ሞሮኮ ንርብዒ ፍጻመ ግጥማት ዋንጫ ዓለም ብምብጽሓ ኣብ መላእ ሃገራት ዓረብ ሓጎስን ፈንጠዝያን ኣለዓዒሉ።

ሞሮካውያን ነቲ ጉጅለኦም ኣብ ልዕሊ ስጳኛ ዘመዝገበቶ ታሪኻዊ ዓወት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ኣብ ዝጽምብልዎ ዘለዉ ዘለዉ ፡ ንመላእ ሃገራት ዓረብ ከም ዓወት ከምዝኾነ ብምቑጻር ኣብ መላእ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ዝርከቡ ሰባት ነቲ ጽምብል ተጸምቢሮምዎ ኣለዉ።

rabat.jpg

Crowds of fans in Morocco's capital Rabat celebrate after the national team beat Spain on penalties to reach the 2022 FIFA World Cup quarter-finals for the first time. Source: Getty

ኣዕራብ ካብ ባቕዳድ ክሳብ ቱኒዝ ፡ ኣብቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ንፈለማ ግዜ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም፡ ሞሮኮ ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ቐጠር ዝበጽሐት ናይ መጀመርታ ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ዝዀነት ሃገር ምስ ኰነት ፡ ብሓጎስ ኣዕለቕሊቑ ኣሎ።
ኣብ ራባት ፡ ደገፍቲ ነቲ ጸወታ ንምዕዛብ ንሓያሎ ሰዓታት ኣቐዲሞም ንካፈታት ኣጨቓጪቖምሉ ኣብ ዝነበሩ እዋን ፡ ኣብ ማእከል ከተማ ዝነብሩ ደገፍቲ ፡ ድሕሪ እቲ ናይ ሞሮኮ ዓወታቶም ፡ ባንዴራኦም ካብ መሳዅቲን እናወዛወዙ ብሓንደበት ናብ ሓደ ኣደባባይ ዝወስድ ጐደናታት ኣጥለቕሊቖም ።
"እዚ ስምዒት እዚ ንመጀመርታ ግዜ እዩ ተሰሚዑኒ" ፋህድ በልባኽር ናብ ማእከል ከተማ ክኸይድ ከሎ ስምዒቱ ገሊጹ።

"ኣዚና ሕቡናት ኢና ።"
ናይ መላእ ሃገራት ዓረብ መራሕቲ ንሞሮኮ ውዳሰኦም የቕርቡ ኣለዉ።
"ንኣትላስ ኣናብስ እንቋዕ ሓጎሰኩም ፡ ደስ ኣቢልኩምና ። ሞሮኮ ፡ ከም ብሓድሽ ተዓዊትኩም! "ዝብል መልእኽቲ ንግስቲ ዮርዳኖስ ራኒያ ኣብ ትዊተር ጽሒፋ ።
እቲ ሓጎስ ኣብ ቱኒዝ ፡ በይሩት ፡ ባቕዳድ ፡ ራማላን ካልኦት ናይ ኣዕራብ ከተማታትን እውን ፈሲሱ እዩ ። ኣብ ቀጠር ዝርከቡ ጐረባብቲ ሃገራት ዓረብ ዝመጹ ኣብ እተፈላለየ ዘይርሳዕ ተዋስኦታት ብዝጋዋሕ ዘሎ ሓበን ሃገራት ዓረብ ዘቃልሕ እዩ ነይሩ ፣ እዚ ከኣ ምስቲ ኣብ ሃገራት ዓረብ ንነዊኅ እዋን ተኸፋፊሉ ዝጸንሐ ፖለቲካዊ ዘይምቅዳው ኽነጻጸር ከሎ ሓድነት ፈጢሩ ዘሎ እዩ ።
44,000 ሰባት ሞሮካውያን ደገፍቲ ብብዝሒ ዝርኣይሉ ዝነበሩ ስታድዩም ዶሓ ንስጳኛውያን ብቑጽሪ በሊጾሞም ተራእዮም ፣ ኣንስቲ ብዕልልታ ድምጸን ዓው ኣቢለን ፡ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ከበሮኦም እናወቕዑ ብስዕስዒት ሓጎሶም ይገልጹ ነበሩ ።

ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሞሮካውያን ደገፍቲ ሞሮካውያን ኣብቲ ጸወታ ናብ ኳታር ብምኻድ ፡ ምስ ብዙሓት ተቐማጦ ሞሮኮ ተጸንበሩ ።
"ዓበይቲ ስጳኛውያን ጋንታታት ባርሰሎናን ማድሪድን እናረኣኹ እየ ዓብየ ። ስለዚ ፡ ከም ስጳኛ ንዝኣመሰለት ዓባይ ሃገር ምስዓር ንሞሮኮ ዓቢ ዓወት እዩ "ይብል ኣብ ዶሃ ዝነብር ወዲ 23 ዓመት ሞሮካዊ ጣሃ ላህረጉ ።

ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ግዜ መግዛእቲ ን ሞሮኮ ዝገዝ አት ስጳኛ ምስዓር ማለት ንብዙሓት ሞሮካውያን ፡ ኣዝዩ ምቁር ስምዒት ክኸውን ይኽእል እዩ ።
ኣብ ዶሓ ዝነብር ኣሕመድ ዱሊ ዝስሙ ፍርቂ ቱኒዝያዊ ፡ ፍርቂ ኣልጀርያዊ ፡ ምስ ሓንቲ ሞሮካዊት ሰበይቲ ዝተመርዓወ እዩ።

"ናይ ኣዕራብ ጋንታ ኣለዉና ። ነዞም ደገፍቲ ርኣዮም ። ብምሉኦም ሞሮኮ እዮም ኢልካዶ ትሓስብ? ኣይፋሉን ኣዕራብ ስለዝኾኑ ጥራይ እዩ "ወሲኹ ከኣ ናብቶም ብዙሓትን ሕጉሳትን ህዝቢ ጠመተ ።

ዒራቓውያን ተኸተልቲ ሺዓ ዝኾኑ ሞቕጣዳ ኣል-ሳድር ፣ ገዛኢ ዱባይ ሼኽ መሓመድ ቢን ራሺድ ኣል-ማክቱም ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሊባኖስ ናጂብ ሚካቲን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊብያ ዓብዱልሓሚድ ኣል-ድቢባን ኩሎም ነታ ሞሮካዊት ጋንታ ናይ እንቋዕ ሓጎሰኩም መልእኽቲ ሰዲዶምላ ።
ሞሮኮ ኣብዚ ውድድር ተሪፋ ዘላ ናይ መወዳእታ ኣፍሪቃዊት ጋንታ እያ ፡ ድሕሪ ካሜሩን ብ1990 ፡ ናይጀርያ ብ1994 ከምኡ ድማ ጋና ብ2012 ናብ ግጥም ርብዒ ፍጻመ በጺሓ ዘላ እያ ።
ሞሮኮ ኣብዚ ቀረባ ዓሰርተታት ዓመታት ንኣፍሪካን ንኣማዝን ከም ኡውን ንዓረባዊ መንነት ተቐቢላ ዘላ ሃገር እያ። በዚ'ውን እቲ ዓወት ኣብ ካልእ ክፋል እታ ኣህጉር ይጽምበል እዩ ዘሎ።
ምክትል ሓላፊ ቤት ምኽሪ ገዛኢ ሱዳን መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ "ንኣትላስ ኣናብስ ምስጋና" ድሕሪ ምባል "ንደገፍቲ ሃገራት ዓረብን ኣፍሪቃን እንቋዕ ሓጎሰኩም" ኢሉ ።

Share

Published

Presented by Beyene Semere Weldegiorgis
Source: SBS

Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service