ሽዱሽተ ሰባት ብኮቪድ ኣብ መልበርን ምስ ተለኽፉ ሎሚ እቲ ቑጽሪ ናብ 15 ምስደየበ ኣብዝቕጽል 24 ሰዓታት ወሳኒ ኩነታት ከምዝኽሰት ተፈሊጡ።

ኣብ ሰሜን መልበርን ኮቪድ-19 ዓንኬል መልከፍቲ እናወሰኸ እንተ ከይዱ ፡ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ስፖርተኛታትን ኣብ ልዕሊ ካልእ ምትእኽኻባትን ቪክቶሪያ ዝያዳ ቀይድታት ክግበር ይከኣል'ዩ።

Acting Victorian Premier James Merlino with Victorian Chief Health Officer Brett Sutton during a press conference in Melbourne.

Acting Victorian Premier James Merlino with Victorian Chief Health Officer Brett Sutton during a press conference in Melbourne. Source: AAP

ናይ ቪክቶሪያ ግዚያዊ ፕሪመር ጄምስ መርሊኖ እታ ግዝኣት፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ለይቲ ኣብ ናይ ማሕበረሰባት መልከፍቲ ብኮቪድ-19 ዝተታሕዙ ካልኦት ሽዱሽተ ጉዳያት ድሕሪ ምምዝጋቡ ዝመጽእ 24 ሰዓታት ኣሻቓሊ ክኸውንን "ተወሳኺ ስጉምቲ" ክወስድ ከምዝክእል ይገልጽ ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስቲ ናይ መልበርን ናይ ኮሮናቫይረስ ክላስተር ዝተተሓሓዙ 15 ሰባት ኣለው ፤ ኣብ ግዝኣት ድማ እንተወሓደ 23 ንጡፍ መልከፍቲ ኣለው ።

ብረቡዕ ንግሆ ሚስተር መርሊኖ ኩሉ እቲ ዝተረጋገጸ ጉዳያት ምትእስሳር ከምዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ ፡ መንግስቲ ግን "ብቝጽሪን ብዓይነት እቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ቦታታትን ኣዝዩ ኣተሓሳሳቢ" እዩ።

ሓደ ካብቶም ኣብቲ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ክላስተር በቲ ሕማም ዝተታሕዙ ሰባት ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ዝተኻየደ ናይ AFL ግጥማት ተረኺቡ ኔሩ።

ሚስተር መርሊኖ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ሎሚ ንግሆ ምስ ኵሎም ሰባት ግሉጽ ክኸውን'የ ዝደሊ ። ፡ ተወሳኺ ስጕምቲ ክወስድ ይከኣል እዩ ፣ ኰይኑ ግና ፡ ንህዝቢ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ክንሕብር ኢና "ኢሉ ።

"ብፍላይ ኣብተን ቀጺለን ዘለዋ 24 ሰዓታት ወሳኒ እዩ ክበሃል ይከኣል እዩ ።"
እቲ ዝተበከለ ናይ AFL ተዓዛባይ ኣብቲ ብሰንበት 23 ግንቦት ኣብ ስተዲዮም ኤምሲጂ ዝተኻየደ ናይ ኮሊንዉድ ፖርት ኣዳላይድ ጸወታ ኣብ ዞን 4 ኮፍ ኢሉ ኔሩ ፡ ለቨል 1 ናይቲ ዓቢ ደቡባዊ መድረኽ ኣብ መወዳእታ መንገዲ ፑንት ዝነበረ እዩ ።

ኣብ ሓደ ከባቢ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ተዓዘብቲ ፡ ካብ ቲኬታትን ኮድታትን ሓበሬታ ተጠቒሞም ፡ ክፍሊ ጥዕና ቪክቶርያ ይርከቡ ኣለዉ ። ኣሉታዊ መርመራ ውጽኢት ክሳብ ዝረኽቡ ተነጽሎም ክጸንሑ ከድልዮም እዩ።

ካልኦት ኣብቲ ከባቢ ኮፍ ኢሎም ዝነበሩ ሰባት ፡ ምልክታት ሕማም እንተ ኣልይዎም ፡ ክምርመሩ ተነጊርዎም ኣሎ።
ሚስተር መርሊኖ ከምዝገልጾ ሰበመዚ እቶም ኣብቲ ስተዲዮም ዝዕዘቡ ናይ ዝነበሩ ብቕልጡፍ ሓበሬታ ክረኽቡ ከምዝኽኣሉ ድሕሪ ምግላፅ ምርመራ ክገብሩን ክፍለዩን ሓቢሮም ።

" AFL ን ናይ MCC ነዚ ኩነታት ተዳልዮምሉ እዮም። ኣብ መንጎ ጕጅለ ህዝባዊ ጥዕናናን ምሕደራ ስታዲዩምናን ንነዊኅ እዋን ሰፊሕ ዕዮ ተሰሪሑ እዩ " ኢሉ ።

ይኹን እምበር ፡ ገና ካልእ ተወሳኺ ስራሕ እውን ኣሎ ፣ ሰበ ስልጣን እውን ናይ CCTV ስእሊታትውን ይምርመሩ ኣለዉ።

"ነቲ ቃለ-መጠይቓትን ተወሳኺ ሓበሬታን ብቐጻሊ ኽንከታተሎ ኢና ፣ ሎሚ መዓልቲ ድማ ዝያዳ ኣኼባታት ክንገብር ኢና" ኢሉ።


Share

Published

By SBS News
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሽዱሽተ ሰባት ብኮቪድ ኣብ መልበርን ምስ ተለኽፉ ሎሚ እቲ ቑጽሪ ናብ 15 ምስደየበ ኣብዝቕጽል 24 ሰዓታት ወሳኒ ኩነታት ከምዝኽሰት ተፈሊጡ። | SBS Tigrinya