ጃስፐር ን ናይ ጾታ ብጻዩ ብ ኦንላይን (ቪርቹዋል ) እዩ ረኺብዎ ። ኣብ መጻኢ መጻምዲ ንምሓዝ በዚ መስመር ድዩ ክኸውን ?

ብርሑቕ ብመገዲ ኦንላይን ዝግበር ዝምድና እናተፈልጠ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ፡ ገለ ገለ ሰባት ንሓድሕዶም ክፋቐሩን ናብራ ኪሃንጹን ከለዉ ፡ ገሊኦም ግና ብኣካል ፈጺሞም ኣይራኸቡን እዮም ፡ ግን እዚ ሓደጋታት ኣለዎዶ ?

A man in a VR headset looking off to the side with a purple squiggle wrapped around his body.

ጃስፐር ምስ መጻምዱ ፡ ብVRChat ብዝብሃል ናይ ኦንላይን ( virtual reality ) መድረኽ ተራኸበ ። Source: SBS

እዚ ትሕዝቶ ጾታዊ ወይ ስጋዊ ግጭት ትሕዝቶ ኣለዎ።

ጃስፐር ዋናጃረን መጀመርታ ከምቲ መብዛሕትና እንገብሮ ዓይነት ርክብ'ዩ ንብጻዩ ኣብ ናይ ሓባር ኣዕሩኽ እዩ ረኺብዎ ።
እንተኾነ እቲ ምርኻብ ኣብ ክንዲ ከም ኣብ ባር ወይ ናይ ድራር ግብጃ ዝኸውን ፡ ብመገዲ ኦንላይን እዩ ነይሩ ።
ብ ኦንላይን ዝርርብ ኣብ ዝጀመርሉ፡ ጃስፐር ብዛዕባ ሓባራዊ ዘገድሶም ነገራት ፡ ከም ጸወታታት ኒንተንዶ ገይምስ ፡ ምፍራይ ሙዚቃን 3D ኣኒመሽንን ብዝምልከት ከዕልሉ ምስ ጀመሩ ፡ ዝምድናኦም እናዓበየ ክኸይድ ጀመረ ።
ጃስፐር ን The Feed ከም ዝሓበሮ "ክልቴና ብሓቂ ተፋቲና፡ ሓቀኛ ርክብ መስሪትና ኢና።" ።
ንሒደት ሰሙናት ርክቦም ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ ምስ ቀጸሉ ኣይዳን ንያስፐር ብ ኣካል ክራኸቡ ሓቲታቶ ።
Two canine-like virtual avatars embracing on the stairs in a VR world
አይደን (ጸጋመይቲ) ን ጃስፐር Jasper (የማናይ) ብናይ ኣቫተር መገዲ ኦንላይን ርክቦም ኣብ ዝቕጽሉ እዮም ንሓድሕዶም ፍቕሪ ተታሒዞም። Source: Supplied
ኣይዳን ተዘክሮኡ ክገልጽ ከሎ ፡ "'እወ" ምስ በለኒ ኣዝየ እየ ተገሪመ ።' ሕራይ ፡ እዚ ብሓቂ ክሰርሕ ይኽእል እዩ ኢለ እየ ዝኣምን "ድማ ኢለ ።
ወዲ 18 ዓመት ያስፐር ከምኡውን ወዲ 20 ዓመት ኣይዳን ሕጂ ተዛሚዶም ኣለዉ ። ሓደ ሓደ ግዜ ብኣካል ይራኸቡ - ግን ከኣ 80 ኪ.ሜ. ርሒቖም ይነብሩን ብስራሕ ትሑዛት ብምዃኖም እቶም መጻምድቲ ብርሑቕ ብ VR. ዝያዳ ግዜ ብሓባር የሕልፉ ማለት ኣለዉ ።
ንሳቶም ዋላ ብ ርሑቕ ብሓይሊ ኦንላይን ክቋጸሩ፡ ክራኸቡ፡ ክሰዓዓሙን ክተሓቛቖፉን ይኽእሉ እዮም ።
ያስፐር ፡ "ብዘሎ እቲ ርክብ ዝበለጸ እዩ" በለ ።
"VR.. እንተዘይፍጠር ምስ ኣይዳን ኣይምተራኸብኩን ኔረ ፡ እዚ ድማ ብዛዕባ ርክብና እቲ ዝሓየለ ነገር እዩ ።"

ብ ርሑቕ ናይ ኦንላይን ወይ ብVR ጓል ወይ ወዲ ብኸመይ ክትቆጽር ይከኣል?

