ፕረሲደንት ኢማኑወል ማክሮን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝበጽሓሉ ዘሎ እዋን እዩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ርክብ ጌሩ ስምምዕ ተፈራሪሙ።
"እዚ ዓቢ ወተሃደራዊ ስምምዕ፡ ፈረንሳ ኣብዚ ኢትዮጵያ ክትሃንጾ ትደሊ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ክትሕግዝ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ።” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
እቲ ስምምዕ ብተወሳኺ፡ ናይ ኣየር ስምምዕን ካልእን ምትሕግጋዝ ዘጠቓልል እዩ።
ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ኤርትራ ነጻ ሃገር ድሕሪ ምዃና እዩ ተበቲኑ።
"ኣብዚ ኣብ መሓዛ ሃገር ዘለና፡ ነቲ ናይ ሓባር ታሪኽና ብሓድሽ ምዕራፍ ክንሃንጾን ከነደልድሎን ስለዝደለና ኢና። ንስኻ (ንዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ማለት እዩ) ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ትኸውን ራኢና ተቐይሩ እዩ።” ክብል ፕረሲደንት ማክሮን ገሊጹ፡፣
ክልቲኦም መራሕቲ ብተወሳኺ ንምዕቃብ ታሪካዊያን ኣብያተ ክርስትያን ዘጠቓለለ ናይ ኢትዮጵያ ባህላዊ ውርሻ ንምምዕባል ተሰማሚዖም። ኢትዮጵያ ንቑጠባኣ ንምምዕባል ንምሕጋዝ ናይ 100 ሚልዮን ዶላር ክትሕግዝ ምዃናውን ተፈሊጡ ኣሎ።

