ሃገራት ዜጋታተን ካብ ዩክሬን ብህጹጽ ከውጹ ይጽውዓ፥ ጆ ባይደንን ቭላድሚር ፑቲን ይዘራረቡ።

ኣብ መንጎ ክልቲኦም ፕረዚደንታት ዝግበር ዝርርብ ኣብ ዩክረይን ፡ ሓይልታት ሩስያ መጥቃዕቲ ከይጅምሩ ተሰጊኢሉ ኣብዘሎ እዩ ።

Ukrainian National Guard soldiers ride on top of a BTR-80 armored personnel carrier during an urban warfare exercise.

Ukrainian National Guard soldiers ride on top of a BTR-80 armored personnel carrier during an urban warfare exercise. Source: Justin Yau/Sipa USA

ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲንን ሎሚ ኣብዝዘራረብሉ ፡ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዩክረይን ዝግበር ውግእ ኣብ ዝዀነ ይኹን ሰዓት ክጅምር ከም ዝኽእል ኣብ ዘጠንቅቓሉ ዘለዋ እዋን እዩ ።

ሚስተር ፑቲን ብሰኑይ ኣብ መንጎ እቶም መራሕቲ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ ክግበር ሓቲቱ ፣ ሓደ ናይ ዋይት ሃውስ ብዓል ስልጣን ከምዝሓበሮ ግን ፡ ሚስተር ባይደን ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእል ዝገልጽ ንጹር ጸብጻባት ዋሽንግተን ብዝርዝር ምስረኸበት ፡ እቲ ዝርርብ ቀልጢፉ ክግበር ደልዩ ።

ኣውስትራልያን ኒው ዚላንድን ብቐዳም ምስተን ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጹ ዝምሕጸና ሃገራት ተጸንቢረን ፣ ዋሽንግተን፡ ሩስያ ኣብዝኾነ እዋን ወራር ክትገብር ከምትኽእል ድሕሪ ምግላጻ ፡ ኣብ ዝዀነ ይኹን እዋን መጥቃዕቲ ኣየር እውን ከጋጥም ከም ዝኽእልውን ገሊጻ ኣላ።
Servicemen of the National Guard of Ukraine take part in tactical and special exercises within the command-staff exercises in a village near northern Ukraine.
Servicemen of the National Guard of Ukraine take part in tactical and special exercises within the command-staff exercises in a village near northern Ukraine. Source: National Guard Press Service/AAP
ሞስኮ ነቲ ዋሽንግተን ብተደጋጋሚ እተከራኸረቶ ፍጻመታት ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ዶብ ዩክረይን ልዕሊ 100,000 ሰራዊት ኣኪባቶ ዘላ ፡ ነቲ ካብ መሻርኽቲ ኔቶ ክመጻ ዝኽእል መጥቃዕቲ ገዛእ ርእሳ ንክትከራኸር ምዃኑ ገሊጻ ኣላ ።

ድሕሪ ዝሑል ኲናት ኤውሮጳ ጽልዋ ንምግባር ዝቃለስ ዘሎ ሚስተር ፑቲን ፡ ዩክረይን ናብ ኔቶ ከይትጽምበርን ኣብ ጥቓ ዶባት ሩስያ ሚሳይል ከይዕረድን ፡ ካብ ሚስተር ባይደን ውሕስነት ክረክብ ይደሊ ኣሎ ።

ዋሽንግተን ንመብዛሕትኡ ውጥናት ከም ጀመርቲ ዘይኰና ሃገራት ገይራ ትወስዶ እኳ እንተላ ፡ ንክረምሊን ምስ ዋሽንግተንን ምስ ኤውሮጳውያን መሻርኽታን ብሓባር ንምምይያጥ ትደፍእ ኣላ ።

ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መንጎ ሚስተር ባይደንን ሚስተር ፑቲንን ዝተገብረ ክልተ ጻውዒታት ተለፎን ፡ ንዲፕሎማሲ ዝኸውን ባይታ ካብ ምፍጣር ሓሊፉ ካልእ ውጽኢት ኣይነበሮን ። ክልቲኦም መራሕቲ ካብ ሽዑ ኣትሒዞም ኣይተዛረቡን: ካብ ክልቲኡ ወገን ዝመጹ ዲፕሎማሰኛታት ድማ ሓባራዊ ባይታ ንምርካብ ይቃለሱ ኣለዉ ። ብሓሙስ ኣብ በርሊን ኣብ መንጎ ሩስያ ፡ ዩክረይን ፡ ጀርመንን ፈረንሳን እተገብረ ኣርባዕተኣዊ ዝርርብ ፡ ዋላ ሓንቲ ምምሕያሽ ኣይገበረን ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሩስያ ታስ ፡ ፑቲን ብቐዳም ምስ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ንምዝርራብ መደብ ኣለዎ ።
Russian President Vladimir Putin in May 2021.
Russian President Vladimir Putin. Source: AAP

