ኢጣልያውያን 'ምብላዕ ፓስታ ናይ ምሕሳም' ኣድማ ክገብሩ ጻዊዒት ቀሪብሎም፡ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ፧ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።

ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ፡ ተጣበቕቲ 'ናይ ፓስታ ምብላዕ ምሕሳም' ክግበር ኣብ ዝድፋኣሉ ዘሎ እዋን ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ፡ ናይ ፓስታ ቅልውላው ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ ።

ቆልዓ ኣብ ቤት ምግቢ ስፓጌቲ እናበልዐት

ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ዋጋ ናይ ፓስታ ሰማይ ዓሪጉ እዩ፡ ተጣበቕቲ ዋጋታ ንምጉዳል ህዝቢ ምብላዕ ፓስታ ክሕረም ይጉስጉሱ ኣለዉ። Credit: Getty

Key Points

  • ኢጣልያ ብፓስታ ብምብላዕ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ እንተኾነት እኳ ፡ ዋጋታት ግን ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ ።
  • ተጣበቕቲ ሸማቶ ፡ ተሓታቲ ናይዚ ልዕሊ ዓቐን መኽሰብ ዝደልዩ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዘለዉ እዮም ይብሉ ።
  • ዋጋታት ንምውራድ 'ናይ ፓስታ ኣድማ' ክግበር ይደልዩ ኣለዉ ።

ኢጣልያ ብተጠቃምነት ፓስታ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ምዃና ዘገርም ኣይኮነን ፡ እንተኾነ እቶም ተጣበቕቲ ፡ ዋጋ እቲ ቀንዲ መግቢ ናይታ ሃገር ዝኾነ 'ፓስታ ምሕሳም' ክገብሩ ይጽውዑ ኣለዉ ።

ዋጋታት ስርናይ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ሰማይ ዓሪጉ እኳ እንተ ነበረ ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ፡ ኢጣልያውያን ነቲ ዝፈትውዎ ካርቦሃይድረይት ብዝያዳ ክሕሰምዎ ዝግደዱ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም ?

ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ኢጣልያ ናይ ኢንዱስትሪ ሚኒስተር ኣዶልፎ ኡርሶ ዋጋ ፓስታ ዕጽፊ ናይቲ ሃገራዊ መጠን ዝቕባበ ድሕሪ ምዝላሉ ናይ ቅልውላው ኣኼባ ጸዊዑ ነይሩ ።

ኣብ ኢጣልያ ዋጋ ፓስታ ኣብ ወርሒ መጋቢት 17.5 ሚእታዊት ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 16.5 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ፡ ካብ ሚኒስትሪ ንግዲ ኢጣልያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር ።

ኣብ ሚያዝያ ፡ ዝቕባበ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ ፡ ኣብ ዓመት ናብ 8.8 ደይቡ እዩ ። እዚ ብሓድሽ ናይ ጸዓት ወሰኽ ዝመጸ ዝቕባበ እዩ ።

ናህሪ ዋጋ ፓስታ ግን ምስቲ ዝሓስር ዘሎ መጠን ዋጋ ስርናይ ዝጋጮ እዩ ።

ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ኣብ መጋቢት 2022 ፡ ዋጋ ስርናይ ኣብ ዝለዓለ በጺሑ ነይሩ ፡ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገበረቶ ውግእ ኮይኑ ፡ ካብ ሓምለ 2021 ንደሓር ግና ፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ ነይሩ እዩ ።

ናይ ጥልያን ናይ ሸማታይ መሰላት ተጣበቕቲ ጉጅለ ኣሱረንቲ ነቲ ኢጣልያውያን ብሰንኪ ዘይተኣደነ መኽሰብ ናይቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፓስታ ዘጋጥሞም ዘሎ ልዑል ዋጋ ንምውራድ ናይ 'ፓስታ ምእዳም' ክዳሎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ ።

A chart showing the change in global wheat prices from January 2022 to April 2023
Credit: SBS News/Ken Macleod

"ዝዓበየ መኽሰብ ምእንቲ ክረክቡ ፡ ዋጋታት ኣኽቢሮሞ እዮም ። እቲ ምጥቃም ፓስታ ምስዝጎድል'ዮም ነቲ ዋጋ ዘጉድልዎ "ብምባል ንሲ.ኤን.ቢ.ሲ. ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣሱረንቲ ሓቢሩ ።

እቶም ተጣበቕቲ ፡ ንመጠን ዋጋ ፓስታ ንምንካይ ፡ እንተ ወሓደ ን15 መዓልቲ ምሕሳም ምጥቃም ፓስታ ብምግባር ፡ ዋጋኦም ድማ ከም ዝንኪ ክግበር ይከኣልዩ ኢሎም ኣለዉ ።

እቲ 'ናይ ፓስታ ኣድማ "ስጕምቲ እንተ ዝወስድ: ከምቲ ኣብ 2007 ንሓደ መዓልቲ ፓስታ ምዕዳግ ብምሕራም ዝተገብረ ናይ ዳርጋ 20 ካብ ሚእቲ ናይ ዋጋ ምጉዳል ክገብር ዝከኣል'ዩ።

"ፓስታ ፡ ባኒ ፡ ጸባ - እዚኦም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገር እዮም ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ብ2007 ኣብ ሮማ ዝተገብረ ተቓውሞ እተሳተፉ ሰልፈኛታት ፡ "ንመጋብን እንጌራን እምበር ፡ ንጨናንን መጋየጽን ኣይኮናን ተሰሊፍና ዘለና" ኢሉ ነይሩ ።

ኢጣልያ ብምብላዕ ፓስታ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትመርሓ ከም ዘላ ካብ 2021 ዝወጸ ኣህጉራዊ ትካል ፓስታ (IPO) ሓበሬታ የመልክት ።

A chart showing the top five countries for pasta consumption per capita: Italy, Tunisia, Venezuela, Greece and Peru
Credit: SBS News/Ken Macleod

ኢጣልያውያን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓመት ብገምጋም 23.5 ኪሎ ፓስታ ይበልዕ ፣ እቲ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ፡ ቱኒዝያ ብ17ኪግ ፡ ቨነዝዌላ ብ15ኪግ ፡ ግሪኽ ብ12.2ኪግ ፡ ፔሩ ድማ ብ9.9ኪ.ግ ይመራርሓ ።

ኣብ 2021 ከባቢ 16.9 ሚልዮን ቶን ፓስታ ከም ዝፈረየ ፡ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ፓስታ IPO ሓበሬታ የመልክት ።

ናይ መንግስቲ ጥልያን ናይ ግንቦት ፓስታ ቅልውላው ዋዕላ ናይ ጥልያን ናይ መጀመርያ ኣኼባ ናይ ሓድሽ ናይ ዝቕባበ ኮሚተ ኮይኑ ፡ ናይ ህዝቢ ሰበስልጣንን ናይ ሸማቶ ማሕበራትን ዝሓቖፈ ኮይኑ ፡ ነቲ ፍልይ ዝበለ ናይ ዋጋ ምንቅስቓስ ክከታተል ብመንግስቲ ዝቖመ እዩ ።

ሓደ ተወካሊ ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ኢጣልያ ነቲ ኮሚተ ከም ዝሓበሮ ፡ ዋጋ ፓስታ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣጸቢቑ ከንቈልቍል ይኽእል እዩ ።


Share

3 min read

Published

By Isabelle Lane

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now