ጆ ባይደን ካብ ውድድር ንፕረሲደትነት ስሒቡ፡ ካሜላ ሃሪስ ክትትክኦ መዚዙ።

" ንሰልፈይን ነዚ ሃገርን ዝሓሸ ምእንቲ ክኸውን ብምባል ካብዚ ዉድድር ክስሕብ ከምዘለኒ ኣሚነ ኣለኹ።" ብምባል ፕረሲደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዳግም ፕረሲደንት ኮይኑ ክምረጽ ክገብሮ ዝጸንሐ ዉድድር ደው ኣቢሉ።

Joe Biden looks on.

Biden will not run for another term but will remain in his role as US president until his term ends. Source: AFP / Brendan Smialowski

ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ፡ ኣባላት ዲሞክራት ኣእምሮኣዊ ጸገሙን ንዶናልድ ትራምፕ ክስዕሮ ከምዘይክእል ብምእማኖም ጸቕጢ ክገብርሉ ድሕሪ ምጽናሕ ፡ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ንዶናልድ ትራምፕ ክትምክቶ ሕጽይቲ እቲ ሰልፊ ኮይና ክትክኦ ደጊፉ ።

ወዲ 81 ዓመት ባይደን ፡ ኣብ 2025 ዕድሚኡ ኽሳእ ዝውዳእ ፡ ፕረዚደንትን ሓለቓ ስታፍን ኰይኑ ኣብ ዕዮኡ ከም ዝጸንሕን ኣብዚ ሰሙን እዚ ንህዝቢ መደረ ከም ዝገብርን ገሊጹ ኣሎ ።

"ፕረዚደንትካ ኰይነ ከገልግል ብምኽኣለይ ፡ ኣብ ህይወተይ ልዕሊ ኵሉ ክብሪ ረኺበ እየ ። ዳግማይ ምርጫ ክገብር እኳ እንተ ደለኹ ፡ ኣብ መትከለይ ንኽጸንዕን ነቲ ዝተረፈ ግዜይ ፕረዚደንት ኰይነ ግቡአይ ኣብ ምፍጻም ጥራይ ንኸተኵርን ግን ፡ ንሰልፊን ሃገረይን ዝሓሸ ከም ዝዀነ እየ ዝኣምን "ኢሉ ባይደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ጽሒፉ ።

ter concerns about his age.


Share

1 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: AAP




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now