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሞናሽ ተመራማሪት VR ዝዀነት ኬት ክላርክ ፡ ፍቕራዊ ርክብ ክሳዕ ዝሃለወ ፡ ዳርጋ ኣብ ኵሉ ቦታታት ፡ እንተላይ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዝግበር ጸወታታት ከም እተራእየ ትገልጽ ።
"'World of Warcraft' ዝበሃል ፡ ሰባት ምስ ኣንጻር ጾታ ብዙሕ ፍቕራዊ ርክብ ክህልዎም ዝገብር ፡ ኣብ ውሽጢ'ዚ ዓለም መርዓታት ይግበሩ ኣለዉ ፡ ብሓቂ እዚ ፍሉጥ ኣብነት እዩ" በለት ።
ጃስፐርን አይዳንን በቲ VRChat ዝበሃል ማሕበራዊ መራኸቢ VR ተራኾቦም ፣ እንተዀነ ግን: ከም ሆራይዞን ዎርልድስ ዝኣመሰሉ ብሜታ ዝካየዱ: ሳንሳር ከምኡውን NeosVR ዝበሉ ብዙሓት መሳርሒታት መራኸቢ ወይ መጻምድቲ ኣለዉ ።
ሓደ መንእሰይ በቲ ኣብ ኢዱ ዝነበረ ካሜራ ፍሽኽ እናበለ ፡
Jasper (left) and Aidan have met in person and are officially dating. Source: Supplied
ምስ ሰባት ኣብ ኣቫታር ማሕበራዊ ርክብ ክትምስርት ትኽእል ኢኻ ፣ ከም ኣብ ሓደ ናይ ቤተ-መዘክር ዙረት ምኻድ ፡ ኣብ ፌቤ ብሪዶገርስ ሙዚቃዊ ምርኢት ምስታፍ ፡ ቅብኣ ወይ ለይታዊ ትልሂት ምብጻሕ ዝኣመሰለ ንጥፈታት እውን ክትገብር ትኽእል ኢኻ ።
ጃስፐር ፡ እቲ ምስ ኣይዳን ዝገብሮ ርክብ ናይ ቪ.ኣር. ፡ መብዛሕትኡ ብሓባር ጸወታ ገይም ምጽዋት ፡ ፊልም ምርኣይ ፡ ወይ ኣብ ዘይወግዓዊ ዓለም ሓቢርካ ምጽናሕ ከም ዘጠቓልል ሓቢሩ ።
"ኣብ VR ንኡስ ናይ ጎልፍ ጸወታ ክትጻወቱ ትኽእሉ ኢኹም ፡ ኣብ VR ቡን ከተፍልሑ ትኽእሉ ኢኹም ። ብዙሕ ክትገብሮ እትኽእል ነገራት ኣሎ "በለ ።
A dimly lit VR nightclub, with virtual avatars dancing in front of a DJ and their turntables
VR nightclubs are popular spots for socialising, like Loner, which also operates real-life events in Melbourne. Source: YouTube / The Virtual Reality Show
ሓደ ፍሉጥ ናይ VR ለይታዊ ትልሂት Loner ዝበሃል እዩ። እዚ ኣብ መልበርን ናይ ሓቂ ዓለም ክለብ ዘካይድ እውን እዩ ። ኣብ ግዜ ዕጽዋ ኮቪድ-19 ፡ Loner እቲ ዘካይዶ ዝነበረ ምርኢታት ካብ ብኣካል ናብ ብ ኦንላይን ቀይርዎ ኔሩ እዩ። ኣብኡ ድማ ብዙሕ ይኽተልዎ ኣለዉ ።
ሚስ ክላርክ ከምትበሎ ፡ ክቡር ስለ ዝኾነ እቲ ቴክኖሎጂ ነቲ ዝምድና ክጅምሮ ይኽእል እዩ ። ምሉእ ዘይጉዱል ተመክሮ ምእንቲ ክህልወካ ፡ እቲ ናይ VR መሳርሂ 600 ዶላር ኣመሪካ እዩ ዋግኡ ካብ ኡ ድማ እናወሰኸ ዝኸይድ ወጻኢታት ኣሎካ ።
"እቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ሓደ እዋን ዝያዳ ተቐባልነት ክረክብ ከም ዝኽእል ገይረ እየ ዝሓስብ ፣ ዳርጋ ኣብ ብ ኦንላይን ዝግበር ዝምድና ኣብ ዘሎ ሃዋህው ፡ ምስ ኣንጻር ጾታ ዝግበር ርክብ ክውስኽ እዩ" በለት ።

