SKIP TO MAIN CONTENT

ኢትዮጵያዊያንን ኤርትራውያንን ዝርከብዎም 146 ሓተትቲ ዑቕባ ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ተወሲዶም።

ብዘይካዚ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሊብያ ኲናት ተወሊዕሉ ዘሎ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ 3,300 ሰባት ህይወቶም ናይ ሓደጋ ሞት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

News
Source: Abrham Fa

2 min read

Published

Source: DW


Skip to article content

ትማሊ ካብታ ብኲናት ትሕመስ ዘላ ሊብያ ከተማ ሚስራታ ዝርከብ ማዕርፎ ነፈርቲ ናብ ዓዲ ጥልያን ከተማ ሮ ዝርከብ ወተሃደራዊ ማዓስከር ተወሲዶም ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ዜጋታት ኤርትራ፡ ሶማሊያ፡ ሱዳንን ሶርያን ይርከብዎም።

ዝበዝሑ ካብቶም ዝተወስዱ ቆልዑን ኣለይቲ ዘይብሎም ህጻናት ከምዝርከብዎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ስደተኛታት ካብ 2017 ኣትሒዙ  ካብ ሊብያ ንሓምሻይ ግዚኡ ይወስድ ከምዘሎ ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን ሊብያ ብኲናት ትህወኸሉ ዘላ እዋን ነቶም ኣላዪ ስኢኖም ኣብ ጭንቂ ዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ንምሳድ ሃገረ ጣልያን ጥራይ ድልውቲ ምዃና ተገሊጹ ኣሎ። እቶም ኣላዪ  ስኢኖም ካብ ማእከል ኲናት ናይ ሊብያ ኲናት ዝሳቐዩ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ኣብ ግዚያዊ መዕቆቢ ኣብ ጥልያን ከምዝጸንሑን እቲ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ነቶም ኣብሓደጋ ሞት ዝጸንሑ ኣገዳሲ ስጉምቱ ምዃኑ  ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ፍሊፖ ግራንድ ኣፍሊጡ። ንሱ ብተወሳኺ ነቶም ሓደጋ ሞት ኣንጻላልይዎም ዘለዉ ዝተረፉ ኣጻሻሓት ስደተኛታት ካል ኦት ሃገራት ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳ ጸዊዑ።

ብዘይካዚ ናይ ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ብፍላይ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ዜጋታት ብህጹጽ ፍታሕ ክረኽቡ ጻዊዒት ኣቕሪቡ ኣሎ። ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን ኣብ ሊብያ ኲናት ተወሊዕሉ ዘሎ ከባቢታት ዝርከቡ ኣብያተ ማእሰርቲ 3,300 ሰባት ህይወቶም ናይ ሓደጋ ሞት ኣንጸላልይዎ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።  

ብ 23 ሚያዝያ 2019 ኣብ ቀሽር ቢን ቀሽር ዝነብሩ ሓኣተቲ ዑቕባ  ኣብ ሞንጎ ኩናት ተቀርቂሮም ክሳቀዩ ድሕሪ ምጽናሕ፡  ብሓባር ኮይኖም ናይ ሕማማት ክሰግዱ ተኣኪቦሙሉ ኣብ ዝነቦሩሉ ግዜ እቶም ዋርድያታት ጾሎትኩም ደው  ኣቢልኩም ሞባይልኩም ኣረኩቡ ዝብል ትእዛዝ ምስ ኣማሓላለፉ ንሳቶም ድማ ኣብቲ ማንም ውሕስነት ዘይብሉ በረኻ እተን እንኮ ምስ ዓለም ከራኽቦኦምን ዳሃዪም ዝነግራን ተሎፎናቶም እንድሕር  ኣረኪቦም እንታይ ከም ዝገጥሞም ስለ ዘይፈልጡ ከረኩቡዎም ኣይፈቐዱን። በዚ ዝተላዕለ ክርክር እቶም ዝሕልውዎም ዝነበሩ ዋርድያ ዝያዳ ሰራዊት ካብ ደገ ክመጹ ብምግባር እቶም ካብ ሰራዊት ጀነራል ኣፍጣር ዝኾኑ ዕጡቓት፡ ብጨካን ውሳነ ተዂሲ ከምዝኸፈትሎምን ብዙሓት ካብቶም ሓተቲ ዑቕባ ብጥይት ከምዝቖሰሉን ብስእሊ ኣደጊፎም ካብቲ ቦታ ልኢኾም ከምዝነበሩ ይፍለጥ።


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Stream now