መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ወደባት ኤርትራ ዘራኽብ መገዲ ባቡር ንምህናጽ መባእታዊ መጽናዕቲ ከምዝጀመረ ግሎባል ኮንስትራክሽን ረቪው ዝበሃል ማዕከን ዜና ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ዝዘርግሖ ዜና ገሊጹ።
እቲ መጽናዕቲ ከምዝጀመረን ነዚ ፕሮጀክት ንምድጋፍ ባንክ ዓለም ኣብ ድሕሪት ናይቲ ፕሮጀክት ከምዘሎን ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ ጠቒሱ ዝተገልጸ ጸብጻብ: እቲ መገዲ ባቡር መርበባት ኢትዮጵያ ምስ ወደባት ዓሰብን ባጽዕን ዘራኽብ ክኸውን እዩ።
ሚኒስተር ፋይናንስ ኢትዮጵያ ኣሕመድ ሽደ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተገብረ ዋዕላ ቢዝነስ ኢትዮጵያ-ጣልያን ነዚ ከምዝገለጸን ናይ ጣልያን ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢማኑኤላ ደል ረ ብወገና መንግስቲ ጥልያን ኣብቲ ፕሮጀክት ተራ ንኽህልዎ ኣብ ግምት ዘእትዎ ጉዳይ ክኸውን እዩ ኢላ።
ከምዝፍለጥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ዝሓለፈ ጥሪ ናብ ዓዲ ጥልያን ኣብዝበጽሓሉ እዋን፡ መንግስቲ ጥልያን ነቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ባጽዕ ዝዝርጋሕ ምህናጽ መገዲ ባቡር ሓገዝ ከምዝገብር ቃል ኣትዩ ኔሩ እዩ።
እዚ ፕሮጀክት ሓደ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተገብረ ስምምዓት ከምዝኾነ እዩ ዝሕሰብ።

