ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር (ኢህወዴግ) መበል 11 ኮንግረሥ (ሓፈሻዊ ጉባኤ) ንምግባር ምድላዋት ይግበር ኣሎ። ካብቶም ምድላዋት ሓደ ሕድ ሕድ ኣባል ውድባት ናይቲ ግንባር ዝገብርዎ ሓፈሻዊ ጉባኤ (ኮንግረሥ) እዩ። በዚ መሰረት እዚ ሓደ ካብቶም ናይቲ ግንባር ኣባል ዝኾነት ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ኦሮሞ ሓፈሻዊ ጉባኤ ገይራ መሰረታዊ ለውጢ ከምፅኡ ዝኽእሉ ውሳኔታትውን ኣሕሊፋ እያ። እታ ዉድብ ካብዝወሰነቶም ውሳኔታትውን
1. ሓዲሽ ናይፖለቲካ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ን ኦሮምያ ይኹን ንኢትዮጵያ ካብኡ ሓሊፍካውን ንኣፍሪካ ምምራሕ
2. ንነበር ኣመራርሓታት ናይዉድብ ንዝገበርዎ ስራሕቲ ኣመስጊንካ፣ ንናብርኦም ዘድልዩ ጥቅምታት ሂብካ ብኽብሪ ተፋኒዮም
3. ነታ ውድብ ናብ ፓርቲነት ተሽጋጊራ ምስኡ ተተሓሒዙውን ናይታ ዉድብ ሽም ናብ ኦሮሞ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ተቐይሩ
4. ነቲ ሓዲሽ ኣተሓሳስባ ሒዞም ክመርሑ ዝኽእሉ ሓደሽቲ ኣመራርሓታት ተመሪፆም። ካብ ሰማኒያ ዝኾኑ ነበር ኣባላት ማእኸላዊ ኮሚቴ ደጊሞም ዝተመረፁ ዓሰርተ ሽድሽተ ጥራሕ እዮም።
ብተመሳሳሊ ካልኦት ኣሓት ውድባት ናይ ኢህወዴግ ነናይባዕሎም ሓፈሻዊ ጉባኤታት ከካይዳ እየን። ኩለን ኣሓት ውድባት ከም ኦዴፓ መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅኣ ውሳኔታት ክውስና ናይኩልና ትፅቢት እዩ። ህወሓት ኣብ መበል 13 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብቶም ክትውስኖም ዝግብኡ መሰረታዊ ለውጢ ዘምፅ ኡ ውሳኔታት ዝተወሰኑ ክጥቁም እየ።
1. ህወሓት ካብ ወያናይ ወይ ኻዓ ኣብዮታዊ ዉድብነት ናብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲነት ትሸጋገር። እቲ ብሕወሓት ዝተመርሐ ናይ ዓሰርተ ሸውዓት ዓመታት ወያነ ኩላህና ንኾርዐሉ መስተንክራዊ ታሪኽ እዩ። እዚ ግዜ እዚ ግና ናይ ወያነ ወይ ኻዓ ናይ ኣብዮት ወይ ኻዓ ናይ ዓመፅ ግዜ ኣይኮነን። ዝተፈላለዩ ፓርቲታት ስልጣን ንምሓዝ ብዴሞክራሲያዊ መንገዲ ዝናሓኑሑሉ ግዜ እዩ። ስለዝኾነ ሕወሓት ናብ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲነት ትሸጋገር። መፀውዒ ሽማውን ብኡ ገይራ ትቐይር። ኣብነት ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትዴፓ)፣ ትግራይ ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ (ትፌደፓ) ፓርቲ ገስገስቲ ትግራይ (Progressive Party of Tigray), ወዘተ...