"ልክእ ከም ዓርኪ ምሓዝ ኣፕሊኬሽንን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ቪርቹዋል ክውንነት ሓደ ክፋል እቲ ኣብ ዕርክነት እንጥቀመሉ ቴክኖሎጂ እዩ... ።"
A woman with glasses in a black turtleneck looking slightly off-camera
Kate Clark is researching VR at Monash University. Source: SBS

ብ ኦንላይን VR ኣካላዊ ርክበ ስጋ ክፍጸም ይከኣል ድዩ?

ምስዕዓም ፡ ምትሕቑቛፍ ፡ ከምኡ "ውን ጾታዊ ርክብ ምፍጻም ብ ኦንላይን ወይ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ክውን ክኸውን ይኽእል እዩ ። ብዙሓት ተጠቀምቲ ፡ ዋላ እኳ እቶም መጻምድቲ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዕ ዓለም እንተዀኑ ፡ እቲ ናቶም ኣቫታር ኣብ ቪ ኣር ምስ ተንከፉ ፡ ኣካላዊ ስምዒት ከም ዝስምዖም ይሕብሩ እዮም ። እቲ ስምዒት ምስ 'ቲ ዝጥቀሙሉ ዘለው መሳርሒ ዘራኽብ የብሉን ።
ጃስፐር ፡ "ኣብ ቪርቹዋል ኩሉ ነገር ኣዚዩ ይስምዓኒ እዩ ።"
"ኣብ VR ምስዓም ብርግጽ ናይ ተፈጥሮ ምስዕዓም ኮይኑ እዩ ዝስምዓኒ ፡ ምስ ኣይዳን ብርግጽ ኩሉ ግዜ ይተሓቛቝፈን ክልቴና ንሰዓዓምን ኢና ዝብል ሓሳብ እየ ኣማዕቢለ ።"
Left: two canine-like virtual avatars embracing in a VR forest world. Right: a man in a gaming chair embraces the air while wearing a VR headet and holding two controllers
Left: Aidan (left) and Jasper's (right) virtual avatars embracing in VR. Right: Jasper miming the embrace in real life. Source: SBS
ሚስ ክላርክ ከምትገልጾ ሳላ እቲ ፋንቶም ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነ-ኣእምሮኣዊ ተርእዮ እዩ ።
"ፋንቶም ሰንስ፡ ምስ ሓደ ናይ ፋልማይ መሓውር ዝመስል እዩ.. ምኽንያቱ እቲ ዝተቖርጸ መሓውር ኣካልኩምን መንነትኩምን ኣብ ሙሉእ ዓለም ከመይ ትንቀሳቐሱ ዝገብር እዩ ኔሩ" በለት ።
"ሰባት ካብቶም ኣቫታራት ከምኡ ዓይነት ስምዒት ክህልዎም ይኽእል እዩ ።"
ይኹን እምበር ፡ ሚስ ክላርክ ፡ እቲ ስምዒት ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ካብ ምትንካፍ እተፈልየ ተመክሮ እዩ ።
"ኣካላዊ ስምዒት እኳ እንተ ተሰምዓካ: ምስቲ ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ናይ ገዛእ ርእስኻ ስምዒት ዘይፍለ ማለት ግን ኣይኰነን ።"
ኣይዳን ነቲ ናይ ፋንቶም ስምዒት ይስምዖ እኳ እንተኾነ፡ ኣብ ቪርቹዋል ሪያሊትይ ዝያዳ ግዜ ስለ ዘሕልፍ ግና ፡ ነቲ ኵነታት ይልውጦ እዩ ።
"ጃስፐር ካባይ ንላዕሊ ከም እተደሰተ ምፍላጠይ ኣየሰንብደንን እዩ ፣ ኸመይሲ ፡ ምሳይ ከምኡ ምግባሩ የሐጕሰኒ እዩ" በለ ።
A man wearing a VR headset, black zip-up suit and yellow gloves tests out haptic technology at a trade show.
Tech companies are developing haptic suits like this one by bHaptics, which enables users to feel touch in VR. Source: Getty / Alex Wong

