'ጁሊያን ኣሳንጅ ብክስታት ተግባራት ስለላ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ክወሃብ ኣይክእልን'ዩ' ብሪጣንያዊ ቤት ፍርዲ

እታ ዳኛ ኣንጻር ምርካብ ጁሊያን ኣሳንጅ ናብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ዝወሰነት ጥዕና ኣእምሮ ምኽንያት ብምግባር'ዩ፡ ጁሊያን ነብሰቅትለት ክፍጽም ተኽእሎ ኣለዎ ብምባል።

Julian Assange cannot be extradited to the US, a British judge has ruled.

Julian Assange cannot be extradited to the US, a British judge has ruled. Source: AP

ጁሊያን ኣሳንጅ ብክስታት ስለላን ሰርሲርካ ምእታውን ፍርዱ ክቕበል ናብ ዪናይትድ ስቴትስ ኣሕሊፉ ክወሃብ ወይ ክርከብ ኣይክእልን እዩ ክትብል ሓንቲ ብሪጣንያዊት ዳኛ ፈሪዳ።

ዳኛ ሓደ ዞባዊ ቤት ፍርዲ ዝኾነት ቫነሳ ባራይትሰር ነቲ ፍርዲ ሶኑይ ኣብ ማእከላይ ገበናዊ ቤት ፍርዲ ኣሕሊፋቶ፡ ብምኽንያት ጥዕና ኣእምሮኡ እቲ ኣሕሊፍካ ምሃብ ወይ ምርካብ 'ጸቓጢ' ወይ 'ጨቛኒ' ክኸውን'ዩ ክትብል ምኽንያት ሂባ።

ንሳ ሚስተር ኣሳንጅ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ እንተኣትዩ ተኽእሎ ሓደጋ ነብሰቅትለት ክህልዎ'ዩ ኢላ።

"ዳርጋ ፍጹም ዘገልሉ ኩነታት ኣጋጢምዎ... ኣነ እቶም መስርሓት ንሚስተር ኣሳንጅ ነብሰ ቅትለት ክፍጽመሉ ዝኽእል መንገዲ ካብ ምርካብ ከምዘይክልክልዎ ዕግብቲ'የ።" ክትብል ዳኛ ባራይትሰር ገሊጻ።

ኣብ ኣውስትራልያ ዝተወልደ ሚስተር ኣሳንጅ ምስ'ቲ መዳያት ወተሃደራዊ ጎስጓሳት ኣብ ኣፍጋኒስታንን ዒራቕን ዝዝርዝር ዊኪሊክስ ኣብ 2010 ዝዘርግሖ 500000 ምስጢራዊ ፋይላት ዝተኣሳሰር 18 ክስታት ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ቀሪቦምሉ ኣለው።

ጠበቓታት ሚስተር ኣሳንጅ ብምሉኡ እቲ መስርሕ ክስን ፍርድን ፖለቲካዊ-መበገሲ ዘለዎን ብፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝተደፋፍአን እዩ ብምባል ንስራሕ ጋዜጠኛታት ዝለዓለ ስግኣት ዝፈጥር'ዩ ብምባል ተሟጊቶም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ኣንጻር'ዚ ተዋሂቡ ዘሎ ውሳነ ይግባይ ክብል ናይ 15 መዓልታት ገደብ ኣለዎ።


Share

Published

Updated


Share this with family and friends


Follow SBS Tigrinya

Download our apps
SBS Audio
SBS On Demand

Listen to our podcasts
Independent news and stories connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians.
Ease into the English language and Australian culture. We make learning English convenient, fun and practical.
Get the latest with our exclusive in-language podcasts on your favourite podcast apps.

Watch on SBS
SBS World News

SBS World News

Take a global view with Australia's most comprehensive world news service
'ጁሊያን ኣሳንጅ ብክስታት ተግባራት ስለላ ናብ ኣሜሪካ ኣሕሊፉ ክወሃብ ኣይክእልን'ዩ' ብሪጣንያዊ ቤት ፍርዲ | SBS Tigrinya