ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ብዛዕባታ ኣብ ኢራን 57 ካናዳዊያን ብሓፈሻ ድማ 176 ሰባት ዝተቐትሉዋ ዝወደቐት ነፋሪት ናይ ዩክሬን ነፋሪት ዝምልከት ዘይተመለሰ ሕቶታት ከምዘሎ ገሊጹ፡ ኣብቲ ዝግበር ምሉ እ መርመራ ምትሕብባር ክግበር ሓቲቱ ኣሎ።
ኢራን ነታ ነፋሪት ብጌጋ ወቒዓ ከምዘውደቐታ ብቐዳም ገሊጻ ኔራ።
"ካናዳን ዓለምን ብዛዕባዚጉዳይ ብዙሕ ዘይተመለሰ ሕቶታት ኣለዎም" ክብል ትማሊ ኣብዝነበረ ናይ ዜና ኮነፈረን ናይ ካናዳ ቀዳማይ ሚኒስተር ጃስቲን ገሊጹ ኣሎ።

"ኣብቲ ዝግበር መርመራ ብርግጽ ካናዳ ክትሳተፍ ኣለዋ፡ ካብ ሰብ መዚ ኢራን ድማ ምሉ እ ምትሕብባር ኢና ንጽበ" ክብል ድማ ተዛሪቡ ኣሎ።
ካናዳ ካብ 2012 ኣትሒዛ ምስ ኢራን ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና እንተዘይጸንሓኳ ቀዳማይ ሚኒስተር ትሩዶ ምስናይ ኢራን ፕረሲደንት ሓሰን
ሮሃኒ፡ብዛዕባዚ፡ጉዳይ፡ከምተዘራረበ፡ገሊጹ።