2. ነባር መራሕቲ ህወሓት ሙሉእ ጥቕምታቶምን ንመነባበሪ ዘድልዮም ነገራት ተማሊኡሎም ነቲ ክሳብ ሎሚ ዝሃቡና ግልጋሎት ኣፍልጦ ተዋሂብዎም ብኽብሪ ይሰናበቱ። ኮይኑ ግና ከም ክቡር ዶ/ር ኣርከበ ዕቑባይ ዘለዉ ኣብዝወፈሩሉ ኹሉ ዕዉት ይኾኑ ዘለው መራሕቲ እንደውም ናብ ኣብ ኣመራርሓ ምምላስ ክጠቅም እምበር ኣይጎድእን።
3. ህወሓት አንፃር እቲ ባዕላ ዝሃንፀፀቶ ሕገመንግስቲ ንትካል እግሪ ምትካል ትግራይ (ትእምት) ወኒና እናመሓዳደረት ትርከብ። ፍርቂ ንብረት ናይ ትእምትውን ብሽም ዝተወሰኑ መራሕቲ ህወሓት ኣብ ባንኪታት ወፃኢ ከምዝርከብውን ዘሕብሩ መረዳእታታት ኣለው። እዚ ብሓፂር ግዜ ሕጋዊ ብዝኾነ መልክዑ ናብ ንብረትነት መንግስቲ ትግራይ እንድሕር ዘይተዛወረ እቲ ገንዘብ ክጠፍእን ትእምት ባዕላውን ኣብሓደጋ ክትወድቕ ትኽእል እያ። ስለዝኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከም ንኢትዮጵያ አየር መንገድን ካልኦት ትካላት ዘመሓዳድሮም ትሕቲ ትእምት ዝርከባ ትካላት እውን ብትሕቲ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ክመሓደራ ይክእላ እየን። አድላይ እንተኾይኑውን መንግስቲ ትግራይ ኣክሲዮን ሸይጡ ነተን ትካላት ናብ ህዝቢ ወይ ካዓ ናብ ሰብ ሃፍቲ ከዛውረን ይኸእል። ካብቲ መሸጣ ዝርከብ እትወትውን መንግስቲ ትግራይ እምኒ ኩርናዕ ተተኺሉለን ዘይተጀመራ ዓበይቲ ፕሮጀችታት ክሰርሐለን ይኽእል እዩ። ከም ሓውልቲን ትሕቲ ሓውልቲ ዝርከባ ቤት ዕዮታት ዝኣመሰሉ ብረሃፅ ተጋሩ ዝተሰርሑ ናይ መንግስቲ ትግራይ ይኹና ናይ ህወሓት ንምፍላይ ዘይካኣላ ዝተፈላለያ ቤት ዕዮታት ስሩዕ ብዝኾነ መንገዲ ናብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ይዛወራ። ንኣብነት ሓውልቲ ሰማዕታትን ትሕቴኣ ዘለው ህንፃታትን ህዝቢ ትግራይ ብገንዘቡን ብረሃፁን ዝሰርሐን ስለዝኾና ናብ ንብረትነት ክልላዊ መንግስቲ ክዛወራ ይግባእ። ህወሓት ከምካልኦት ፓርቲትት ተኻርያ ክትጥቀም ትኽእል እያ።
4. መራኸቢ ሓፋሽ ትግራይ እቲ ኣብትግራይ ዘሎ ናይ ድሑር ፖለቲካዊን ማሕበራዊን ኹነታት ትግራይ ቀንዲ መርኣያ እየን። እዚውን እተን ናይትግራይ ማዕኸናት መራኸቢ ብትሕቲ ሙሉእ ቑፅፅር ህወሓት ብምዃነን እዩ። ሕወሓት ካብዘን ማዕኸናት መራኸቢ ኢዳ ኣውፂኣ እተን ማዕኸናት ብክኢላታት ክምራሓ ክግበር ኣለዎ።
5. ኣብትግራይ ይኹን ኣብ ካሊእ ክፍሊ ኢትዮጵያ ወይ ካዓ ዓዲ ወፃኢ ዝነብሩ ተጋሩ ኩሎም ብዓብዪ ስምዒትን ድልየትን ይሳተፉላ ዝነበረት ሓንቲ ዘይመንግስታዊ ትካልና ማሕበር ልምዓት ትግራይ ነይራ። ኮይኑ ግና ህወሓት ነዛ ናይልምዓት ማሕበርና ውን ናፃ ኮይና ክትሰርሕ ስለዘይፈቐደትላ ብዝሒ ኣባላታ ነኪዩ ሎሚ ዳርጋ ናይውልቀሰብ አባላት ዘይብላ ኮይና ኣላ። ህወሓት ኢዳ ካብ ማ.ል.ት. ኣውፂኣ ናብ ብክኢላታት ዝምራሕ ሓዲሽ ቦርድ ክተመሓላልፋ ይግባእ። ብተመሳሳሊ ማሕበረ ረድኤት ትግራይ (ማረት) ካብ መጀመሪያ ጀሚሩ ካብ ዓለም ለኸ ግብረሰናይ መንግስታትን ውድባትን እናኣከበት ነቲ ብሽም ህዝቢ ትግራይ ዝተኣከበ ሃፍቲ ነሓረስታይ ትግራይ ትቆፃፀረሉ መሳርሒ ገይራቶ ፀኒሓ እያ። ነቲ ሓረስታይን ድኻን ክሕግዝ ዝተሓሰበ እኽሊን ገንዘብን ህወሓት ነቲ ሓረስታይ ኣሲራ ዝሓዘትሉ መእሰሪ ሰንሰለት ኮይኑ ኣሎ። ማረት ብቕልጡፍ ናብ ብትሕቲ ቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ዝጣየሽ ኮሚሽን ክትማሓላለፍ ይግባእ። እቲ ትፃወቶ ግደውን ብክኢላታት ተፀኒዑ መፃኢ ዕድላ ብቤት ምኽሪ ክልል ትግራይ ክውሰን ኣለዎ።
