ኢጣልያውያን 'ምብላዕ ፓስታ ናይ ምሕሳም' ኣድማ ክገብሩ ጻዊዒት ቀሪብሎም፡ ንምንታይ ከምኡ ኮይኑ፧ ኣብዚ ቐሪቡ ኣሎ።

ናህሪ ዋጋታት ንምግታእ ፡ ተጣበቕቲ 'ናይ ፓስታ ምብላዕ ምሕሳም' ክግበር ኣብ ዝድፋኣሉ ዘሎ እዋን ፡ መንግስቲ ኢጣልያ ፡ ናይ ፓስታ ቅልውላው ኣኼባ ጸዊዑ ኣሎ ።

ቆልዓ ኣብ ቤት ምግቢ ስፓጌቲ እናበልዐት

ኣብዚ ቅሩብ ኣዋርሕ ዋጋ ናይ ፓስታ ሰማይ ዓሪጉ እዩ፡ ተጣበቕቲ ዋጋታ ንምጉዳል ህዝቢ ምብላዕ ፓስታ ክሕረም ይጉስጉሱ ኣለዉ። Credit: Getty

Key Points
  • ኢጣልያ ብፓስታ ብምብላዕ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ እንተኾነት እኳ ፡ ዋጋታት ግን ሰማይ ዓሪጉ ኣሎ ።
  • ተጣበቕቲ ሸማቶ ፡ ተሓታቲ ናይዚ ልዕሊ ዓቐን መኽሰብ ዝደልዩ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ዘለዉ እዮም ይብሉ ።
  • ዋጋታት ንምውራድ 'ናይ ፓስታ ኣድማ' ክግበር ይደልዩ ኣለዉ ።
ኢጣልያ ብተጠቃምነት ፓስታ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ምዃና ዘገርም ኣይኮነን ፡ እንተኾነ እቶም ተጣበቕቲ ፡ ዋጋ እቲ ቀንዲ መግቢ ናይታ ሃገር ዝኾነ 'ፓስታ ምሕሳም' ክገብሩ ይጽውዑ ኣለዉ ።
ዋጋታት ስርናይ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን እተካይዶ ዘላ ውግእ ሰማይ ዓሪጉ እኳ እንተ ነበረ ፡ ካብ ሽዑ ንነጀው ግን ፡ ኢጣልያውያን ነቲ ዝፈትውዎ ካርቦሃይድረይት ብዝያዳ ክሕሰምዎ ዝግደዱ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም ?
ኣቐድም ኣቢሉ ናይ ኢጣልያ ናይ ኢንዱስትሪ ሚኒስተር ኣዶልፎ ኡርሶ ዋጋ ፓስታ ዕጽፊ ናይቲ ሃገራዊ መጠን ዝቕባበ ድሕሪ ምዝላሉ ናይ ቅልውላው ኣኼባ ጸዊዑ ነይሩ ።
ኣብ ኢጣልያ ዋጋ ፓስታ ኣብ ወርሒ መጋቢት 17.5 ሚእታዊት ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ድማ 16.5 ሚእታዊት ከም ዝዓበየ ፡ ካብ ሚኒስትሪ ንግዲ ኢጣልያ ዝተረኽበ ሓበሬታ የነጽር ።
ኣብ ሚያዝያ ፡ ዝቕባበ እናወሰኸ ስለ ዝኸደ ፡ ኣብ ዓመት ናብ 8.8 ደይቡ እዩ ። እዚ ብሓድሽ ናይ ጸዓት ወሰኽ ዝመጸ ዝቕባበ እዩ ።

