ጀነራል ፊሊጶስ ዝያዳ መዝነት ይድርብ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም ናብ ናይ ቀደም ቦትኡ ይምለስ

ኣብ'ዚ ቅንያት'ዚ ሓደስቲ ምዕባለታት ኣብ ኤርትራ ተኸሲቶም ይርከቡ ብመሰረት ካብ እሙናት ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡

Top Generals of Eritrea

Source: FB Geeska Africa

መንግስቲ ኤርትራ ምናልባት ምስ’ዚ ጀሚርዎ ዘሎ ሓድሽ መድረኽ ርክብ ምስ ኢትዮጵያን ውሱን ክፉትነትን ንምቅዳውን ንምውዳድን ይሰርሕ ከምዘሎ ይፍለጥ’ዩ። ከም መቐጸልታ ናይ’ዚ መስርሕ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ንቡር ናይ ሚኒስተር ምክልኻልነት ቦታኡ ክሕዝ’ዩ ኣብ ዝብሃለሉ ዘሎ እዋን ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደየውሃንስ ከኣ ኣብ ልዕሊ እዚ መዓስከር ሳዋ፡ ምብራቓዊን ማእከላውን እዝታት ተወሲኹሉ ከምዘሎ ተፈሊጡ። እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ ወናኒ ኣገልግሎት ፕረሰንስ ቲቪ (Presence TV) ነቢይ ሱራፍኤል ደምሴ በታ ቀዳመይቲ ነፋሪት መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ናብ ኣስመራ ዝገበሮ ምብጻሕ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንዕኡ ንምቕባልን ኣብ ቀጽሪ ሆቴል ኣስማራ ፓላስ (Asmara Palace) ዝገብሮ ዝነበረ ስብከት ዝተሓባበርዎ ዝነበሩ ኣመንቲ ብኣባላት ጸጥታ ካብ ኣባይቶም ይልቀሙ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።


1 min read

Published

Updated

By SBS Tigrinya

Source: SBS



Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now