ጃስፐር ን ናይ ጾታ ብጻዩ ብ ኦንላይን (ቪርቹዋል ) እዩ ረኺብዎ ። ኣብ መጻኢ መጻምዲ ንምሓዝ በዚ መስመር ድዩ ክኸውን ?

ብርሑቕ ብመገዲ ኦንላይን ዝግበር ዝምድና እናተፈልጠ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ገለ ገለ ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ናብራ ኪሃንጹን ከለዉ ፡ ገሊኦም ግና ብኣካል ፈጺሞም ኣይራኸቡን እዮም ፡ ግን እዚ ሓደጋታት ኣለዎዶ ?

A man in a VR headset looking off to the side with a purple squiggle wrapped around his body.

ጃስፐር ምስ መጻምዱ ፡ ብVRChat ብዝብሃል ናይ ኦንላይን ( virtual reality ) መድረኽ ተራኸበ ። Source: SBS

እዚ ትሕዝቶ ጾታዊ ወይ ስጋዊ ግጭት ትሕዝቶ ኣለዎ።

ጃስፐር ዋናጃረን መጀመርታ ከምቲ መብዛሕትና እንገብሮ ዓይነት ርክብ'ዩ ንብጻዩ ኣብ ናይ ሓባር ኣዕሩኽ እዩ ረኺብዎ ።

እንተኾነ እቲ ምርኻብ ኣብ ክንዲ ከም ኣብ ባር ወይ ናይ ድራር ግብጃ ዝኸውን ፡ ብመገዲ ኦንላይን እዩ ነይሩ ።

ብ ኦንላይን ዝርርብ ኣብ ዝጀመርሉ፡ ጃስፐር ብዛዕባ ሓባራዊ ዘገድሶም ነገራት ፡ ከም ጸወታታት ኒንተንዶ ገይምስ ፡ ምፍራይ ሙዚቃን 3D ኣኒመሽንን ብዝምልከት ከዕልሉ ምስ ጀመሩ ፡ ዝምድናኦም እናዓበየ ክኸይድ ጀመረ ።

ጃስፐር ን The Feed ከም ዝሓበሮ "ክልቴና ብሓቂ ተፋቲና፡ ሓቀኛ ርክብ መስሪትና ኢና።" ።

ንሒደት ሰሙናት ርክቦም ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ ምስ ቀጸሉ ኣይዳን ንያስፐር ብ ኣካል ክራኸቡ ሓቲታቶ ።

Two canine-like virtual avatars embracing on the stairs in a VR world
አይደን (ጸጋመይቲ) ን ጃስፐር Jasper (የማናይ) ብናይ ኣቫተር መገዲ ኦንላይን ርክቦም ኣብ ዝቕጽሉ እዮም ንሓድሕዶም ፍቕሪ ተታሒዞም። Source: Supplied

ኣይዳን ተዘክሮኡ ክገልጽ ከሎ ፡ "'እወ" ምስ በለኒ ኣዝየ እየ ተገሪመ ።' ሕራይ ፡ እዚ ብሓቂ ክሰርሕ ይኽእል እዩ ኢለ እየ ዝኣምን "ድማ ኢለ ።

ወዲ 18 ዓመት ያስፐር ከምኡውን ወዲ 20 ዓመት ኣይዳን ሕጂ ተዛሚዶም ኣለዉ ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኣካል ይራኸቡ - ግን ከኣ 80 ኪ.ሜ. ርሒቖም ይነብሩን ብስራሕ ትሑዛት ብምዃኖም እቶም መጻምድቲ ብርሑቕ ብ VR. ዝያዳ ግዜ ብሓባር የሕልፉ ማለት ኣለዉ ።

ንሳቶም ዋላ ብ ርሑቕ ብሓይሊ ኦንላይን ክቋጸሩ፡ ክራኸቡ፡ ክሰዓዓሙን ክተሓቛቖፉን ይኽእሉ እዮም ።

ያስፐር ፡ "ብዘሎ እቲ ርክብ ዝበለጸ እዩ" በለ ።

"VR.. እንተዘይፍጠር ምስ ኣይዳን ኣይምተራኸብኩን ኔረ ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ርክብና እቲ ዝሓየለ ነገር እዩ ።"

ብ ርሑቕ ናይ ኦንላይን ወይ ብVR ጓል ወይ ወዲ ብኸመይ ክትቆጽር ይከኣል?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተመራማሪት VR ዝዀነት ኬት ክላርክ ፡ ፍቕራዊ ርክብ ክሳዕ ዝሃለወ ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ፡ እንተላይ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝግበር ጸወታታት ከም እተራእየ ትገልጽ ።

"'World of Warcraft' ዝበሃል ፡ ሰባት ምስ ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ፍቕራዊ ርክብ ክህልዎም ዝገብር ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ዓለም መርዓታት ይግበሩ ኣለዉ ፡ ብሓቂ እዚ ፍሉጥ ኣብነት እዩ" በለት ።