ናህሪ ዋጋ ፓስታ ግን ምስቲ ዝሓስር ዘሎ መጠን ዋጋ ስርናይ ዝጋጮ እዩ ።
ኣብ ውሽጢ ዓሰርተ ዓመት ኣብ መጋቢት 2022 ፡ ዋጋ ስርናይ ኣብ ዝለዓለ በጺሑ ነይሩ ፡ እዚ ኸኣ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝገበረቶ ውግእ ኮይኑ ፡ ካብ ሓምለ 2021 ንደሓር ግና ፡ ናብ ዝተሓተ ደረጃኡ ወሪዱ ነይሩ እዩ ።
ናይ ጥልያን ናይ ሸማታይ መሰላት ተጣበቕቲ ጉጅለ ኣሱረንቲ ነቲ ኢጣልያውያን ብሰንኪ ዘይተኣደነ መኽሰብ ናይቲ ኢንዱስትሪ ኣብ ፓስታ ዘጋጥሞም ዘሎ ልዑል ዋጋ ንምውራድ ናይ 'ፓስታ ምእዳም' ክዳሎ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ ።
A chart showing the change in global wheat prices from January 2022 to April 2023
Credit: SBS News/Ken Macleod
"ዝዓበየ መኽሰብ ምእንቲ ክረክቡ ፡ ዋጋታት ኣኽቢሮሞ እዮም ። እቲ ምጥቃም ፓስታ ምስዝጎድል'ዮም ነቲ ዋጋ ዘጉድልዎ "ብምባል ንሲ.ኤን.ቢ.ሲ. ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣሱረንቲ ሓቢሩ ።
እቶም ተጣበቕቲ ፡ ንመጠን ዋጋ ፓስታ ንምንካይ ፡ እንተ ወሓደ ን15 መዓልቲ ምሕሳም ምጥቃም ፓስታ ብምግባር ፡ ዋጋኦም ድማ ከም ዝንኪ ክግበር ይከኣልዩ ኢሎም ኣለዉ ።
እቲ 'ናይ ፓስታ ኣድማ "ስጕምቲ እንተ ዝወስድ: ከምቲ ኣብ 2007 ንሓደ መዓልቲ ፓስታ ምዕዳግ ብምሕራም ዝተገብረ ናይ ዳርጋ 20 ካብ ሚእቲ ናይ ዋጋ ምጉዳል ክገብር ዝከኣል'ዩ።

"ፓስታ ፡ ባኒ ፡ ጸባ - እዚኦም ኣዝዮም ኣገደስቲ ነገር እዮም ። ሓደ ካብቶም ኣብቲ ብ2007 ኣብ ሮማ ዝተገብረ ተቓውሞ እተሳተፉ ሰልፈኛታት ፡ "ንመጋብን እንጌራን እምበር ፡ ንጨናንን መጋየጽን ኣይኮናን ተሰሊፍና ዘለና" ኢሉ ነይሩ ።
ኢጣልያ ብምብላዕ ፓስታ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ደረጃ ሒዛ ትመርሓ ከም ዘላ ካብ 2021 ዝወጸ ኣህጉራዊ ትካል ፓስታ (IPO) ሓበሬታ የመልክት ።
A chart showing the top five countries for pasta consumption per capita: Italy, Tunisia, Venezuela, Greece and Peru
Credit: SBS News/Ken Macleod
ኢጣልያውያን ነፍሲ ወከፍ ኣብ ዓመት ብገምጋም 23.5 ኪሎ ፓስታ ይበልዕ ፣ እቲ ሓበሬታ ከም ዝሕብሮ ፡ ቱኒዝያ ብ17ኪግ ፡ ቨነዝዌላ ብ15ኪግ ፡ ግሪኽ ብ12.2ኪግ ፡ ፔሩ ድማ ብ9.9ኪ.ግ ይመራርሓ ።
ኣብ 2021 ከባቢ 16.9 ሚልዮን ቶን ፓስታ ከም ዝፈረየ ፡ እቲ ኣህጉራዊ ትካል ፓስታ IPO ሓበሬታ የመልክት ።
ናይ መንግስቲ ጥልያን ናይ ግንቦት ፓስታ ቅልውላው ዋዕላ ናይ ጥልያን ናይ መጀመርያ ኣኼባ ናይ ሓድሽ ናይ ዝቕባበ ኮሚተ ኮይኑ ፡ ናይ ህዝቢ ሰበስልጣንን ናይ ሸማቶ ማሕበራትን ዝሓቖፈ ኮይኑ ፡ ነቲ ፍልይ ዝበለ ናይ ዋጋ ምንቅስቓስ ክከታተል ብመንግስቲ ዝቖመ እዩ ።
ሓደ ተወካሊ ሃገራዊ ትካል ስታቲስቲክስ ኢጣልያ ነቲ ኮሚተ ከም ዝሓበሮ ፡ ዋጋ ፓስታ ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ ኣጸቢቑ ከንቈልቍል ይኽእል እዩ ።

Share

Published

By Isabelle Lane
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service