ብ ቪርቹዋል ሪያሊቲ VR ምዝማድ እንታይ ሓደጋ ኣለዎ ?

ናይ ኣውስትራልያ eSafety ኮሚሽነር ጁሊ ኢንማን ግራንት ፡ ነቶም ብ ቪርቹዋል ፍቕሪ ክምስርቱ ዝደልዩ ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ትመክር ።
ሚስ ኢንማን ግራንት ንThe Feed ከም ዝሓበረቶ ፡ "ኣብ ኢንተርነት ዝርከብ ኣገልግሎት ምምሕዛው ፡ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ኣውስትራልያውያን ፡ ፍቕሪ ንኽረኽቡን ምስ ዝመስሎም ሰብ ክራኸቡ ይገብሮም ኣሎ" በለት ።
ይኹን እምበር ፡ ከምቲ ኣብ ኢንተርነት ካልኦት ዘይድለዩ ሰባት ክራኸቡን ብኢንተርነት ክረዳድኡን ዘኽእሎም ፡ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ኣንስቲ እውን ሓደጋ ዘውርድ እዩ "በለት ።

እቲ ዲጂታላዊ ሓለዋ ፡ ንከም ሆሪዞን ዎርልድስ ፡ ቪክቶር ፡ ሮብሮሎክን ፎርኒትን ዝኣመሰለ ኣብ 'ሜታቨርዝ "ዝርከብ ኣገልግሎት ከም Horizon Worlds, VRChat, Roblox and Fortnite.ዝሽፍን ናይ ምቁጽጻር ክእለት ኣለዎ ።
"ብኢንተርነት ኣብ ዘይትፈልጦ ከባቢ ዝነብሩ ሰባት ብኢንተርነት ዓርኪ ንምሓዝ ዝጥቀሙሉ መገዲ ፡ እቲ እንህቦ ምኽሪ ፡ ምስቲ ኣብ ኢንተርነት ኣብ ዘሎ ኣፕሊኬሽንን ኣገልግሎታትን ልሙድ ዝዀነ ናይ ዕርክነት ልማድ ዘለዎም ሰባት ዝመሳሰል እዩ ፣ ነቲ ናይ ሓቂ ስምኻ ኣይትጠቐመሉ ፣ ነቲ እተዘራርቦ ዘለኻ ሰብ ንኽትፈልጦ ግዜ ውሰድ ፣ ብሓቂ ኽትኣምኖም እንተደለኻ ድማ ፡ ናይ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከም ፈታዊ መጠን ጥራይ ወስኸሉ ።
"ብኣካል ኽትራኸብ እንተ ወሲንካ ፡ ኣብ ህዝባዊ ቦታ ተራኸብ ፡ ናበይ ከም እትኸይድ ድማ ንዓርክኻ/ንፈታዊኻ ንገር ። ልዕሊ ኵሉ ድማ ፡ ንውሽጥኻ ስማዕ ፡ ዉሽጥኻ ቅኑዕ ኰይኑ እንተ ዘይተሰሚዕዎ ፡ ምናልባት ከምኡ ከም ዘይኰነ እመን ። "





If you or someone you know is impacted by sexual assault, call 1800RESPECT on 1800 737 732 or visit 1800RESPECT.org.au. In an emergency, call 000.

Share

Published

By Jennifer Luu
Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service