ናይ ኢትዮጵያ ፈተውቲ ዝኾና ጂቡቲን ኤርትራን ኣብ መንጎኤን ዘሎ ዘይምርድዳእ: ኢትዮጵያ ክትሽምግል ድልውቲ ከምዘላ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ መለስ አለም ከምዝገለጸ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ገሊጸን።
ኢትዮጵያ ዘቕረበቶ ናይ ዕርቂ ጻዊዒት ብጂቡቲ ተቐባልነት ከምዝረኸበ እቲ ወሃቢ ቃል ገሊጹ።
ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ጸገም ድሕሪ ምፍትሐን፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ናይ ሰላም ሸውሃት ተኸፊቱ ከምዘሎውን እቲ በዓል ስልጣን ኢትዮጵያ ገሊጹ።
Share

