ዝሓለፈ ሰሙን ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ድማ ኣብ ግምባር ሽራሮ ዝነበረ ሰራዊታ ከተውጽእ ከምዝጀመረት፡ ብዙሓት ኣውቶቡሳትን ኦራል ዝዓይነተን ወታደራዊ ናይ ጽዕነት ተሽከርከርቲ ሰራዊት ጽዒነን ካብቲ ቦታ ይንቀሳቐሳ ኣለዋ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ማሕበራዊ ሜዲያታት ተዘርጊሑ ቀኒዩ እዩ።
ብዛዕባቲ ጉዳይ ዝምልከት ሚኒስተር ምክልኻል ኣቶ ሞቱማ መቃሳ ተሓቲቱ እቲ ሓበሬታ ሓሶት እዩ ኢሉ ከምዝገለጸ ጋዜጣ ሪፖርተር ኢትዮጵያ ጸብጺቡ።
“ኣብ ግምባር ሽራሮ ምንቅስቓስ ነይሩ እዩ እንተኾነ ልሙድ ኣሰራርሓ እዩ” ክብል እቲ ሚኒስተር ንሪፖርተር ገሊጽሉ፡፡
ኢትዮጵያን ኤርትራን ንክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ናይ ጽልኢ መንፈስ ጸኒሐን፡ ድሕሪ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጻእ ሰላም ሰፊኑ ብዛዕባ ናይ ቁጠባን ሰላማዊ ጉርብትናኤን ክቕጽላ እንተተሰማማዓ’ኳ፡ ዛጊት ብዛዕባ ዶብ ዝምልከት ከምዘይተዘራረቡ እቲ ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ኢትዮጵያ ገሊጹ እዩ።
“ዛጊት ክልቲኤን ሃገራት ወተሃደራተን ካብ ዶባት ከልዕላ ዝተፈራረማኦ ስምምዕ የለን።” ክብል ሚኒስተር ምክልኻል ኢትዮጵያ አቶ ሞቱማ ኣረጋጊጹ ኣሎ፡፡
ክልቲኤን ሃገራት ዝምድናኤን ዝጀመራ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወደግ ናይ ኣልጄርስ ስምምዕ ብዘይቅመ ኩነት ምሉእ ብምሉእ ከምተቐበሎ ድሕሪ ምፍላጡ እዩ። እንተኾነ ነቲ ስምምዕ ተግባራዊ ንምግባር ዝተጀመረ ስራሕ ስለዘየለ፡ ካብቲ ዶባት ሰራዊት ምልዓል ምንቅስቓሳት ክህሉ ኣይክእልን እዩ ክብሉ ነቲ ኩነታት ብቐረባ ዝከታተልዎ ከምዝገልጹ እቲ ናይ ሪፖርተር ዜና ወሲኹ ገሊጹ።

