እቲ ወዲ 33 ዓመት ፍሉጥ ደራፋይ ብዙሕ ሳዕ ብጥይት ከምተተኮሶሉን ኣብ ሆስፒታል ምማቱ ከምተገልጸን Los Angeles Times ጸብጺቡ።
ኣብቲ ደቡብ ሎስ ኣንጀለስ ዝርከብ ማራቶን ክሎዚንግ ዝበሃል ዱኳን ክልተ ሰባትውን ብጥይት ከምዝቖሰሉ ተፈሊጡ።
ናይ ኒፕሰይ ሃስል “Victory Lap” ትብል ኣልበሙ ብዙሕ ተቐባልነት ረኺባስ ኣብዚናይዚ ዓመት ስልማት ግራሚ ዝበለጸት ናይ ራፕ ኣልበም ተሓጽያ ኔራ።
እቲ ሓቀኛ ስሙ ኤርሚያስ ዳቪድሰን አስገዶም ዝኾነ Nipsey Hussle, ኣብ ደቡብ ሎስ አንጀልስ ዝዓበየ ኮይኑ ኣብ ጊዜ ንእስነቱ ኣባል ናይ Rollin' 60s ዝበሃል ናይ ጽርግያ ዓዋሉ እዩ ኔሩ።
ቅድሚ ምማቱ “ጽኑዓት ጸላእቲ ክህልዉኻ በረኸት እዩ” ክብል ብትዊተር መል እኽቲ ጽሒፉ ኔሩ።
ንሱ መበል 15 ዓመት ዕድሚኡ ኣብ ዝመልኣሉ እዋን ኣብ 2002 ምስ ኣቡኡን ሓዉ ሳሙኤልን ናብ ኤርትራ ከይዱ ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ኣስመራ ከምተቐመጠ ይፍለጥ። ዝሓለፈ ዓመት ሚያዚያ 2018 ንኻልኣይ ጊዜ ናብ ዓደቡኡ ናብ ኤርትራ ከምዝበጽሕ ይፍለጥ።

