ሪቱ ዶናን ታኩማ ኣሳኖን ብዘመዝገብወን ናይ መወዳእታ ሸቶታት ጃፓን ኣብ ልዕሊ ጀርመን 2ብ1 ኣብ ዋንጫ ዓለም ብረቡዕ ስዒራ ።
እታ ናይ ኣርባዕተ እዋን ናይ ዋንጫ ዓለም ሻምፒዮን ጀርመን ፡ ብኢልካይ ጉንዶጋን ኣቢላ ክትረኽባ ዝሓሰበት ቅላዕ መቕጻዕቲ ናብ ዓወት ከምርሓ ተጸቢያ እኳ እንተ ነበረት፡ ግና ተኸሲራ ።
እቲ ዘሕዝን ፍጻመ ኣብ ኣብ ናይ 2018 ውድድር ዋንጫ ዓለም እታ ሰኦኣሪት ሻምፕዮን ኣብ ፈለማ ምድባት ብ መክሲኮን ድሒራ ድማ ብ ደቡብ ኮርያ ተሳዒራ ካብ ምድባ ምውጻኣ ዘዘኻኽራ ኮይኑ ኣሎ።

ናይ ጀርመን ካፕቴን ማኑዌል ኑዌር ፡ "እዚ ዓብዪ ጓህን ተስፋ ዘቑርጽን እዩ" በለ ።
"ንመጻረርትና ኣበርቲዕናዮም ። እቲ ናይ መወዳእታ ድሌት እዩ ዓብዪ ለውጢ ዝገብር ። ጃፓን ከምዝዕወቱ ኣሚኖም፡ ንሕና ኸኣ ክንመርሕ ንኽእል ኢና ኢልና " ።

