SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ናይ ሰላም ስምምዕ ተፈራሪመን

ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ነቲ ብኢራን ዝምራሕ ናይ ሖቲ ሓይሊ ኣብ የመን ንምጭፍላቕ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ንኽሳተፋ ከም ስልቲ ወሲደን ነዘን ሃገራት ኣረጋጊኤን ኣብ ጎነን ንምስላፍ ዝገብራኦ ዘለዋ ላዕሊ ታሕቲ ምዃኑ ተንተኒ እቲ ዞባ ይገልጹ።

News
Source: AAP

2 min read

Published


Skip to article content

 

ካብ ሱዕዲ ዓረብ ዝተረኽበ ሓበሬታ እተን ንኣስታት 20 ዓመታት ተባኢሰን ደም ዝተፋሰሳ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሃገራት ታሪኻዊ ዝተባህለ ናይ ሰላም ስምምዕ ፈሪመን ኣለዋ።

እቲ ኣብ ጂዳ ዝተፈረመ “ናይ ሰላም ዉዕል” ብዝብል ስም ይወሃቦ እምበር፡ ዛጊት ዝርዝር ትሕዝቶ እቲ ስምምዕ ኣይተፈልጠን። ሰብ መዚ ሱዕዲ ዓረብ ግና እቲ ስምምዕ ኣብቲ ዞባ ጸጥታ ዘጠናኽር እዩ ኢሎሞ ኣለዎ።

ናይ ሱዕዲ ንጉስ ሳልማን ነቲ ስምምዕ ዘአንገደ ኮይኑ ኣብቲ ስነስርዓት ናይ ወዱ ንንጉስ ሳልማን ል ኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ዋና ጸሓፊ ኣንቶኒዮ ጉተረዝ ተረኺቡ ነይሩ።

"እዚ ሎሚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተፈረመ ውዕል ናይዚ ዞባ ጸጥታን ምርግጋእ ኣበርክቶ ክህልዎ እዩ።” ክብል ናይ ሱዕዲ ዓረብ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣደል ኣል ጁቤር ንጋዜጠኛታት ተዛሪቡ።

ከምዝፍለጥ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ናይ ኤርትራ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሓምለ ነቲ ኣብ 1998 ዝጀመረ ባእሲ ክልቲኤን ሃገራት ደው ዘብል ስምምዕ ተፈራሪሞም ነይሮም እዮም።

ጎድኒ ጎድኒ ናይዚ ናይ ጀዳ ስምምዕ፡ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ  ኣብ መንጎ ፕረሲደንትታት ኤርትራን ጂቡቲን ንሰሉስ ናይ ሰላም ዘተ ክግበር ከምዝኽእል ተፈሊጡ ኣሎ።

መንግስቲ ኤርትራ፡ ምስ ጂቡቲ ባእሲ የብልናን ብምባል ክኽሕድ’ኳ እንተጸንሐ፡ ጂቡቲን ኤርትራን ልዕሊ 10 ዓመት ዝገበረ ምስሕሓብ ጸኒሕወን እዩ።

"ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ተስፋ ሰላም ይነፍስ ኣሎ።” ክብል ዋና ጸሓፊ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራትሚስተር ጉተረዝ ነዚ ምዕባለ ገሊጽዎ ኣሎ።

ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ነቲ ብኢራን ዝምራሕ ናይ ሖቲ ሓይሊ ኣብ የመን ንምጭፍላቕ፡ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብዚ ጉዳይ ንኽሳተፋ ከም ስልቲ ወሲደን ነዘን ሃገራት ኣረጋጊኤን ኣብ ጎነን ንምስላፍ ዝገብራኦ ዘለዋ ላዕሊ ታሕቲ ምዃኑ ተንተኒ እቲ ዞባ ይገልጹ።

ኣብ የመን ዝግበር ዘሎ ኲናት ንምሕጋዝ ሱዕዲ ዓረብን ሕቡራት ሃገራት ኢማራትን ኣብ ዓሰብ ወተሃደራዊ ማዕስከር ከምዝደኮና ይግለጽ።

ካብዚ ስምምዕ ሰላም ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ጂዳ ከይውጻእና፡ ወዱ ንፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ ሚኒስተራት ተሰሪዑ ኣብቲ ስነስርዓት ምርካቡ፡ ኣብ ማሕበራዊ መዲያ  ንብዙሓት ኤርትራዊያን መዛረቢ ኣርእስቲ ኮይኑ ዊዒሉ ኣሎ። ኣብርሃም ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ከም ሓደ በዓል ስልጣን ንፈለማ እዋን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ንሃገር ወኪልካ ዝግበር ስነስርዓት ምርካቡ፡ “እቲ ፕረሲደንት ስልጣኑ ንወዱ ከረርከቦ ስለዝደሊ ንህዝቢ የለማምዶ ኣሎ።” ብምባል ብዙሓት ርእይቶኦም ይህቡ ኣለዉ። ኣብዝሓለፈ ስነስርዓት ምኽፋት ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያንውን ወዱ ነቲ ፕረሲደንት ጎድኒ ጎድኒ ሰብመዚ ክልቲኤን ሃገራት ምርኣዩ ናይዚ ትዕዝብቲ ተወሳኺ  መርትዖ ገይሮም ዝወስድዎ ውን ኣይተሳእኑን።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now