SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያ፡ ንሶርያ ቀዲማ ኣብ ዉሽጢ ዓዲ ዝበዝሐ ህዝቢ ብምፍንቓል ኣብ ዓለም ቀዳማይቲ ሃገር ኮይና።

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ 1.4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ብምፍንቓሎም፡ ኢትዮጵያ ንሶርያን ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ መሪሓ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ዝተፈናቐልዋ ሃገር ኮይና ኣላ።

News
Source: UN

2 min read

Published


Skip to article content

ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2018፡ ሚሊዮናት ሰባት ካብ መረበቶም ከምተፈናቐሉ ኣብዚ ቕነ ዝወጸ ጸብጻብ ናይ ኣህጉራዊ ማእከል ምክትታል ኣብ ውሽጢ ዓዶም ዝፈናቕሉ ማለት the Internal Displacement Monitoring Centre (IDMC) ገሊጹ። ብዓለም ደረጃ ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ጥራይ  5.2 ሚሊዮን ሓደስቲ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ብሰብኪ ኲናትን ግጭትን ተፈናቒሎም ይርከቡ።

ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ኣብ ኢትዮጵያ 1.4 ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ብምፍንቓሎም፡ ኢትዮጵያ ንሶርያን ደሞክራሲያዊ ሪፑብሊክ ኮንጎ መሪሓ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሑ ኣብ ውሽጢ ዓዶም ዝተፈናቐልዋ ሃገር ኮይና ኣላ። ሶማሊያን ደቡብ ሱዳንን’ውን ካብተን ኣብ ቀዳሞት 10 ሃገራት ዝበዝሐ ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ዓዶም ዝተፈናቐልዎን ሃገራት ኮይነን ኣለዋ።  ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ኣብ ዉሽጢ ሃገሮም ብብዝሒ ዝተፈናቐሉወን ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ እየን። ኣብ ኬንያ፡ ሶማሊያ፡ ኢትዮጵያን ኡጋንዳን  ብዘጋጠመ ናይ ዉሒዝ ጸገም፡ ኣብ ሶማል ብዘጋጠመ ደርቂን ተወሰኽቲ ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ በዚ ጸገማት ካብ ሃገራት ምብራቕ ዝተፈናቐሉ ህዝቢ ኣለዉ።

ብመሰረት እቲ ጸብጻብ ምስ ባህርያዊ ሓደጋ ዝተሓሓዝ ካብ 110 ሃገራትን ግዝኣታትን ተወሰኽቲ 3.3 ሚሊዮን ህዝቢ ተፈናቒሎም ይርከቡ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ኣብ ህንዲ ብዘጋጠመ ህቦቡላዊ ማዕበል ልዕሊ 370,000 ህዝቢ ተጸልዮም እዮም። እቲ ባህርያዊ ሓደጋ ኣብ ወርሓት ሓምለን ነሓሰን ብምቕጻሉ ኣብ ካራላ ኣብ ዝርከብ መዕቀሊታት ልዕሊ 1.4 ሚሊዮን ህዝቢ ተዓቑቡ ከምዘሎ መንግስታዊ ጸብጻባት ይሕብሩ።

መንፈቓዊ ጸብጻብ IDMC’ ከምዝሓበሮ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ናይ ጌዶንን ጉጂን ዞባታት ብዝተኸስተ ሓዲሽ ግጭት ልዕሊ ሓደ ሚሊዮን ህዝቢ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ  ተፈናቒሎም ኣለዉ።  አቲ ኣብ መወዳእይታ ናይ 2017 ኣብ ዉሽጣዊ ዶባት ክልል ሶማሊያን ኦሮሞን ዝተፈጥረ ግጭት ኣብዚ ዓመት’ውን ስለዝቐጸለ አቲ ዉሽጣዊ ምፍንቓል ቀጺሉ አዩ።

ኣብ የመን ን 4 ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ኣብ ዓለም ዝኸፍኤ ሰብኣዊ ቅልውላው ክፈጥር ኪኢሉ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ ብውሕዱ, 140,000 ሓደሽቲ ተፈናቐልቲ ህዝቢ ተፈጢሮም ኣለዉ።

ብሰንኪ ኣብ ህንዲ ዝተኸስተ ናይ ኢልኒኖ ንፋስ፡ ኣብ ወርሓት ሚያዚያን ጉንቦትን ኣብ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ብዘጋጠመ ከቢድ ውሒጅ ኣስታት ሓደ ሚሊዮን ተወሰኽቲ ኣብ ዉሽጢ ዓዶም ክፈናቐሉ ኪኢሎም ኣለዉ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now