ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ሃብታማት፡ መራሕቲ ሃገራትን ካልኦት ጸለውትን ዓለምና ዓመታዊ ኣብ ዝእከብሉ ናይ ዳቮስ፡ ስዊዘርላንድ፡ መድረኽ ዘተ ቁጠባ ዓለም (World Economic Forum) ንኽርከብ ኣብ ዝሓለፈሉ እዋን ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ዋና ከተማ ኢጣልያ፡ ሮማ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁዘፐ ኮንተ ተራኺቡ።
ዶ/ር ኣቢይ እግረ መንገዱ ኣብ ኣውሮጳ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ዑደት ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን መራሕትን ከምኡ’ውን ሰበስልጣናት ኣህጉራዊ ትካላትን ይራኸብ ኣሎ። ኣብ ሮማ ክበጽሕ ከሎ ኣብ’ታ ከተማ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ብድሙቕ ተቐቢሎሞ።
ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢጣልያ ጁሰፐ ኮንተ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ ኣብ ዝተዋህበ ናይ ሓባር መግለጺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ከም’ዚ ክብል ተዛሪቡ።
“ብዛዕባ ብዙሕ ጉዳያት ኩለንተናዊ ስምምዓት ጌርና ብፍላይ ካብ ባጽዕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝስራሕ መገዲ ባቡር መጽናዕቲ ምሉእ ብምሉእ ብመንግስቲ ጣልያን ከምዝሽፈንን እቲ ስራሕ ምስተጀመረ ድማ ብሓባር ክስራሕ ኣብ ስምምዕ ምብጻሕና ዓቢ ነገር እዩ።”
ብዘይካ’ዚ ክልቲኦም መራሕቲ ንኣዲስ ኣበባ “ከም ስማ ዕምባባ ንምግባራ” ፓርክታት ኣብ ምስራሕን ከፊል ብሄራዊ ቤተ መንግስቲ ንህዝቢ ክፉት ኣብ ምግባር ዝሳለጥ ስራሓት መንግስቲ ኢጣሊያ ከምዝሕግዝ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መግለጺኡ ኣፍሊጡ። “ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝመሃሩ ተመሃሮ ብዙሓት ዝበልዕዎ ስለዘይብሎም ዝብላዕ ባኒ ንምቕራብ ብዘሎ መደብ፡ ንባኒ መስርሒ ዘገልግል ፋብሪካታት ንምትካል መንግስቲ ኢጣልያ ከምዝሕግዝ” ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሰፐ ኮንተ ከምተሰማምዑ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ገሊጹ።
ኣብ’ቲ ናይ ኣውሮጳ ዑደቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ቀንዲ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም (WFP) ዴቪድ ቤስለይን ምስ ናይ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻን ምዕባለን (IFAD) ፕረሲደንት ጊልበርት ሆንግቦን ከምኡ’ውን ምስ ካልኦት ሰብ መዚ ከምተራኸበ ተገሊጹ።
ኤርትራ ኣብ ዘይተረኽበትሉ ምስ ኤርትራ ዝተሓሓዝ ጉዳያት ብውልቁ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ምስ ካልኦት ሃገራት ዝገብሮ ስምምዓት ንገለ ኤርትራዊያን የተሓሳስቦም ከም ዘሎ ኣብ መርበብ ሓበሬታታትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን ይጽሕፉ ኣለዉ። ካብ ከተማ ባጽዕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መስመር መገዲ ባቡር፡ ንኤርትራ ከየሳተፈ፡ ኢትዮጵያ ምስ መንግስቲ ኢጣልያ ትገብሮ ዘላ ስምምዕ ምስ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተገብረ ተመሳሳሊ ስምምዓት ብምትሕሓዝ ሕቶ ዝኾኖም ሰባት ኣይተሳእኑን። ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዓዋተ.ኮም (http://awate.com/diplomatic-frenzy-absence-stakeholders-participation/) ዝወጸ ትንተና ከምዘመልክቶ ዶክተር ኣቢይ ምስ ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባር ኢማራት ዓረብ ሪም ኣልሃሺሚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድሕሪ ምርኻቡ መተሓላለፊ ነዳዲ ዓሰብ-ኣዲስ ኣበባ ንምህናጽ መደብ ከምዘሎ ኣዊጁ። ጋዜጠኛ *ተመስገን ደበሳይ’ውን ከም’ዚ ክብል ስምዕትኡ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ፈይስቡክ ገሊጹ።
“ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ 2018 እንተኾነ’ውን ዶ/ር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፡ ምስ ሰበስልጣን ኢማራት ብዛዕባ ካብ ወደብ ዓሰብ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝዝርጋሕ መስመራት ነዳዲ ብዝምልከት ከምዝዘተየ ይዝከር፡ እዚ ርክባት ንወደባት ኤርትራ ዘጠቓልል ውጥናት ዝሓዘለ ኮይኑ ክንሱ፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝውክል ተጸዋዒ ኣብ ዘይብሉ'ኳ ይካየድ እንተሃለወ፡ ብወገን ስርዓት ኣስመራ ዛጊት ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ዝተዋህበ መብርሂታት የልቦን።”
ኣብ’ቲ ናይ ኣውሮጳ ዑደቱ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ምስ ቀንዲ ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቤስለይን ምስ ናይ ኣህጉራዊ ማዕከን ሕርሻን ምዕባለን (IFAD) ፕረሲደንት ጊልበርት ሆንግቦን፣ ከምኡ’ውን ካልኦት ሰብ መዚ ከምተራኸበ ተገሊጹ።
* (እዛ ጽሕፍቲ ነታ ኣቐዲማ በዚ ኣርእስቲ ተዘርጊሓ ዝነበረት ተመሳሳሊት ጽሕፍቲ ተኪኣ ንምንጪታት ሓበሬታ ጋዜጠኛ ተመስገን ደበሳይን ካልእን ንጹር ንምግባር ተባሂላ ዳግም ዝተሰርሐት’ያ። ስለ’ቲ ኣቐዲሙ ዝተፈጸመ ጌጋ ኸኣ ንተመስገን ደበሳይን ንተኸታተልትናን ብትሕትና ይቕሬታ ንሓትት።)