6. ሓደ ስርዓት ካብ ግዕዝይናን፣ ዘይፍትሓዊነትን ናፃ ክኸውን ዝኽእል ህዝቢ ዝዳንዮም ተነሓናሕቲ ፖለቲካዊ ፓርቲታት እንተሃልዮም እዩ። መራሕቲ ህወሓት ነዚ ተቐቢልኩም ኣብ ዓዲ ውሽጢ ይኹን ካብ ዓዲ ወፃኢ ዝርከቡ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ናብ ዓዶም መፂኦም በናፅነት ክንቀሳቐሱ ስለዝፈቀድኩም ምስጋና ይግባኣኩም። ድሕሪ ሎሚ ቶም ካልኦት ፓርቲታት ፀላእቲ ከይኾኑ ተነሓናሕቲ ከምዝኾኑን ህወሓትውን ካብቶም ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ሓንቲ እምበር ፍልይቲ ከምዘይኮነት ኣሚንኩም ነቲ ንሕንሕ ተዳለዉ። እቲ ካብ ቀበሌን ወረዳን ስካብ ላዕለዋይ አመራርሓ መንግስቲ ትግራይ ዘሎ መራሒ ብህዝቢ ይዳነይ። እቲ ፅቡቕ ዝሰርሐ ዳግም ይመረፅ እቲ ንህዝቢ ዝበደለውን በቲ ዝበደሎ ህዝቢ ይቀፃዕ።
7. መብዛሕትኦም ናይ ሎሚ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ነዘን ካብዚ ንላዕሊ ዝተዘርዘራ ስጉምቲታት ክወስዱ ስነ ኣእምⶂኣዊ ድሉውነት ከምዘይብሎም ፍሉጥ እዩ። እቲ ማእከላይ ኮሚቴ ካብቲ ዝለመዶ ወያናይ (ጥርኑፍ) ኣሰራርሓ ወፃኢ እቲ ሎሚ ዝድለይ ዴሞክራሲያዊ ኣሰራርሓ አይለመዶን ክለምዶ ክፍትንውን ኣይራኣይን። ከምቲ “you can’t teach an old dog new tricks” ንዝኣረገ ከልቢ ሓዲሽ ፃወታ ክተምህሮ ኣይትኽእልን ዝበሃል፤ ናይ ሎሚ ኣባላት ማእከላይ ኮሚቴ ህወሓት ብናፅነትን፣ ብማዕርነትን ምስ ካልኦት ፓርቲታት እናተናሓናሕካ፤ ህዝቢ ብዝመሰሎ መልክዑ ተደራጅዩ ሓሳቡን ድልየቱን ዝገልፀሉ ሃዋህው ክቕበልዎ ዘፀግሞም ስርዓት እዩ። ካብ ህወሓት ቑፅፅር ናፃ ዝኾና ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ንግዲ ትካላትን ፖለቲካዊ ፓርቲታትን ብናፃ ዝንቀሳቐሱሉ ሃዋህው ዘይደልይዎ ሃዋህው እዩ። ኮይኑ ግና ኣብውሽጢ ሕወሓት ምስቲ ግዜ ሓቢርካ ንምልዋጥ ድልየት ዘለዎም፣ ንህወሓት ካብጥፍኣት ከድሕኑ ድልየት ዘለዎም ከም ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል ዘለው መራሕቲ ኣብ ኣመራርሓ ህወሓት ብግሁድ ዝርአይ ፍልጠትን ክእለትን ዘለዎም መራሕቲ ዘይምህላው ፀገም ንክፈትሑ ክቃለሱ ይግባእ። እዚውን ክግበር ዝኽእል ነቶም ስካብ ሎሚ በብሴሚናሩ ናዓኻትኩም ዘወድሱ ከይኾነ፣ ነቶም ስካብ ሎሚ ዋላ ብኣፀጋሚ ኩነታት ጌጋኹም ይነግሩኹም ዝነበሩ መናእሰይ ምሁራትን ነበር ተጋደልቲን ጋቢዝኩም ሓዲሽ ኣመራርሓ ክትፈጥሩ ይግባእ። ልክዕ ኦህዴድ ከምዝገበሮውን ካብ ሰማኒያ ፐርሰንት ዘይንእሱ ኣባላት ማእኸላይ ኮሚቴ በሓደሽቲ ኣባላት ክትክኡ ይግባእ።
ብሓፈሽኡ ህወሓት ንመበል ዓሰርተ ሰለስት ግዜ ኣብትገብሮ ሓፈሻዊ ጉባኤ ካብዚ ንላዕሊ ዝተዘርዘሩን ካልኦት አድለይቲ ውሳኔታት ወሲና እቲ ግዜ ዝጠልቦ ኣታሓሳስባን ኣመራርሓን ሒዛ ብዓወት ከምትዛዝሞ ተስፋ ንገብር። ብተመሳሳሊ ካብ መስከረም 23 ጀሚሩ ኣብዝካየድ ናይ ኢህወዴግ ሓፈሻዊ ጉባኤ ምስ ኣሓት ውድባት ግቡእ ቦታኣ ሒዛ ብሓዲሽ መንፈስ ኣድለይቲ ውሳኔታት ተወሲኖም ሃገርና ናብ ሰላማዊን ዝሓሸ ፖለቲካዊ ይኹን ኢኮኖሚያዊ ዓንፈት ክትስድር ትፅቢትና እዩ።
ኣዮኹም ናይና!
መርስኤ ኪዳን
ካብ ሜኔሶታ፡ ሃገረ ኣሜሪካ
mersea.kidan@gmail.com

