ኣብ ኤርትራ ኮይኑ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብብረት ክቃወም ዝጸንሐ ዉዱብ ደምክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ደምህት) ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ። መራሕቲ ናይቲ ምንቅስቓስ ከምዝሓበርዎ ኣብዚ ቅሩብ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዝገበርዎ ስምምዕ መሰረት፥ እቲ ዉዱብ ዕጥቃዊ ቃልሱ ደው ኣቢሉ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ሰላማዊ ቃልሱ ክቕጽሎ እዩ። ብመሰረት እቲ ስምምዕ 2500 ዝኾኑ ዕጡቓት ደምህት ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣለዉ። ኣብ ጉዕዞኦም ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ምስበጽሑ ብዘጋጠመ ናይ መኪና ሓደጋ ሰለስተ ኣባላት እቲ ዉድብ ስለዝሞቱ፡ መሬት ሃገሮም ክረግጹ ዕድል ዘይምርካቦም ናይቲ ዉዱብ ኣቦ ወምበር አቶ መኮንን ተስፋይ ገሊጹ። ብዘይካ’ዚ 20 ካብቶም ዕጡቓት ከምዝቖሰሉ እቲ ጸብጻብ ኣፍሊጡ ኣሎ። ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ብወግዒ ኣይተገልጸን ዘሎ። እቶም ዕጡቓት ደምህት ካብ መቐለ 40 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብዝርከብ ኣብ ወተሃደራዊ ማዓስከር ዉቕሮ ኣትዮም ይርከቡ።
ካብ ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ካብዝምለሱ ዝነበሩ ዕጡቓት ደምህት፡ እቶም 3 ኣብ ከባቢ ሰገነይቲ ብሓደጋ ሞይቶም
2500 ዝኾኑ ዕጡቓት ደምህት ትማሊ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም ኣለዉ።

1 min read
Published
By SBS Tigrinya
Source: SBS
Skip to article content
Share this with family and friends
Share