ጃስፐርን አይዳንን በቲ VRChat ዝበሃል ማሕበራዊ መራኸቢ VR ተራኾቦም ፣ እንተዀነ ግን: ከም ሆራይዞን ዎርልድስ ዝኣመሰሉ ብሜታ ዝካየዱ: ሳንሳር ከምኡውን NeosVR ዝበሉ ብዙሓት መሳርሒታት መራኸቢ ወይ መጻምድቲ ኣለዉ ።

ሓደ መንእሰይ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ካሜራ ፍሽኽ እናበለ ፡
Jasper (left) and Aidan have met in person and are officially dating. Source: Supplied

ምስ ሰባት ኣብ ኣቫታር ማሕበራዊ ርክብ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ ፣ ከም ኣብ ሓደ ናይ ቤተ-መዘክር ዙረት ምኻድ ፡ ኣብ ፌቤ ብሪዶገርስ ሙዚቃዊ ምርኢት ምስታፍ ፡ ቅብኣ ወይ ለይታዊ ትልሂት ምብጻሕ ዝኣመሰለ ንጥፈታት እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ ።

ጃስፐር ፡ እቲ ምስ ኣይዳን ዝገብሮ ርክብ ናይ ቪ.ኣር. ፡ መብዛሕትኡ ብሓባር ጸወታ ገይም ምጽዋት ፡ ፊልም ምርኣይ ፡ ወይ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓለም ሓቢርካ ምጽናሕ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ ።

"ኣብ VR ንኡስ ናይ ጎልፍ ጸወታ ክትጻወቱ ትኽእሉ ኢኹም ፡ ኣብ VR ቡን ከተፍልሑ ትኽእሉ ኢኹም ። ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ "በለ ።

A dimly lit VR nightclub, with virtual avatars dancing in front of a DJ and their turntables
VR nightclubs are popular spots for socialising, like Loner, which also operates real-life events in Melbourne. Source: YouTube / The Virtual Reality Show

ሓደ ፍሉጥ ናይ VR ለይታዊ ትልሂት Loner ዝበሃል እዩ። እዚ ኣብ መልበርን ናይ ሓቂ ዓለም ክለብ ዘካይድ እውን እዩ ። ኣብ ግዜ ዕጽዋ ኮቪድ-19 ፡ Loner እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምርኢታት ካብ ብኣካል ናብ ብ ኦንላይን ቀይርዎ ኔሩ እዩ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ይኽተልዎ ኣለዉ ።

ሚስ ክላርክ ከምትበሎ ፡ ክቡር ስለ ዝኾነ እቲ ቴክኖሎጂ ነቲ ዝምድና ክጅምሮ ይኽእል እዩ ። ምሉእ ዘይጉዱል ተመክሮ ምእንቲ ክህልወካ ፡ እቲ ናይ VR መሳርሂ 600 ዶላር ኣመሪካ እዩ ዋግኡ ካብ ኡ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ወጻኢታት ኣሎካ ።

"እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ እዋን ዝያዳ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝኽእል ገይረ እየ ዝሓስብ ፣ ዳርጋ ኣብ ብ ኦንላይን ዝግበር ዝምድና ኣብ ዘሎ ሃዋህው ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ርክብ ክውስኽ እዩ" በለት ።

"ልክእ ከም ዓርኪ ምሓዝ ኣፕሊኬሽንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ቪርቹዋል ክውንነት ሓደ ክፋል እቲ ኣብ ዕርክነት እንጥቀመሉ ቴክኖሎጂ እዩ... ።"

A woman with glasses in a black turtleneck looking slightly off-camera
Kate Clark is researching VR at Monash University. Source: SBS

ብ ኦንላይን VR ኣካላዊ ርክበ ስጋ ክፍጸም ይከኣል ድዩ?

ምስዕዓም ፡ ምትሕቑቛፍ ፡ ከምኡ "ውን ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብ ኦንላይን ወይ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ክውን ክኸውን ይኽእል እዩ ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ፡ ዋላ እኳ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም እንተዀኑ ፡ እቲ ናቶም ኣቫታር ኣብ ቪ ኣር ምስ ተንከፉ ፡ ኣካላዊ ስምዒት ከም ዝስምዖም ይሕብሩ እዮም ። እቲ ስምዒት ምስ 'ቲ ዝጥቀሙሉ ዘለው መሳርሒ ዘራኽብ የብሉን ።

ጃስፐር ፡ "ኣብ ቪርቹዋል ኩሉ ነገር ኣዚዩ ይስምዓኒ እዩ ።"