ዝእከቡ ሓይሊታት

ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ቅልጡፍ መጥቃዕቲ ክፍጸም ከም ዝኽእልን ሚስተር ፑቲን ብ20 ለካቲት ቅድሚ ናይ ዊንተር ኦሎምፒክ ምዝዛሙ ወራር ክእዝዝ ከም ዝኽእልን ንኣምን ኢና ክብል ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ሚስተር ባይደን ጃክ ሱሊቫን ሎሚ ዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡ ከምዚ ዓይነት ትእዛዝ ተዋሂቡ እንተ ኰይኑ ብንጹር ኣይተፈልጠን ።

ነታ ሃገር ንምውራር ኣብ ጥቓ ዶብ እኹላት ወተሃደራት ከም ዝኣከቡን ኣብ ኣየር ካብ ነፋሪት ደብዳብ ክገብሩ ከም ዝኽእሉን ነጊርዎ ኣሎ ኢሉ ። ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ፡ ብሪጣንያ ፡ ኣውስትራልያ ፡ ከምኡውን ካልኦት መሻርኽቲ ፡ ዜጋታተን ካብ ዩክረይን ክወጹ ኣጠንቂቖም ኣለዉ ።

"ሕጂ እቲ ሓደጋ ኣዝዩ ይበዝሕ ኣሎ ፡ እቲ ስግኣት ድማ ቅልጡፍ እዩ" ይብል ሱሊቫን ።
United States President Joe Biden.
United States President Joe Biden. Source: AP
\

ምክትል ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ው.ሕ.ሃ. ዲሚትሪ ፖሊያንስኪ ፡ ኣብ ትዊተር ፡ ዋሽንግተን ስምዒታት ተነሃህር ኣላ፡ "ናይ ፍርሒ ወፈራ " ተበርኽ ኣላ ክብል ከሲሱ እዩ ።

ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ፡ ወረራ ዘይተርፍ ምዃኑ'ዮም ዝገልጹ ።

ይኹን እምበር ፡ ዋሽንግተን ኣብ ዝመጽእ መዓልትታት ፡ ኔቶ ንምሕጋዝን ናብታ ምዕራባዊት ጐረቤት ዩክረይን ዝዀነት ፖላንድ ተወሰኽቲ 3,000 ወተሃደራት ንምልኣኽ መደብ ከም ዘውጽአት ፡ ኣርባዕተ ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ንሮይተርስ ነጊሮሞ ። ኣብ ርእሲ እዚ ድማ ፡ ናብ ኤውሮጳ ንምውፋር ድሮ 8,500 ድሉዋት ኰይኖም ኣለዉ ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ: ሽዱሽተ መራኽብ ውግእ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ምስ በጽሓ: ኣብ ቤላሩስ ወተሃደራዊ ናውቲ ሩስያ ምስ ተዳለወ: ሓይልታት ሩስያ ብሰሜን: ብደቡብን ምብራቕን ዩክረይን ተኣከቡ ኣሎ ። ናይ ንግዲ ሳተላይት ካብ ናይ ኣመሪካ ትካል ዝተወስደ ምስልታት ኣብ ጥቓ ዶባ ኣብ ዝርከብ ሓያሎ ቦታታት ናይ ሩስያ ወታሃደራዊ ምውፋሮም ኣርእዩ ኣሎ ።

ሚስተር ባይደን ቅድሚ እቲ ምስ ሚስተር ፑቲን ዝግበር ዝርርብ ፡ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ምስ መራሕቲ ብሪጣንያ ፡ ካናዳ ፡ ፈረንሳ ፡ ጀርመን ፡ ፖላንድን ሩማንያን ፡ ከምኡ እውን ምስ መራሕቲ ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ተዛሪቡ እዩ ። ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን እውን ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን ዲሚትሮ ኩለባ ተዘራሪቡ እዩ ።

ብሊንከን ዓርቢ ድሕሪ እቲ ጻውኢት ፡ "ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘሎ ልኡላውነትን ግዝኣታዊ ሓድነትን ዘሎና ደገፍ ፡ ነቕ ዘይብል እዩ" በለ ።

ዋሽንግተን ንተወሳኺ፡ ሩስያን ቻይናን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ይተሓባበራ ከም ዘለዋ ኣተሓሳሲብዎ ኣሎ ፣ ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ምምሕዳር ድማ ብቐዳም ክልቲኦም "ንምጥቃዕና ሓቢሮም ይሰርሑ ኣለዉ" ኢሉ ኣሎ ።

ኣብ መንጎ ሞስኮን በይጂንግን እተገብረ ናይ ሽርክነት ስምምዕ ፡ ኣብ "መሰረታዊ ምቅርራብ" ከም ዘለዉ ዘርኢ እዩ ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ፑቲንን ቻይናን ሺ ጂንፒንግን እተገብረ ኣኼባ ድማ ፡ በይጂንግ ነቲ ሞስኮ ብዛዕባ ዩክረይን እትገብሮ ዘላ ምንቅስቓስ ከም "ሕጋዊ" ገይራ ከም እትርእዮ ዘርኢ እዩ ።


Share

Published

Source: AAP, SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
ሃገራት ዜጋታተን ካብ ዩክሬን ብህጹጽ ከውጹ ይጽውዓ፥ ጆ ባይደንን ቭላድሚር ፑቲን ይዘራረቡ። | SBS Tigrinya