምዋ ከምዘሎ ገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፉ ሾመንት አኣዋርሕ ኢትዮጵያ ናብ ናይ ወጻኢ ዕዳጋ ካብ ዘቕረበቶ ሸቐጥን ኣገልግሎትን 1.64 ቢሊዮን ዶላር ኣታዊ ከምዝረኸበት፡ እቲ ኣመሓዳሪ ብሄራዊ ባንክ ኣብ ጸብጻቡ ሓቢሩ። ምስቲ ኣብ ተመሳሳሊ አዋን ዝሓለፈ ዓመት ዝተረኽበ ኣታዊ ክነጻጸር ብ9.4 ከምዝጎደለ ተገሊጹ። ካብ ዉልቀ ሰባትን ዘይመንግስታዊያን ትካላት ብሓዋላ ዝተላእከ ኣታዊ ብሓፈሻ 3.8 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኾነውን እቲ ጸብጻብ ኣረዲኡ።
ብመንጽር እዚ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ንተእትዎ እታዋት 10.5 ቢሊዮን ዶላር ወጻኢ ተጌሩ፡ እዚ ወጻኢ ምስናይ ዝሓለፈ ዓመት ክነጻጸርከሎ ብ1.3 ሚእታዊ ፍልልይ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብናይ ወጻኢ ሸርፊ ወጻኢ ካብ ተገብረሉ ንነዳዲ 1.7 ቢሊዮን ዶላር እቲ ዝለዓለ ወጻኢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
በዚ መሰረት ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ናብ ሃገር ዝኣቱ ዕድጊ ዝወጸ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ምስቲ ናብ ወጻኢ ብሰደድ ዝተላእከ ዝተረኽበ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ክነጻጸርከሎ ናይ 8.9 ቢሊዮን ዶላር ጉድለት ሚዛን ንግዲ ከምዘርኣየ እቲ ናይቲ ኣማሓዳሪ ባንኪ ጸብጻብ ኣፍሊጡ። እቲ ዝተራእየ ጉድለት ካብ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ኣየር፥ ካብ ወጻኢ ብዝተላእከ ሓዋላን ብሓገዝ ካብተዋህበ ዝተረኽበ ከምተሸፈነ ኣመልኪቱ።
ኣብዚ እዋን ንመሐለውታ ተዋህሊሉ ዘሎ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ናይ 2.6 ኣዋርሕ ጠለብ ጥራይ ንምምላእ ዘኽአል ከምዝኾነ ተገሊጹ ኣሎ።
ማሕበረሰብ ንግዲ በዚ ዘሎ ሕጽረት ሸርፊ የማርር ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ቅልጡፍ ፍታሕ ከናዲ እቲ ናይ ብሄራዊ ባንክ ኣማሓዳሪ ሓቲቱ።
ክሳብሕጂ ነታ ሃገር ከንቀሳቕሳ ዝጸንሐ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ካብ ሃገራት ወጻኢ ተዘራሪቡ ዝረኸቢ 2.7 ቢሊዮን ዶላር ከምዝኾነ ኣብቲ ምቕራብ ጸብጻብ ተገሊጹ። ብተመሳሳሊ ኣብዝቕጽል ኣዋርሕ በቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ጻዕሪ እንተዘይተጌሩ ነቲ ቁጠባ ዘንቀሳቕስ ናይ ወጻኢ ሸርፊ ከምዘየለ ኣጠንቂቑ።
"እንተዘይኮይኑ ዘለና ኣማራጺ እቲ ተሪፉ ዘሎና ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንመግዝኢ ነዳዲን መድሃኒትን ብጥንቃቐ ከነውዕሎ ክንግደድ ኢና።” ክብል እቲ ኣማሓዳሪ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣጠንቂቑ።
ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ቀዳማይ ሚስተር ኢትዮጵያ ንጋዜጠኛታት ኣብዘስምዖ ዘረባ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ናይ ቁጠባ ቅልውላው ኣትያ ከምዘላ ኣሚቱ ኔሩ። ስልጣን ኣብዝተረከበሉ እዋን ናይ 20 ቢሊዮን ብር ናይ ደሞዝ ሕቶ ከምዝቐረበሉን እታ ሃገር ድማ ነዚ ጠለብ ንምምላስ ዓቕሚ ከምዘይነበራን ብዙሓት ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ደው ክብሉ ተገዲዶም ኢትዮጵያ ንዝለዓለ ናይ ሃብቲ ክሳራ ከምዘውደቓ ገሊጹ። ከም ምስ ቻይና ዝበላ ምስ ሓገዝቲ ሃገራት ብዝገበሮ ምርድዳእ ነቲ ዝገጠሞ ጸገም ከቃልል ከምዝፈተነ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ምስ ጋዜጠኛታት ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
ብዘይካዚ ኣማሓዳሪ ብሄራዊ ባንክ ኢትዮጵያ ዶ/ር ይናገር ደሴ ልምዓት ባንክ ኢትዮጵያ ኣብዚ ናይዚ ዓመት ባጀት ብድምር 46.17 ቢሊዮን ብር ልቓሕ ተዋህሊሉ ከምዘሎ ገሊጹ። ካብዚ ዘይምለስን ንምምላስ ኣጠራጣሪ ዝኾነ ዝተዋህበ ልቓሕ ካብቲ ብልቓሕ ዝተዋህበ ገንዘብ 39.45 ካብ ሚእቲ ከምዝበጽሐ ኣፍሊጡ። እዚ ማለት ካብቲ ልምዓት ባንኪ ዘለቅሖ 18.1 ቢሊዮን ብር ዝኸውን ክምለስ ዘይክእልን ንምምላስ ኣጠራጣሪ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

