ጆ ባይደን ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ምረቓ ሓይሊ ኣየር ወዲቑ

ዋይት ሃውስ ጆ ባይደን ድሕሪ ምውዳቑ ደሓን ከም ዘሎ ገሊጹ።

ምስ ወደቐ ተደጊፉ ክትንስእ'ከሎ

ፕረሲደንት ጆ ባይደን ኣብ እዋን ስነ ስርዓት ኣካዳምያዊ ምረቓ 2023 ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ መድረኽ ወዲቑ ። Source: AAP, AP / Andrew Harnik

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ናይ ሓይሊ ኣየር ሕቡራት መንግስታት ናይ ምረቓ ኣካዳሚ ድሕሪ ምስታፉ ኣብ መድረኽ ድሕሪ ምውዳቑ: ቀልጢፉ ተንሲኡ ናብ መንበሩ ተመልሰ ።
እቲ ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንቕድሚት ወደቐ: ሰለስተ ሰባት ኣእዳዉ ሒዞም ድማ ክትንስእ ከኣለ ። ክኸይድ ዝሓሰቦ ከይፈተወ ናብ ኮፍ መበሊኡ ተመልሰ ።
ሚስተር ባይደን ምስ ተንስአ ፡ እንታይ ከም ዝዓንቀፎ ንምርኣይ ንድሕሪኡ ተመልከተ ፣። ድሕሪኡ ፡ ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ተዓጂቡ ፡ ፍሽኽ እናበለ "ዓባይቶኡ ዊጥ" እናበለ ደሓን ከምዝኾነ ሓበረ ።
ናይ ዋይት ሃውስ ዳይረክተር መራኸቢ ብዙሃን ቤን ላቦልት ኣብ ትዊተር ከምዝገለጾ ሚስተር ባይደን ጽቡቕ ኣሎ ።
"ኣእዳዉ እናወጣወጠ ከሎ ፡ ኣብ መድረኽ ሳንጣ ነይሩ" በለ ።
ሚስተር ባይደን ነቶም ባንዴራ ዘወዛወዙ ዝነበሩ ተሳተፍቲ እቲ ምረቓ፡ ተመረቕቲ ኣብታ ኩነታት እናገደደ ዝኸይድ ዘሎ ዓለም ኣገልግሎት ክጅምሩ ምዃኖም ኣጠንቀቖም: እዚ ድማ ካብ ሩስያን ቻይናን ብድሆታት ከም ዘጋጥሞም ገለጸ ።
Joe Biden points at a sandbag on the ground as three members of his security entourage stand around him.
The White House said there was a sandbag on the ground while Mr Biden was shaking hands. Source: AAP, AP / Andrew Harnik
ሚስተር ባይደን ኣብ 2024 ዝግበር ምርጫ ዳግማይ ንፕረሲደንትነት ክወዳደር ምዃኑ ዘፍለጠ ብዕድመ ዝዓበየ ፕረሲደንት ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ኣሎ ። ኣመሪካውያን ልዕሊ 75 ፕረዚደንት ምዃን ዘተሓሳስቦም ነገር ከም ዘሎ እዮም ዝሕብሩ ። እቲ ቀንዲ ሪፓብሊካዊ ተቓዋሚኡ ዝዀነ ዶናልድ ትራምፕ ፡ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ዕድሚኡ 77 እዩ ።
ሚስተር ባይደን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይ ኣካላዊ መርመራ ድሕሪ ምግባሩ ስርሑ ክሰርሕ ጥዑይን ብቑዕን ምዃኑ ሓካይም ኣፍሊጦም ነይሮም ፡ እቲ ፕረዚደንት ኣልኮላዊ መስተ ኣይሰትን ፡ ትምባኾ ኣይጥቀምን ፡ ኣብ ሰሙን ድማ ሓሙሽተ ግዜ "እንተ ወሓደ" ስፖርታዊ ልምምድ ይገብር ።
ሚስተር ባይደን ዝሓለፈ ሰነ ኣብ ብሽክለታኡእናፈትሐ'ከሎወዲቑ እዩ ወዲቑ ፡ እንተዀነ ግን ኣይተጎድአን ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: Reuters

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service