"ኣብ VR ምስዓም ብርግጽ ናይ ተፈጥሮ ምስዕዓም ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ፡ ምስ ኣይዳን ብርግጽ ኩሉ ግዜ ይተሓቛቝፈን ክልቴና ንሰዓዓምን ኢና ዝብል ሓሳብ እየ ኣማዕቢለ ።"

Left: two canine-like virtual avatars embracing in a VR forest world. Right: a man in a gaming chair embraces the air while wearing a VR headet and holding two controllers
Left: Aidan (left) and Jasper's (right) virtual avatars embracing in VR. Right: Jasper miming the embrace in real life. Source: SBS

ሚስ ክላርክ ከምትገልጾ ሳላ እቲ ፋንቶም ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተርእዮ እዩ ።

"ፋንቶም ሰንስ፡ ምስ ሓደ ናይ ፋልማይ መሓውር ዝመስል እዩ.. ምኽንያቱ እቲ ዝተቖርጸ መሓውር ኣካልኩምን መንነትኩምን ኣብ ሙሉእ ዓለም ከመይ ትንቀሳቐሱ ዝገብር እዩ ኔሩ" በለት ።

"ሰባት ካብቶም ኣቫታራት ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክህልዎም ይኽእል እዩ ።"

ይኹን እምበር ፡ ሚስ ክላርክ ፡ እቲ ስምዒት ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ካብ ምትንካፍ እተፈልየ ተመክሮ እዩ ።

"ኣካላዊ ስምዒት እኳ እንተ ተሰምዓካ: ምስቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ዘይፍለ ማለት ግን ኣይኰነን ።"

ኣይዳን ነቲ ናይ ፋንቶም ስምዒት ይስምዖ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ዝያዳ ግዜ ስለ ዘሕልፍ ግና ፡ ነቲ ኵነታት ይልውጦ እዩ ።

"ጃስፐር ካባይ ንላዕሊ ከም እተደሰተ ምፍላጠይ ኣየሰንብደንን እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ምሳይ ከምኡ ምግባሩ የሐጕሰኒ እዩ" በለ ።

A man wearing a VR headset, black zip-up suit and yellow gloves tests out haptic technology at a trade show.
Tech companies are developing haptic suits like this one by bHaptics, which enables users to feel touch in VR. Source: Getty / Alex Wong

ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ VR ምዝማድ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ ?

ናይ ኣውስትራልያ eSafety ኮሚሽነር ጁሊ ኢንማን ግራንት ፡ ነቶም ብ ቪርቹዋል ፍቕሪ ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ትመክር ።

ሚስ ኢንማን ግራንት ንThe Feed ከም ዝሓበረቶ ፡ "ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኣገልግሎት ምምሕዛው ፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣውስትራልያውያን ፡ ፍቕሪ ንኽረኽቡን ምስ ዝመስሎም ሰብ ክራኸቡ ይገብሮም ኣሎ" በለት ።

ይኹን እምበር ፡ ከምቲ ኣብ ኢንተርነት ካልኦት ዘይድለዩ ሰባት ክራኸቡን ብኢንተርነት ክረዳድኡን ዘኽእሎም ፡ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ እውን ሓደጋ ዘውርድ እዩ "በለት ።

እቲ ዲጂታላዊ ሓለዋ ፡ ንከም ሆሪዞን ዎርልድስ ፡ ቪክቶር ፡ ሮብሮሎክን ፎርኒትን ዝኣመሰለ ኣብ 'ሜታቨርዝ "ዝርከብ ኣገልግሎት ከም Horizon Worlds, VRChat, Roblox and Fortnite.ዝሽፍን ናይ ምቁጽጻር ክእለት ኣለዎ ።

"ብኢንተርነት ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኢንተርነት ዓርኪ ንምሓዝ ዝጥቀሙሉ መገዲ ፡ እቲ እንህቦ ምኽሪ ፡ ምስቲ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዘሎ ኣፕሊኬሽንን ኣገልግሎታትን ልሙድ ዝዀነ ናይ ዕርክነት ልማድ ዘለዎም ሰባት ዝመሳሰል እዩ ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ስምኻ ኣይትጠቐመሉ ፣ ነቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ንኽትፈልጦ ግዜ ውሰድ ፣ ብሓቂ ኽትኣምኖም እንተደለኻ ድማ ፡ ናይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ፈታዊ መጠን ጥራይ ወስኸሉ ።

"ብኣካል ኽትራኸብ እንተ ወሲንካ ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራኸብ ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ድማ ንዓርክኻ/ንፈታዊኻ ንገር ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ ንውሽጥኻ ስማዕ ፡ ዉሽጥኻ ቅኑዕ ኰይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ ፡ ምናልባት ከምኡ ከም ዘይኰነ እመን ። "

If you or someone you know is impacted by sexual assault, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit 1800RESPECT.org.au. In an emergency, call 000.


Share

6 min read

Published

By Jennifer Luu

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: SBS




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now