ጆ ባይደን ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ምረቓ ሓይሊ ኣየር ወዲቑ

ዋይት ሃውስ ጆ ባይደን ድሕሪ ምውዳቑ ደሓን ከም ዘሎ ገሊጹ።

ምስ ወደቐ ተደጊፉ ክትንስእ'ከሎ

ፕረሲደንት ጆ ባይደን ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ኣካዳምያዊ ምረቓ 2023 ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ መድረኽ ወዲቑ ። Source: AAP, AP / Andrew Harnik

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ናይ ምረቓ ኣካዳሚ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ መድረኽ ድሕሪ ምውዳቑ: ቀልጢፉ ተንሲኡ ናብ መንበሩ ተመልሰ ።

እቲ ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንቕድሚት ወደቐ: ሰለስተ ሰባት ኣእዳዉ ሒዞም ድማ ክትንስእ ከኣለ ። ክኸይድ ዝሓሰቦ ከይፈተወ ናብ ኮፍ መበሊኡ ተመልሰ ።

ሚስተር ባይደን ምስ ተንስአ ፡ እንታይ ከም ዝዓንቀፎ ንምርኣይ ንድሕሪኡ ተመልከተ ፣። ድሕሪኡ ፡ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ተዓጂቡ ፡ ፍሽኽ እናበለ "ዓባይቶኡ ዊጥ" እናበለ ደሓን ከምዝኾነ ሓበረ ።

ናይ ዋይት ሃውስ ዳይረክተር መራኸቢ ብዙሃን ቤን ላቦልት ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ ሚስተር ባይደን ጽቡቕ ኣሎ ።

"ኣእዳዉ እናወጣወጠ ከሎ ፡ ኣብ መድረኽ ሳንጣ ነይሩ" በለ ።

ሚስተር ባይደን ነቶም ባንዴራ ዘወዛወዙ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እቲ ምረቓ፡ ተመረቕቲ ኣብታ ኩነታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ኣገልግሎት ክጅምሩ ምዃኖም ኣጠንቀቖም: እዚ ድማ ካብ ሩስያን ቻይናን ብድሆታት ከም ዘጋጥሞም ገለጸ ።

Joe Biden points at a sandbag on the ground as three members of his security entourage stand around him.
The White House said there was a sandbag on the ground while Mr Biden was shaking hands. Source: AAP, AP / Andrew Harnik

ሚስተር ባይደን ኣብ 2024 ዝግበር ምርጫ ዳግማይ ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ዘፍለጠ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረሲደንት ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ኣሎ ። ኣመሪካውያን ልዕሊ 75 ፕረዚደንት ምዃን ዘተሓሳስቦም ነገር ከም ዘሎ እዮም ዝሕብሩ ። እቲ ቀንዲ ሪፓብሊካዊ ተቓዋሚኡ ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዕድሚኡ 77 እዩ ።

ሚስተር ባይደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ኣካላዊ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ ስርሑ ክሰርሕ ጥዑይን ብቑዕን ምዃኑ ሓካይም ኣፍሊጦም ነይሮም ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰትን ፡ ትምባኾ ኣይጥቀምን ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ሓሙሽተ ግዜ "እንተ ወሓደ" ስፖርታዊ ልምምድ ይገብር ።

ሚስተር ባይደን ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ብሽክለታኡእናፈትሐ'ከሎወዲቑ እዩ ወዲቑ ፡ እንተዀነ ግን ኣይተጎድአን ።


Share

2 min read

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis

Source: Reuters




Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps

Watch on SBS

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service

Watch now